እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ: ኣብ ክልል ትግራይ ተኸሲቱ ብዘሎ ጎንጺ፡ ብዙሕ ናይ ሓሶት ዜና ይዝርጋሕ ኣሎ
መጠንቀቕታ፡ እዚ ጽሑፍ ንገለ ሰባት መሰንበዲ ክኸውን ዝኽእል እልታት ኣለዎ
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ወተሃደራዊ ወፍሪ ከካይድ ድሕሪ ምጅማሩ፡ ገለ ሰባት ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ምዝርጋሕ ተጸሚዶም ኣለው።
እቲ ገሊኡ ምስቲ ክስተት ዝኾነ ርክብ ዘይብሉ ትሕዝቶታት ክኸውን እንከሎ፤ ገለ ድማ ናይ ሓቂ ንምምሳል ምምሕያሻት ዝተገበረሉ እዩ።
ዝተዋቕዐ ስእሊ ስርዓተ ምክልኻል ሚሳይል
ብሩስያ ዝተሰርሐ ኤስ-400 ስርዓተ ምክልኻል ሚሳይል፡ ኣብ ትግራይ ኣንጻር እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝካየድ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ የገልግል ከም ዘሎ ብምግላጽ ነዚ ስእሊ ዝተፈላለዩ ወገናት ይቀባበልዎ ኣለው።
ብዘይካ'ዚ ፍርያት ሩስያ ዝኾነ ተፋእ ሓዊ'ውን ኣብ ኣገልግሎት ከም ዘሎ ይዛረቡ።
ምስቲ ስእሊ ዝተዘርግሐ ጽሑፍ፡ "እዚ ኣብ ስእሊ ትርእይዎ ዘለኹም ብረት፡ ኢትዮጵያ'ውን ከም ሃገር ኣይትውንኖን እያ፤ ተጋሩ ንርእሶም ካብ መጥቃዕቲ ኣየር ንምክልኻል ዘምጽእዎ እዩ" ይብል።
ኣብቶም ስእልታት ናይ ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ልባስ ዝገበረ ወተሃደር ይርአ።
እንተኸነ ግና እቶም ስእልታት ነቶም ወተሃደራት ብምውሳኽ ዝተመስርሑ እዮም።
ጽላሎት እቶም ወተሃደራት ምስ ካልእ ኣብቲ ስእሊ ዘለው ነገራት ዝሳነ ኣይኮነን።
ኣብ ሓደ ካብቶም ስእልታት፡ እቲ ወተሃደር ምስቲ ብድሕሪኡ ዘሎ ዘይመጣጠን ዓቐን ሒዙ ይርአ።
እቲ መበቆላዊ ስእሊ፡ ኣብ ደቡባዊ ሩስያ ዞባ ኣስትራክሃን ኣብ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ልምምድ ዝተወስደ ምዃኑ ኣብ ኦንላይን ዝገበርናዮ ኣለሻ ስእሊ የነጽር።
ኣብቲ ወተሃደራዊ ልምምድ ዝተወስደ ቪድዮ ኣብዚ ምርኣይ ይከኣል።
ፍርያት ሩስያ ዝኾነ ኤስ-400፡ ምዕቡል ካብ መሬት ናብ ኣየር ዝውንጨፍ ስርዓተ ሚሳይል ኮይኑ፡ ሒደት ሃገራት እየን ዝውንንኦ።
ኢትዮጵያ ድማ ሓንቲ ካብተን ነዚ ሚሳይል ዝዓደጋ ሃገራት ኣይኮነትን።
እዚ ምስሊ ነፋሪት፡ ናይ ኢትዮጵያ ኣይኮነን
ብኣማኢት ዝቑጸሩ ተጠቀምቲ ፌስቡክ፡ ስእሊ ናይ ሓንቲ ኣብ መሬት እትቃጸል ጀት ብምጥቃም፡ ዝተሓምሸሸት ወተሃደራዊት ነፋሪት ኢትዮጵያ ምዃና ዝገልጽ ሓበሬታ ክቀባበሉ ተራእዮም።
ሓደ ካብቶም ኣብ ፌስቡክ እተዘርግሑ ሓበሬታታት "ሓይልታት ትግራይ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ የጋጥሞም ኣሎ። ሓንቲ ወተሃደራዊ ነፋሪት [ኢትዮጰያ] ኣውዲቖም ኣለው፤ ብዙሓት ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ [ኮማንዶ] እውን ቀቲሎም። እቲ ኲናት ይቕጽል ኣሎ" ይብል።
ተጻራሪ ኣለሻ ምስሊ ግና እቲ ስእሊ ናይ ኢትዮጵያ ዘይምዃኑ እዩ ዘርእይ።
ተመሳሳሊ ስእሊ፡
- ፕረስ ቲቪ ኢራን፡ ኣብ ሓምለ 2018 ብዛዕባ ኣብ የመን ዝተወቕዐት ወተሃደራዊት ነፋሪት ስዑዲ ኣብ ዝጸብጸበትሉ፡ ነዚ ምስሊ ተጠቂማ ነይራ እያ።
- ኣብ ግንቦት 2015 ብዛዕባ ኣብ ከባቢ ዚንታን ሊብያ ዝተሃርመት ሚግ-25 ዝገልጽ ኣብ ትዊተር ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ነዚ ስእሊ ተጠቂሙ ኣሎ።
ስእልታት ሓደጋ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዘይ ኣግባብ ምጥቃም
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መጋቢት ዘጋጠመ፡ ህይወት ልዕሊ 150 ሰባት ዝቐዘፈ፡ ሓደጋ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቦይንግ 737 ማክስ-8 ዝተቀባበሉ'ውን ሒደት ኣይኮኑን።
ሓደ ካብኣቶም እቲ ኣብቲ ስእሊ ዝርአ ኣስከሬናት፡ ኣብ ከባቢ ዶባት ትግራይን ኣምሓራን ናይ ዝተኻየደ ኲናት ግዳያት ምዃኑ ይገልጽ።
ብዙሓት ግና እቲ ስእሊ ምስቲ ኲናት ዘራኽቦ ከም ዘይብሉ ገሊጾም፤ ገለ'ውን ካብ ገጻቶም ኣልዮምዎ ኣለው።
ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ወተሃደራት ማስክ ይግበሩ ኣይበለተን
ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ፡ ሊያ ታደሰ፡ እቶም ወተሃደራት ናይ ኮቪድ ጥንቃቐታት ክገብሩ ከም ዘዘኻኸረት ዝገልጽን ዘባጩን ሓበሬታ ኣብ ትዊተር ተዘርጊሑ።
እቲ ሓበሬታ ከምዚ ይብል፤ "ማሕበራዊ ርሕቐት ብምሕላው፡ መናጽሂ ብምጥቃም፡ ማስክና [መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን] ብጥንቃቐ ብምግባር፡ እቲ ኲናት ብሰላም ክዛዘም፡ ኩላትና ዝምልከተና ኣካላት እጃምና ነበርክት"።
እንተኸነ ግና ከምዚ ዝብል ሓበሬታ ኣብ ናታ ናይ ትዊተር ገጽ የሎን፤ እቲ 'ስክሪንሾት' ስኑዕ እዩ።
ብዘይካ'ዚ እታ ሚኒስተር ኣብ ትዊተር ኣብ ትልጥፎ ሓበሬታ ዘይከምቲ ኣብቲ 'ስክሪንሾት' ዝርአይ 'ኣንድሮይድ' ዘይኮነ 'ኣይፎን' ስልኪ ከም እትጥቀም ካብቲ ለጢፋቶ ዘላ ሓበሬታታት ምርዳእ ይከኣል።