መራሒ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል መን'ዩ?

ኣባል ደባይ ተዋጋኢ ሰራዊት ኣብ ዝነበረሉ፡ ንርክባት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ምዕፋን ዝነጥፍ ዝነበረ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ሎሚ መራሒ ናይቲ ምስ መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ወተሃደራዊ ረጽሚ ኣትዩ ዘሎ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ እዩ።

ኣብ 1970 ካብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ትምህርቱ ኣቋሪጹ ናብቲ ኣንጻር ስርዓት መንግስቱ ሃይለማርያም ዝቃለስ ዝነበረ ህወሓት ዝተጸምበረ ደብረጽዮን ዝበዝሕ ዕድሚኡ ኣብ ህወሓት እዩ ኣሕሊፍዎ።

ኣብ ጎቦታት ትግራይ ወተሃደራዊ ስልጠና ድሕሪ ምዝዛም፡ ደብረጽዮን ንዘለዎ ቴክኒካዊ ክእለት ዘስተብሃለ ናይ ቀረባ መሓዝኡን ብጻዩን ኣለማየሁ ገዛሀኝ፡ ናብ ኣሃዱ ቴክኒክ ክምደብ ሓሳብ ከም ዘቕረበ ይዛረብ።

ደብረጽዮን በሊሕ፡ ግን ድማ ጥቁብ "ዕባይ ከተማ [ሽረ]" ብምንባሩ እቲ ቦታ ብልክዕ ንዕኡ ዝኸውን ምንባሩ ኣቶ ኣለማየሁ ገሊጹ።

"ኣብ መባእታ ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ዝነበረሉ፡ ካብ ስራሕ ወጻኢ ዝኾነ ባተሪታት፡ ሬድዮታትን ኤለክትሪካዊ ኣቕሑትን እናኣከበ ይጽግን ነይሩ። ወላ'ኳ ኣብ ከተማና ኤለክትሪክ እንተዘይነበረ፡ ካብቲ ዝኣራረዮ ኣቕሑት መብራህቲ ሰሪሑ ነይሩ" ክብል ይዝክር ኣቶ ኣለማየሁ።

ህወሓት ንርክባት ናይቲ እዋን ሰራዊት ክጸናጸንን ንፈነወታት ንርክባት ሬድዮ ክዕፍንን ብምኽኣሉ፡ ደብረጽዮን ኣብቲ ዝተመደበሉ ኣሃዱ ቴክኒክ ጸብለል እዩ ኢሉ።

"እዚ ንኽንዕወት ዓቢይ ተራ እዩ ነይርዎ፤ ምኽንያቱ ህወሓት ብዛዕባ ምንቅስቓሳት ጸላኢ፡ ኣቐዲሙ ይፈልጥ ነይሩ፤ መጥቃዕቲ ኣብ ዝካየደሉ ድማ ስለ ዝዕፈኑ ንሓድሕዶም ክራኸቡ ኣይኽእሉን" ይብል ኣቶ ኣለማየሁ።

ደብረጽዮን ሞይኡ ንምምዕባል ብዝተሰንዐ ፓስፖርት ዓዲ ጥልያን በጺሑ ድሕሪ ምምላሱ፡ ንናይ ፈለማ መደበር ሬድዮ ህወሓት - ንድምጺ ወያነ መስሪቱ።

ድምጺ ወያነ ፈለማ፡ በቲ ስርዓት ደርግ፡ ቋንቋ ኣምሓርኛ ንምትብባዕ ዝጭፍልቖ ዝነበረ ቋንቋኦም፡ ትግርኛ ፈነወኡ ምስ ጀመረ፡ ንተጋሩ ቀንዲ ምንጪ ሓበን እዩ ነይሩ።

እቲ ስርዓት ንሓድነት ብዙሓት ብሄራት ኢትዮጵያ ንምድንፋዕ ንቋንቋ ኣምሓርኛ እዩ ዘሰጉም ነይሩ።

ካልእ ተጋዳላይ ህወሓት ዝነበረ መዓሾ ገብረኪዳን፡ ካብ ሰራዊት ደርግ ተሓቢኦም ብለይቲ ናብ ጎቦታት ብምድያብ፡ ኣንቴናታት ይተኽሉ ከም ዝነበሩ ይዝክር።

"ሓደ ምሸት፡ ኣብ ሓደ ካብቶም ጎቦታት ጸዲፉ፤ ምስ ካልኣየይ ኮይንና ኢና ኣድሒንናዮ። ሽዑ እንተዘይንዕወት እቲ ሬድዮ ምተጀመረ'ዶ? ኢለ ኩሉሳዕ እየ ዝሓስብ" ይብል ኣቶ መዓሾ።

ሕጂ ድምጺ ወያነ ብብዙሓት ቋንቋታትን ብዝተፈላለየ መድረኻት ዝፍኑ፡ መደብሩ ኣብ መቐለ ዝገበረ ዓቢ ማዕከን ዜና ኮይኑ ኣሎ።

ድምጺ ወያነ፡ ኣንጻር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ተሪር ነቐፌታ ክፍኑ ብምጽንሑ፡ ብመንግስቲ ፌደራል ተዓፊኑ እኳ እንተነበረ ኣብ ዝቐጸለ መዓልቲ'ዩ ናብ ኣየር ተመሊሱ።

ዶክተር ደብረጽዮንን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይን ኣብ ፈለማ ኣዕሩኽ እዮም ዝመስሉ ነይሮም። ኣብ 2018 ኣቢይ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ናብ መቐለ ኣብ ዝበጽሓሉ'ውን ፍሉይ ኣቀባብላ እዩ ተጌርሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ሽዑ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ትግራይ ታሪኽ ሃገርና ዝተሰርሓሉ፡ ወረርቲ ሓይልታት ዝተስዓሩሉን ዝሓፈሩሉን ስፍራ እዩ፤ ኣብ ዘመናዊት ኢትዮጵያ፡ ማሕጸን ኢትዮጵያ እዩ" ኢሉ።

ዶክተር ደብረጽዮን ብወገኑ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ንከባቢ 20 ዓመታት ዝጸንሐ ኩነተ ኲናት ንምብቃዕ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝገበሮ ናይ ሰላም ተበግሶታት ንኢዱ።

ዶክተር ደብረጽዮን ሽዑ ኣብ ዘስምዖ መደረ "[ኣቢይ] ናብ ኤርትራ ብምኻድ ምስ ኢሳያስ ተራኺቡ። እዚ ንብዙሕ ዓመታት ዘይከኣል እዩ ነይሩ። ነዛ ሃገር ዓቢይ ዕድል ዝፈጥር ብምዃኑ ዓቢይ እዩ" ኢሉ ።

እንተኾነ ግና እዚ ምሕዝነት፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዝምዕብል ዝነበረ ወጥሪ ሸፊንዎ እዩ ነይሩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝ ካብ መዝነቱ ድሕሪ ምእላዩ፡ ኣብ ልፍንቲ ኢህወደግ ኣብ ዝነበረ ውድድር ኣቢይ ንደብረጽዮን ስዒሩ እዩ ናብ መዝነት ቀዳማይ ሚኒስተር መጺኡ።

ዶክተር ደብረጽዮን ኣብ 2019 ምስ መጽሄት ፋይናንሻል ታየምስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ "'ንስኻ ኣይበሰልካን፤ ንስኻ ክትወዳደር ኣይግብኣካን እዩ' ኢለዮ" ይብል።

እንተኾነ ግና ስዕረት ደብረጽዮን ብሃንደበት ዝመጸ ኣይነበረን፤ ህወሓት ኣብ ዝሓለፈ 27 ብልፍንቲ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝመርሓለን ዓመታት፡ ዓፈናን ብልሽውናን መለለዪኡ ኮየኑ ነይሩ።

ዶክተር ደብረጽዮን ኣብ መንግስቲ ንዝነበሮ ተራ ዝወሃብ ርእይቶ ዝተሓዋወሰ እዩ።

እቶም ዝነቕፍዎ፡ ኣብ 1990ታት ምክትል ሓላፊ ጸጥታ ኣብ ዝነበረሉ፡ ንተቓወምቲ ብምስላይን ተቓውሞታት ኣብ ምጭፍላቕን መሳርሒ ኮይኑ ምንባሩ ክገልጹ እንከለው፤ ደገፍቱ ግና ሚኒስተር ርክባትን ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጅን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንትሕተ ቅርጺ ቴለኮምኒኬሽን ኢትዮጵያ ኣብ ምልዋጥ ንዝነበሮ ተራ የቃልሑ።

ወላ'ኳ ብመንግስቲ ዝበሓት ጽላት ኮይኑ እንተቀጸለ ናይ ቢልዮናት ዶላራት ፕሮጀክት ብምብጋስ ዝርግሐ ሞባይል ቴለፎን ንመላእ ኢትዮጵያ ከም ዝባጻሕ ገይሩ።

ኣንጻር መንግስቲ ንዝኾኑ ተቓውሞታት ንምግታእ ብተደጋጋሚ ኢንተርነት ምዕጻው ዘዘውትር ኩባንያ ቴለኮም ኢትዮጵያ ብዙሕ ወቐሳታት እዩ ዝበጽሖ።

"ዝበዝሑ ናይ ሓይሊ መመንጨውን ናይ ቴለኮምን ፕሮጀክትታት ትሕተ ቅርጺ ብእኡ እዮም ዝምርሑ ነይሮም። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ፓርክ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ናቱ ሓሳብ እዩ። ንማእከል ምርምር ጠፈር'ውን ኣበጊሱ እዩ። ኣሰራሓቱ ኣብ ብርክት ዝበሉ ሃገራዊ ፕሮጀክትታት ምርካብ ይከኣል እዩ" ይብል ኣብ ኣሜሪካ ዝነብር በዓል ሞያ ህዝባዊ ፖሊሲ ዳደ ደስታ።

ኣብ 2019፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ነቲ ኣብ ብሄር መሰረት ዝገበረ ልፍንቲ ኢህወደግ ኣፍሪሱ ሰልፊ ብልጽግና ምስ መስረተ፡ ህወሓትን ኣቢይን ፍልልያቶም ሰፊሑ ተራእየ።

ዶክተር ደብረጽዮን ናብቲ ከም ጸጋኒ ዝረኣየሉ ናብ ትግራይ ተመሊሱ። ኣብ ወርሒ መስከረም ንመጠንቀቕታ መንግስቲ ፌደራል ዕሽሽ ብምባል፡ ኣርባዕተ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝተሳተፍሉ ምርጫ ኣካይዱ።

"ማዕጾይ ንኹሉ ክፉት እዩ" ብዙሕ ግዜ ዝደጋግሞ ዘረባ እዩ።

"ንሕና ልምዓት ኢና እንደሊ፤ ኲናት ኣይኮነን" ዝብል ኣብ መደረታት ደብረጽዮን ዘይተርፍ ዘረባ እዩ።

ሕጂ ግና፡ ኣብ ማእከል እቲ ህይወት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ዝወሰደ፡ ልዕሊ 30 ሽሕ ሰባት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ዶብ ሰጊሮም ናብ ሱዳን ክስደዱ ዝገበረን፡ ጽርጊያታትን ህንጻታትን ዝርከቡሉ ኣገዳሲ ትሕት ቅርጺ ዘዕነወ ኲናት ይርከብ።

"ደብረጽዮን ነዚ ኲናት ከም መርገም እዩ ዝርእዮ" ዝብል ዳደ፡ ህወሓት ነቲ ኣቢይ ኣብ ትግራይ ሓድሽ ምምሕዳር ንምትካል ዝገብሮ ፈተነ ኣትሪሩ ክቃወሞ ትጽቢት ከም ዘለዎ'ውን ይገልጽ።

ዳደ ወሲኹ፡ "ኣብ ኲናት ኤርትራ ነይሮም እዮም፤ ከምኡ'ውን ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ደርግ። እኹል ተሞክሮ ኣለዎም። ኲናት ህዝቢ ክኣምነሉ ኣለዎ፤ ህዝቢ ትግራይ ድማ ኣሚንሉ እዩ" ብምባል እቲ ጎንጺ ንነዊሕ ክቅጽል ከም ዝኽእል ይእምት።

እንተኾነ ግና ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ነቲ ጎንጺ ከም ዝዕወተሉን ንመራሕቲ ህወሓትን ወተሃደራውያን ኣዘዝትን ናብ ፍርዲ ከም ዘቕርቦም ብምሉእ ምትእምማን እዩ ዝዛረብ።