ጃምላዊ ቅትለት ነበርቲ ማይ ካድራ ዘጻሪ ጉጅለ ናብቲ ቦታ ተላኢኹ

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ)፡ ኣብ ማይ ካድራ ንዝተፈጸመ ሰብኣዊ ቅልውላው ብቕልጡፍ ዘጻሪ ጉጅለ ናብቲ ቦታ ከምዝለኣኸ ገሊጹ፡፡

እቲ ኮምሽን ኣብ ትግራይ ንዝካየድ ዘሎ ኲናትን ሓለዋ ሰብኣዊ መሰልን ኣመልኪቱ ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብቲ ጎንጺ ዝሳተፍ ዘሎ ዝኾነ ይኹን ኣካል ንዝተፈጸሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ብምምርማርን መረዳእታ ብምትእኽኻብን ተሓታነት ንምርግጋጽ ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ኮምሽን፡ ብመሰረት እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ዝተጣየሸ ሓይሊ ዕማም ፡ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝምልከት ስራሕቲ ዝሰርሕ ኣካል ከጣይሽን ሰብኣዊ ሓገዝ ምስ ዘቕርቡ ትካላት ክመኻኸር ክጅምርን ጸዊዑ፡፡

ሰራሕተኛታት ግብረ ሰናይ እንታይ እዮም ዝብሉ?

ወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያን ኣተሓባባሪት ሰብኣዊ ሓገዝን ዶክተር ካትሪን ሶርዚ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት፡ ኣብቲ ናይ ጎንጺ ዞባ ኣገልግሎት ስልኪ ምቁራጹን መንገዲታት ምዕጻዎምን፡ እቲ ትካል ሰብኣዊ ሓገዝ ንምግባር ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ ዕንቅፋት ከምዝኾኖ ተዛሪባ፡፡

'' ቀደሙ እውን ኣብ ትግራይ ናይ ምግቢ ሓገዝ ዝደልዩ ካብ 600 ሽሕ ንላዕሊ ሰባት ነይሮም እዮም'' ዝበለት ዶር ካትሪን፡ ብተወሳኺ ኣብ ኣርባዕተ መዕቆቢ ስደተኛታት ልዕሊ 96 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ብምሕባር ቁጽሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ብዙሓት ከምዝኾኑ ገሊጻ፡፡

እቲ ነቶም ስደተኛታት ዝሕግዝ ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘለዎ ንሓገዝ ዝኸውን መሰረታዊ ትሕዝቶ ሃለኽቲ ኣብ ቀረባ እዋን ክነጽፍ ከምዝኽእል እውን ኣጠንቂቓ፡፡

ጻውዒት ኮሞሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብተወሳኺ፡ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣገልግሎት ምእንቲ ክህብ፡ ኣብቲ ውግእ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት፡ ዓለም ለኻዊ ሕግታትን ኣርማ ቀይሕ መስቀልን ከኽብሩ ኣተሓሳሲቡ፡፡

30 ጥቅምቲ 2013 ዓም ኣብ መስመር ሑመራ ዳንሻ ሰለስተ ኣምቡላንስ ብዕጡቓት ተኹሲ ተኸፊቱወን ጉድኣት ከምዝበጸሐን ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።

ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር መንግስቲ ብዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ፡ ዝተኣሰሩ ሰባት ብዝምልከት ካብ ዝበጸሖ መረዳእታ ተበጊሱ፡ ሰባት በብሄሮምን መንነቶምን ንጥርጣረን ኣድልዎን ክቃልዑ ከምዝኽእሉ ''ርትዓዊ ስግኣት'' ምፍጣሩ ከምዝተረደአን ብቐረባ ይከታተሎ ከምዘሎን ኣፍሊጡ፡፡

ንመሰል ደቂ ሰባት ዝሕለቕ ዓለም ለኻዊ ትካል ህዩማን ራይትስ ዎች እውን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ኲናት ንብረትን ህይወትን ንጹሃት ዜጋታት ክሕልው ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ፡፡

ብተወሳኺ ሰብኣዊ ሓገዝ ረድኤት ናብ ዘደልዮም ወገናት ንክበጽሕን፡ ተቛሪጹ ዘሎ መሰረታዊ ኣግልግሎታት ርክብን ቴሌፎንን ክኽፈትን እቲ ትካል ጸዊዑ፡፡

ዳይሬክተር ቀርኒ ኣፍሪቃ ብወገና፡ ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝን ኣገልግሎት ምኽልካል፡ ነቲ ብኲናት ዝጉዳእ ዘሎ ብሚልዮን ዝቑጸር ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዓብዪ ሓደጋ ከምዝወድቕ ዝገብር እዩ ኢላ፡፡

ምላሽ መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን

''መንግስታት ፌደራልን ትግራይን መሰል ምንባር ደቂ ሰባት ከኽብሩን ነቲ ህዘቢ ንምሕጋዝን ንምክልኻልን ዘድሊ ኩሉ ክገብሩን'' እውን ጸዊዓ፡፡

ኣብ መጀርታ እዚ ሰሙን፡ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ማይ ካድራ ብዙሓት ዜጋታት ተቐቲሎም ዝብል ጸብጻብ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቲ ቅትለት እንተተረጋጊጹ ከም ገበን ኲናት ከምዝቑጸር ገሊጹ እዩ፡፡

ሰኑይ ምሸት ኣብ ክልል ትግራይ ብዙሓት ሰባት ግዳይ ዝኾኑሉ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ዘመላኽት መረዳእታ ከምዝረኸበ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ገሊጹ ነይሩ፡፡

እቲ ትካል ኣብ ማይ ካድራ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ብዘሰቅቕ ኩነታት ብበሊሕ ነገር ከምዝተቐተሉ ገሊጹ። ነቲ መጥቃዕቲ መን ከምዝፈጸሞ ግን ከረጋግጽ ከምዘይከኣለ ሓቢሩ።

እቲ ትካል ኣዘራሪበዮም ዝበሎም መሰኻኽር ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ኣንጻር ሰራዊት መንግስቲ ዝዋግኡ ሓይሊታት ተኣመንቲ ህወሓት እዮም ክብሎ ይኸሱ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ከኣ ነቲ ጥቕዓት ዝፈጸሙ ዕጡቓት ህወሓት እዮም ዝገልጽ። ሰበስልጣን ክልል ትግራይ ግና ነቲ ክሲ ይነጽጉዎ።

ትማሊ ኣብ ዘውጽእዎ ጽሑፍ እቲ ኣምነስቲ፡ 'ደቂ እቲ ከባቢ መሰኻኽር ዓይኒ ኣዘራሪበ' ኢሉ ዘውጸኦ ጸብጻብ ብሳልሳይ ገለልተኛ ኣካል ክጻረን እቲ ሓቂ ክፍለጥን ሓቲቱ። እቲ መግለጺ፡ እቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ ቅትለት ከጻርን ክምርምርን ንዝደሊ ገለልተኛ/ ነጻ ኣካል፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣድላይ ምትሕብባር ከምዝገብረሉን ነቲ ተግባር ዝፈጸመ ኣካል ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቡ ክሕተትን ጸዊዑ።

ብተወሳኺ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል እቲ ክሲ፡ ''መሰረት የብሉን'' ክብል ከምዝተቓወመ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ጸብጺቡ ኣሎ፡፡

ኣመዓባብላ እቲ ኩናት

መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።

ብለበዳ ኮቪድ-19 ብዝተናውሐ ምርጫ እውን ተሰሓሒቦም።

ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ ምርጫ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ምርጫ ኣካይዱ።

ዶ/ር ኣቢይ እቲ ምርጫ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ።

ብድሕር'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም። ብ03 ሕዳር ከኣ ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ምስ ዝነበረ ናይ ሰሜን እዝ ጎንጺ ተኸሲቱ።

ዶክተር ኣብይ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝተወስደ ስጉምቲ ብምኹናን፡ ሕጊ ንምኽባር ብዝብል ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ።

ኣብ ትግራይ ዝጸንዕ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ህጹጽ ግዘ'ውን ኣዊጁ። ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ እውን ንመንግስቲ ህወሓት ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዝሸይም ሓቢሩ።፡፡