ቅልውላው ትግራይ፡ መንግስቲ ፈደራል፡ መመንጨዊ ጸዓት ተከዘ ብነፈርቲ ከምዘይተደብደበ ገሊጹ

ትማሊ ምሸት ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል መመንጨዊ ጸዓት ተከዘ ተደብዲቡ ክብል ንዝሃቦ መግለጺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓሶት እዩ ክብል መሊሱ።

እቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ፈደራል ንኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ትግራይ ክከታተል ዝቖመ ሓይሊ ዕማም፡ መመንጨዊ ጸዓት ሃይድሮ ኤሌክትሪክ ተከዘ ልክዕ ከም ካልኦት መመንጨዊ ጸዓት ግድባት ኢትዮጵያ ብመንግስቲ ፈደራል ከምዝተሃንጸን ከምዝመሓደርን ሓቢሩ።

" እቲ ግድብ እንተተሃሪሙ እንታይ ዓይነት ዕልቕልቕ ከስዕብ ከምዝኽእል ማንም ሰብ ክግምቶ ይኽእል እዩ" ከኣ ኢሉ።

በንጻሩ ብሰንበት 08 ጥቅምቲ ምሊሻ ህወሓት ነቲ ግድብ ንዝሕልው ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ መንግስቲ ፈደራል ከምዘጥቅዑን እቶም ብህይወት ዝተረፉ ኣባላት መንግስቲ ፈደራል ን14 ሰዓታት ብእግሮም ተጓዒዞም ንጎንደር ከምዝኣተዉ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ዶክተር ደብረጽዮን ትማሊ ምሸት ኣብ ቴለቪዥን ትግራይ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ኲናት ይቕጽል ከምዘሎን ግን እቲ ጸገም ፖለቲካዊ ፍታሕ ክድለየሉ ከም ዝግባእ ተዛሪቡ።

ዶክተር ደብረጽዮን፡ ኣብቲ ብመንግስቲ ፈደራል ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ኣብ ከተማታት መቐለ፡ ዓዲግራትን ኣላማጣን ናይ ኣየር ደብዳብ ከም ዝተፈጸመ ፤ መመንጨዊ ሓይሊ ኤለክትሪክ ግድብ ተከዘ እውን ብረቡዕ ብነፈርቲ ኩናት ከምዝተጠቕዐን ከተማታት ትግራይ ጸልሚተን ከምዘለዋን ከሲሱ ።

እቲ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጉድኣት ከምዘብጸሐ እኳ እንተገለጸ፡ ብዛዕባ እቲ ኣጋጢሙ ዝብሎ ዝርዝር ሰብኣዊ ክሳራ ግን ሓበሬታ ኣይሃበን።

ቢቢሲ ኣብዚ ዛዕባ ንሓላፊ ኮርፖሬሽን ሓይሊ ኤለክትሪክ ከዛርብ እኳ እንተፈተነ፡ እቲ ጉዳይ ንቤት ምኽሪ ህጹጽ እዋን ዝምልከት ምዃኑ ብምግላጽ ምላሽ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ ኣሎ።

ዶክተር ደብረጽየን ሕጂ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ናይ ከቢድ ብረት ደብዳብ ይካየድ ምህላው ሓቢሩ።

"ሕጂ'ውን ብዝተፈላለዩ ሸነኻት ንኲናት ምድላዋት ይግበር ኣሎ፤ እቲ ኲናት ጌና ሕጂ እዩ [ዝጅመር ዘሎ]" ኢሉ።

ወተሃደራት ኤርትራ ምስ ወተሃደራት ፌደራል ሓባራዊ ግንባር ፈጢሮም ይወግኡና ኣለው ዝበለ ዶክተር ደብረጽዮን፡ ብሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ዝተማረኹ ወተሃደራት ኤርትራ ምንባሮም'ውን ገሊጹ'ሎ።

ዶክተር ደብረጽዮን ቅድሚ ሒደት መዓልታት ተመሳሳሊ ክሲ ኣቕሪቡ እኳ እንተነበረ፡ መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ " እዚ ኩናት ንዓና ዝምልከት ኣይኮነን" ብምባል ነቲ ክሲ ምንጻጉ ይዝከር።

ኣብቲ ክልል ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ሰራዊት መንግስቲ ክልል ትግራይ ይዕወቱ ከም ዘለው ዝገለጸ ዶክተር ደብረጽዮን "ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 10 ሽሕ ወተሃደራት ማሪኽና ኣሎና" ኢሉ። ካብቶም ዝተማረኹ ወተሃደራት ኤርትራ ከምዘለው እውን ተዛሪቡ።

እንተኾነ ገና ብዛዕባ እቶም ከም ዝተማረኹ ዝገለጾም ወተሃደራት ዝኾነ ካልእ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣይቀረበን። ብመንግስቲ ኤርትራ ኮነ መንግስቲ ፈደራል ኢትዮጵያ ዝተዋህበ ምላሽ የሎን። ብኻልእ ነጻ ኣካል'ውን ኣይተረጋገጸን።

እዋናዊ መግለጺ ኣቢይ ኣሕመድ

ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ ኣብ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ብትግርኛ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ወፍሪ ይዕወት ምህላውን ህዝቢ ትግራይ፡ ነቲ ብኹሉ ኩርናዕ ተኸቢቡ ኣብ ጭንቀት ዘሎን ናይ መዓልታት ዕድመ ተሪፉዎ ኣሎ ዝበሎን መሪሕነት ህወሓት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ክተሓባበር ጸዊዑ።

ኣመዓባብላ እቲ ኩናት

ርክብ መንግስታት ፌደራልን ክልል ትግራይን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሓርፈፈ ክመጽእ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ዝሓለፈ ረቡዕ 4 ሕዳር ለይቲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ትግራይ ዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ከም ዘካየደ ዝገለጸ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓይሊ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ሃገራዊ መደበር ቴለቪዥን ቀሪቡ፡ ሰራዊት ምክልኻላ ብኮማንድ ፖስት እናተመርሐ "ሃገር ናይ ምድሓን ትእዛዝ ተዋሂብዎ ኣሎ" ብምባል፡ እቲ ሕጊ ናይ ምኽባር ዝተባህለ ስጉምቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ይካየድ ከምዘሎ ተዛሪቡ።