እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ፡ ዕንወት መዓርፎ ነፈርቲ ኣኽሱም ብዝምልከት: እቲ ሓቂ እንታይ'ዩ?
ዕንወት መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ኣኽሱም ትግራይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ።
ሰራዊት መንግስቲ ፌደራል፡ ነቲ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝተቖጻጸሩዎ እኳ እንተገለጹ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ግን ኣብቲ መገዲ ኣየር መጥቃዕቲ ከም ዘብጽሑን እቲ መሐምበቢ ጽርጊያ ነፈርቲ (ራን ወይ) ከም ዝሓጸሩዎን እዩ ዝግለጽ።
ሕጂ'ውን ኣብቲ ክልል ኣገልግሎት ቴሌፎንን ኢንተርነትን ተዓጽዩ ስለ ዘሎ፡ እቲ ሓቂ በየናይ ወገን እዩ ዘሎ ዝብል ዝፍለጥ ኣይኮነን።
ንገለ ኣብቲ መገዲ ኣየር መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሐ ዘርእዩ ምስልታትን ናይ ሳተላይት ስእሊ እቲ መዓርፎ ነፈርትን ወሲድና፡ ገለ ሓቅታት ኣዳሊና ኣለና።
መዓርፎ ነፈርቲ ኣክሱም ንምሓዝ ዝተገብረ ውግእ
ብ11 ሕዳር 2020፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝተቖጻጸሩዎ ብፌስቡክ ገሊጹ።
ክሳብ ሽዑ ግን ኣብ ኢድ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ (ህወሓት) ነይሩ።
ይኹን'ምበር፡ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኮነ ከባቢ ኣክሱም ኣብቲ ዝተጠቕሰ ዕለት መዕለቢ ኣይረኸበን ነይሩ።
ብሓሙስ (19 ሕዳር 2020 ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) መራሒ ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ከተማ ኣክሱም ኣብ ትሕቲ ቑጽጽርና እያ ዘለ ኢሉ። እዚ ኮላይ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝሓውስ ድዩ ዝብል ግን ግልጺ ኣይኮነን።
"ኣክሱም ኣብ ኢድና ኣላ፤ ግን ከኣ ንኣክሱም ንክቆጻጸሩ ዝተልኣኹ ሰራዊት ኣለው። ውግእ ሕጂ'ውን ይቕጽል ኣሎ" ኢሉ ነይሩ ዶክተር ደብረጽዮን።
ብዓርቢ 20 ሕዳር ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንከተማ ኣክሱም ተቖጻጺረ ክብል እንከሎ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ነቲ ትሕተ ቕርጺ ከም ዘዕነውዎ ገሊጹ።
ብሰንበት 22 ሕዳር ከኣ፡ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብቲ ነፈርቲ ዝጎያሉ ጽርጊያ ኣእማን መሊኡ ዘርኢ ምስሊ ዘርጊሐን። "ንቑጠባን ህዝብን ኣክሱም ብዙሕ ንዘበርከተ መዓርፎ ነፈርቲ [ህወሓት] ኣዕኒዩዎ" ኢለን ጸብጺበን።
ናይዚ ሓቕነት ንምርግጋጽ፡ ቅድሚ እቲ መጥቃዕትን ድሕሪኡን ዘሎ ኩነታት ዝሕብር ምስሊ ሳተላይት ካብ ፕላኔት ላብስ ወሲድና።
ብሓሙስ 19 ሕዳር 2020፡ እቲ መጉየዪ ነፈርቲ ዝበጽሖ ጉድኣት ኮነ ዝተደርበየሉ ዶንጎላ ኣይነበረን።
ብሰኑይ 23 ሕዳር 2020 ዝነበረ ምስሊ ግን፡ ነፈርቲ ንከይዓርፋ ዝግድብ ደንጎላታት ኣብቲ መጉየዪ ነፈርቲ ተደርቢዩን ተኳዒቱን ምንባሩ ዘመክት እዩ።
ካልኦት ምጽራያት'ውን ተመሳሳሊ ውጽኢት እዮም ዘርእዩ።
መንግስቲ ትግራይ ኣብቲ መገዲ ኣየር እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ ዝብል ርኢይቶ ገና ኣይሃበሉን።
ዶክተር ደብረጽዮን ግን ህወሓት እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዕኒዩዎ ዝብል ክሲ ክነጽጎ እንከሎ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንቕድሚት ንከይግስግስ መሐንኮሊ ተቐሚጡ ምንባሩ ግን ኣረጋጊጹ።
ስኑዓት ምስሊታት
ኣብ ትግራይ ዝኾነ ዓይነት ኣገልግሎት ኢንተርነትን ቴሌፎንን ተቛሪጹ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ትኽክለኛ ምስሊ ምርካብ ኣጸጋሚ እዩ።
ኣብዚ ግዜ፡ መራኸብቲ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝብሓትኦ ወይ'ውን ብማሕበራዊ ሚዲያ ዝዝርግሑ ዝንቡዓት ምስሊታት እዮም ዘለው።
ሰራዊት ኢትዮጵያ መዓርፎ ነፈርቲ ኣክሱም ተቖጻጺሮም ዝብል ሓበሬታ ብወገን መንግስቲ ምስ ተዋህበ ዝተዘርግሐ ስእሊ ምስቲ ጎንጺ ዝካየደሉ ዘሎ ኩነታት ዘይሳነ ዝጸንሐ ግን ድማ ናይ ሓደ ወተሃደር ሰራዊት ኢትዮጵያ ዘለዎ ዝጸንሐ ምስሊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣክሱም እዩ ተጠቂዑ።
ብተመሳሳሊ፡ ህወሓት ነቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኣዕኒዩዎ ዝብል ሓበሬታ ብመራኸብቲ ሓፋሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስተነገረ፡ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ እቲ መገዲ ኣየር ሙሉእ ንሙሉእ ከም ዝዓነወ ዘርኢ ምስሊ ጠቂዖም።
እቲ ምስሊ፡ ብ2014 ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሊቢያ ናይ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እዩ።
ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተዓጽወ ኢንተርነት ክኸፍቶ ጸዊዑ ኣሎ።
መዓርፎ ነፈርቲ ኣክሱም ስለምንታይ ኣገዳሲ ኮይኑ?
ኢትዮጵያ ሰፋሕ ሃገር እያ። መዓርፎ ነፈርቲ ድማ፡ ካብቲ ዝህቡዎ ልሙድ ኣገልግሎት ብተወሳኺ ንወተሃደራዊ ጉዳያት ኣገደስቲ እዮም።
ኣክሱም ድማ ታሪኻዊት ከተማ ስለ ዝኾነት ኣገዳሲት እያ።
ዳይሬክተር ዓለምለኻዊ ርክባት ቤት ትምህርቲ ባልሲሌ ፕሮፌሰር ኣን ፊትዝ-ገርላድ፡ "መዓርፎ ነፈርቲ ባህርዳርን ጎንደርን ስለ ዝዓነው እዚ መገዲ ኣየር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፤ ወተሃደራት ንምንቅስቓስን ናይ ርክብ መስመራት ክፉት ንምግባርን ድማ ናይ መዓርፎ ነፈርቲ ድሕነት ኣገዳሲ እዩ" ኢላ።
"ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ነዚ ክቆጻጸሩዎ እንተዘይክኢሎም፡ እቲ መማረጺ ናብኡ ዘእቱ መገዲ ምትእጉጓል እዩ" ኢላ።