ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ክዝትየሉ ምዃኑ ተፈሊጡ

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ሎሚ ሰሉስ ዕለት 24 ሕዳር ክዝትየሉ ምዃኑ ተገሊጹ።

እቲ ዝካየድ ኣኼባ፡ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፌደራል፡ ኣብ ልዕሊ ከተማ መቐለ ብታንክታት መጥቃዕቲ ክፍኑ ምዃኑ ድሕሪ ምጥንቃቑ'ዩ ተጸዊዑ ዘሎ።

እቲ መጠንቀቕታ ብዝተፈላለዩ ጉጅለታት ሰባዊ መሰላትን፡ ሕቡራት ሃገራትን ይንቀፍ ምህላዉ ይፍለጥ።

ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን፡ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ዜጋታት ሓደጋ ከይበጽሕ ኣጠንቂቖም።

ኣብቲ ሰልሳይ ሰሙኑ ዘቑጸረ ኲናት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ክልል ትግራይን ንሓድሕዱ ዝጻበባእ መግለጽታት እናሃቡ ይርከቡ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ገለ ከተማታት እታ ክልል ተቖጻጺሩ ናብታ ርእሰ ከተማ ትግራይ ዝኾነት፡ ከተማ መቐለ ይጽጋዕን ይኸብንን ምህለዉ ዝገለጸ እንትኸውን፡ ሓይልታት መንግስቲ ክልል ትግራይ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰራዊት ከቢድ ጉድኣት የብጽሑ ከመዘለዉ ይሕብሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ንመራሕቲ ህወሓት ኢዶም ንክህቡ፡ ጽባሕ ረቡዕ ዝውዳእ ናይ 72 ሰዓታት ናይ ግዘ ገደብ ምቕማጡ ዝዝከር እዩ።

እንተኾነ፡ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ዶከተር ደብረጽዮን ገብረ ሚካኤል ነቲ ጻውዒት 'ባዶ ተስፋ' ክብል ብምንጻግ ክሳብ መወድታ ከምዝከላኸሉ ገሊጹ። ንሱ፡ ንሮይተርስ ኣብ አዝሃቦ ቃል፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብቲ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዝነበሮ ሓንቲ ስድሪ ኣይወሰኸን ኢሉ።

ሰራዊት መንግስቲ ፌደራል፡ ንከተማታት ሽረ፡ ኣክሱም፡ ዓድዋ፡ ዓዲ ግራት፡ ኣላማጣን ካልኦት ንኣሽቱ ከተማታትን ዓድታትን ተቖጻጸሩ ምህላዉ ይፍለጥ።

ውድብ ሕቡራትን ኣምነስቲን እንታይ እዮም ኢሎም?

ኣተሓባባሪ ሚድያ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ግንባር ራያ፡ ብዛዕባ ኣብ መቐለ ክካየድ ዝተሓሰበ ብታንክታትን ከቢድ ብረትን ዝተሰነየ ኲናት፤ ኣመልኪቱ እንትዛረብ፡ ነበርቲ እታ ከተማ ነቶም ተደለይቲ ኣሕሊፎም ክህቡ ወይ ከኣ ንርእሶም ከድሕኑ-ኢሉ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ብቡዙሓት እናተነቐፈ ይርከብ።

ተሓላቒ መሰላት 'ሁዩማንራይተስ ዎች' ትማሊ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ተሪር መግለጺ ዘውጸአ ኾይኑ፡ ሎሚ ድማ፤ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን፡ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ክበጽሕ ዝኽእል ጉድኣት ስግኣቶም ገሊጾም ኣለዉ።

ብፍላይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፡መንግስቲ ኣብ ከተማ መቐለ ንዝነብር ልዕሊ ፍርቂ ሚልየን ህዝቢ፡ ክግደስን ክጥንቀቕን ጸዊዑ'ሎ።

ኣምነስቲ ብወገኑ፡ ክልቲኦም ወገናት ንንጹሃን ዜጋተት ቀዳምነት ክህቡ ተማሕጺኑ።

ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ዳይሬክተር ሓላፊ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ዴፕሮስ ሙቼና፤ "ብክልቲኦም ወገናት ዘለዉ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ዓለምለኻዊ ድንጋገታት ሰብኣዊነት ከኽብሩ፤ ኣብ ልዕሊ ሰላመዊያን ሰባትን መሰረተ ልምዓትን ጉድኣት ከይበጽሕ ጥንቃቐ ክግበር ድማ እሓትት" ኢሉ።

ኣብቲ ክልል ሰብኣዊ ረድኤት ዝበጽሓሉ ኩነታት ክፍጠርን፤ ከም ስልክን ኢንተርኔትን ዝኣመሰሉ መራኸቢታት ክኸፈቱ ድማ ጠሊቡ።

ዋላ'ኳ ብዝኾነ ናጻ ኣካል ክረጋገጽ እንተዘይካኣለ፡ ዛጊድ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት።

እቲ ግጭት ኣብታ ክልል ከቢድ ምፍንቓል ሰላማውያን ሰባት ኣስዒቡ ከምዘሎ ትካላት ረዲኤት ይሕብራ'ለዋ። ድሮ ልዕሊ 30 ሽሕ ካብ ትግራይ ዝተፈናቐሉ ስደተኛታት ዶብ ሰጊሮም ናብ ሱዳን ኣትዮም ኣለዉ።

ኣስታት 100, 000 ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ማዕስከራት ዝጸንሑ ኤርትራው'ያን ስደተኛታት'ውን ኣብ ሓደጋ ከምዝርከቡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ኣመዓባብላ እቲ ኲናት

መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።

ብለበዳ ኮቪድ-19 ብዝተናውሐ መረጻ እውን ተሰሓሒቦም።

ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ ምርጫ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ምርጫ ኣካይዱ።

ዶ/ር ኣቢዪ እቲ ምርጫ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ።

ብድሕር'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ኣፍልጦ ተኸላሊኦም ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም። ብ03 ሕዳር ከኣ ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ምስ ዝነበረ ናይ ሰሜን እዝ ጎንጺ ተኸሲቱ።

ዶክተር ኣብዪ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝተወስደ ስጉምቲ ብምኹናን፡ ሕጊ ንምኽባር ብዝብል ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ምስ ኣዘዘ እቲ ኲናት ሳልሳይ ሰሙኑ ሒዙ ኣሎ።

እቲ ወታሃደራዊ ስጉምቲ "ሕጊ ንምኽባር ዝካየድ ስሪሒት" ከም ዝኾነ ብምምጓት ድማ፡ ምስቲ ሰብመዚ ክልል ትግራይ ክዘራረብ ቅሩብ ከምዘይኮነ ገሊጹ'ሎ።