እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓይልታት ትግራይ "ነፋሪት ውግእ ወቒዖም ከምዘውደቑ" ኣፍሊጦም
መንግስቲ ትግራይ ሓይልታቱ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ነፋሪት ውግእ ፌደራላዊ መንግስቲ ወቒዖም ከምዘውደቑ ገሊጾም።
ጸብጻብ ቴሌቪዥን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ከምዘመልከቶ፡ እታ ነፋሪት ውግእ ትማሊ ቀትሪ ተወቒዓ ዝወደቐት ኮይና ኣብራሪኣ'ውን ብህይወት ኣብ ቀይዲ ውዒሉ'ዩ።
"ህዝቢ ትግራይ ንምድብዳብ ብፋሽሽታውያን ሓይልታት ኣብዪ ኣሕመድን (ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያን ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን) ዝተልኣኸት ሚግ ነፋሪት ውግእ ብሓይልታት ትግራይ ተወቒዓ ኣብ ከባቢ ዓብዪ ዓዲ ወዲቓ" ኢሉ፡ ቴሌቪዥን ትግራይ።
ቢቢሲ ኒውስደይ ዘዘራረቦ ሚንስተር ዲሞክራታይዜሽን ኢትዮጵያ ኣይተ ዛዲግ ኣብርሃ ግን ነቲ ነፋሪት ተወቒዓ ምውዳቓ ዝገልጽ ሓበሬታ ሓሶት ክብል ነጺግዎ።
እንተኾነ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ተቛሪጹ ዘሎ ኣገልግሎት ሜላታት መራኸቢ (ስልክን ኢንተርኔትን) ብዛዕባ እቲ ኲናት እኹል ሓበሬታ ምርካብ ኣይተኽኣለን።
ማዕኸናት ዜና'ውን ብወገን ክልቲኦም ኣብቲ ውግእ ዘለዉ ሓይልታት ንዝወሃቡ መግለጽታት መሰረት ዝገበሩ ጸብጻባት ኣብ ምስራሕ ይርከቡ።
መንግስቲ ፌደራል ብ28 ሕዳር ኣብ ዝውጽኦ መግለጺ፡ ብድሕሪ'ቲ ንሰሙናት ዝቐጸለ ውግእ ርእሰ ከተማ ትግራይ ዝኾነት መቐለ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣትያ'ያ።
ብሰንኪ እቲ ዝቐጸለ ኲናት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ከምዝሞቱን፡ ብውሕዱ 43 ሽሕ ናብ ሱዳን ከምዝተሰደቱን ይእመን።