እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መዕለቢ ዘይረኸበ መጥቃዕቲ ዞባ መተከልን ስግኣት ነበርትን
ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝዘለቐ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ምኽንያት ሞት ብዙሓት ሰባት ከም ዝኾነ ክግለጽ ጸኒሑ።
እቲ ዝተፈጥረ ጸገም ንምዕጋት፡ ሰራዊት ምልኻልን ፖሊስ ፌደራልን ዝሓዘ ሓይሊ ዕማም ንኣዋርሕ ኣብቲ ከባቢ ክዕስክር ተገይሩ ጸኒሑ።
እንተኾነ ሕጂ’ውን እቲ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ይቕጽል እዩ ኣሎ።
ቅድሚ ሓደ ወርሒ፡ ኣብ ልዕሊ ካብ ወረዳ ቡለን ናብ ቻግኒ ትጉዓዝ ዝነበረት ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 50 ሰባት ምሟቶም ይዝከር።
ካብዚ መጥቃዕቲ ብህይወት ካብ ዝተረፉ ነባሪ ወረዳ ቡለን ዝኾነ መንእሰይ ቖሲሉ ከም ዝተረፈ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እቲ መንእሰይ፡ ቶኹሲ ክኽፈት እንከሎ ቖሲሉ ምስ ወደቐ ካልኦት ዝተወቕዑ ሰባት ኣብ ርእሲኡ ብምውዳቖም ካብቲ መጥቃዕቲ ተሪፉ ናብ ጫካ ብምእታው ከም ዝሃደመ ይዛረብ።
እታ ናብ ቻግኒ ትጉዓዝ ዝነበረት ኣውቶቡስ ኣብ ናይ ዕዳጋ መዓልቲ ስለ ዝነበረ ብዙሓት ሰባት ጽዒና ከም ዝነበረት ዝዛረብ እቲ መንእሰይ፡ ቂዶ ኣብ ዝብሃል ከባቢ ምስ በጽሑ ኣብ ጫካ ተሓቢኦም ብዝነበሩ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ገሊጹ።
“ተኹሲ ምስከፈቱ እቲ መራሒ መኪና ነታ መኪና ጠጠው ኣቢሉዋ። መጺኦም ከኣ ንኹሎም ተጉዓዝቲ ቀቲሎምዎም። ኣነ ኣብ ልዕለይ ኣስክሬን ወዲቑኒ ስለ ዝነበረ ቖሲለ ብህይወት ክተርፍ ክኢለ” እዩ ዝብል።
እዞም ካራ፣ ክላሽንኮቭን ቀስትን ሒዞም ነይሮም ዝበሎም ካብ 20 ክሳብ 30 ዝኾኑ ዕጡቓት ካብቲ ከባቢ ወጺኦም ስለ ዝኸዱ፡ “ብዙሕ ጉድኣት ዘይበጽሐና ሰባት ዝገበርና ገይርና ክንሃድም ክኢልና” ኢሉ።
ሰብ መዚ እቲ ክልል ብተደጋጋሚ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ኣካላት “ዓመጽቲ፣ ልኡኻት ህወሓትን ኦነግ ሸኔን” ዝብል ቕጽል ሽም’ዮም ዝህቡዎም።
ይኹን’ምበር፡ ክሳብ ሕጂ ነዞም ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን።
ኣብ ዞባ መተከል ወረዳ ቡለን ተወሊዱ ዝዓበየ ኣበበ ዝተባህለ (ንድሕነቱ ብዝብል ሽሙ ዝተቐየረ) ነባሪ ካብ ካልእ ከባቢ መጺኡ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፍጽም “ዓማጺ ዝብሃል ጉጅለ የለን” ይብል።
ወሲኹ “ምሳና ዝነብሩ ፖሊስ፣ ዕጡቓትን ሰራሕተኛታት ዋርድያን’ዮም ነዚ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ” ዝብል ኣቶ ኣበበ ኣብ ቀረባ ኣንዝባ ጉና ኣብ ዝብሃል ጣብያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብኣብነት የልዕል።
“ኣብቲ እዋን መጥቃዕቲ ኣብጺሖም ካብ ሞንጎ ዝተትሓዙ እቲ ሓደ ምኽትል ኣመሓዳሪ እታ ወረዳ ኮይኑ’ዩ ተረኺቡ። ንሱ ሓሙሽተ ሰባት ከም ዝቐተለ ኣሚኑ’ዩ” ብምባል ኣመራርሓ እቲ ከባቢ ተሳተፍቲ እቲ ግጭት ከም ዝኾኑ የረድእ።
ዝሓለፈ ሰሙን፡ ጸጥታ እቲ ከባቢ ንምውሓስ ዝተጣየሰ ግበረ ሓይሊ ናይ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ስርሑ ክግምግም እንከሎ፡ ምኽንያት ሞትን ምምዝባልን ዞባ መተከል ዝኾኑ 284 ዕጡቓት ተደምሲሶም’ዮም ኢሉ።
ብተወሳኺ ብተደጋጋሚ ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝተፈጸሙ መጥቃዕታት ብዝተሓሓዝ ተሳቲፎ ነይሩዎም ዝተባህሉ 66 ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ መሪሕነት ዝነበሩ ሓለፍቲ’ውን ስጉምቲ ከም ዝወሰደ ገሊጹ።
ዓማጺ ጉጅለ ዝብሃል የለን ዝብል ኣቶ ኣበበ ግን “እቲ ግብረ ሓይሊ ንርእሱ ኣካል እቲ ጸገም’ዩ” ይብል።
ነዚ ከም መረዳእታ ገይሩ ዘቕርቦ ጉብላክ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኮይኑ፡ እቲ መራሒ መኪና ኣብቲ መገዲ ሸፋቱ ከም ዘለውን ውሑስ እንተዘይኮይኑ ኣይኸይድን ኢሉ ፍቓደኛ’ኳ እንተዘይነበረ ኣባላት እቲ ግብረ ሓይሊ ክንዕጅበኩም ኢና ኢሎም ውሱን መገዲ ሓቢሮምዎም ከም ዝተጉዓዙ ይዛረብ።
“እንተኾነ ብፓትሮል ኣፋንዮምዎ ካብ ዝኾነ ቦታ ተመሊሶም። ንሶም ምስ ተመለሱ 300 ሜትር ሕልፍ ኢሉ ግን እቲ መኪና ብሸፋቱ ጠጠው ኢሉ ኣብ ልዕሊ ተጉዓዝቲ ስጉምቲ ተወሲዱ” ይብል።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ናብ ቻግኒ ይጉዓዝ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ መኪና ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ እቲ መራሒ መኪና ኣይኸይድን ኢሉ’ኳ እንተነበረ “ንስኻ ጸገም ትፈጥር ኣለኻ ተባሂሉ ፖሊስ እቲ ወረዳ ኣገዲዱዎ’ዩ ከይዱ” ብምባል የረድእ።
ኣብ ውሽጢ ኣመራርሓ እቲ ከባቢ ዘለውን ካልኦት ሰባትን ኣብ ሞንጎ እቲ ነባሪ ጥርጣረን ስግኣትን ዝፈጥሩ ሓበሬታታት ኣብ ዝዝርግሑሉ እዋን መጥቃዕቲ ከም ዝፍጸም ዝገልጽ ኣቶ ኣበበ፡ ቢቢሲ ነቶም ዝቐርቡ ክሲታት ምላሽ ንምርካብ ንሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ክልል ቤንሻንጉል ሓቲቱ ነይሩ።
እቲ ሓላፊ ኣብ ዝሃቦ ቃል ድማ፡ “ዝኾነ ኣመራርሓ ኣብ ውሽጢ እዚ ቅልውላው ኢድ ኣለዎ ኢሎም ሕቶ ዘልዕሉ ነበርቲ ሓበሬታ ምስሃቡና ስጉምቲ ክንወስድ ኢና። ሕጂ’ውን ንወስድ ኢና ዘለና” ብምባል ምስዚ ብዝተሓሓዝ ኣብ ኣመራርሓን ጸጥታን ሓላፍነቶም ብኣግባቡ ዘይፈጸሙ ሰባት ስጉምቲ ተወሲዱዎም ተሓተትቲ ክኾኑ ከም ዝተገብረ ገሊጹ።
ብኣንጻሩ፡ ጸገማት ክፍጠር እንከሎ እቲ ሓይልቲ ዕማም ሓላፍነቱ ብኣግባቡ ኣይፈጸመን ብዝብል 67 ኣባላት ፖሊስ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ከም ዝሓዘ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ከባቢ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ሰባት ጉድኣት ከብጽሕ እንከሎ፡ ምኽንያት ምምዝባል ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት’ውን ኮይኑ’ዩ።
ኣብ ዞባ መተከል ልዕሊ 22 ሽሕ ነበርቲ ካብ ቤት ንብረቶም ከም ዝተዘናበሉ እቲ ሓይሊ ዕማም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘውጽኦ መግለጺ የረድእ።
ሓላፊ ኮምዩኒኬሽን እቲ ክልል ኣቶ መለስ በየነ፡ ብዙሓት ሰባት ከም ዝተዘናሉ ብምግላጽ “እዚኦም ብመገዲ ሚኒስቴር ሰላምን ምክልኻል ሓደጋ እቲ ክልልን ሰብኣዊ ሓገዝ ክረኽቡ ይግበር ኣሎ” ኢሉ።
ብተወሳኺ ንርእሰ ምምዕዳር ኣቶ ጌታሁን ኣብዲሳ “ምስቲ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ርክብ ኣለዎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ኣካላት ጸጥታን ካልኦት ውልቀሰባትን ፖለቲካዊ ስጉምቲ ይውሰድ ኣሎ” ከም ዝበለ ተገሊጹ ነይሩ።
ተወለድቲ ኣምሓራ ዒላማ እቲ መጥቃዕቲ ኮይኖም’ዮም ዝብል መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ብወገኑ፡ መንግስቲ ፌደራል ኮነ መንግስቲ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ነዞም መጥቃዕታት ጠጠው ንምባል ድሕነት ዜጋታት ንምሕላውን ክሰርሑ ሓቲቱ።
ኣብ ቀረባ ብዝተፈጸሙ መጥቃዕታት መንግስታት ክልቲአን ክልላት ኣብ ዘውጽኡዎም መግለጺታት ናብ ወጥሪ ኣትዮም ምንባሮም ይዝከር።
ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ምስ ክልል ኣምሓራ ዝዋሰንን ተወለድቲ ዝተፈላለዩ ብሄረሰባት ዝነብሩሉን’ዩ።
ብቐንዱ ተወለድቲ ጉሙዝ፣ ሽናሻ፣ ኣምሓራ፣ ኣገው፣ ኦሮሞን በርታን ይርከቡ።