እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዝርግሐ ኤችኣይቪ ኤይድስ ኣብ ኢትዮጵያ እንታይ ይመስል?
ክልል ጋምቤላን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ኢትዮጵያ፡ ዝለዓለ ዝርግሐ ኤችኣይቪ ኤይድስ ዘለወን ከባቢታት ከም ዝኾና ተገሊጹ።
ቤት ጽሕፈት ምክልኻልን ምቁጽጻርን ኤችኣይቪ ኤይድስ ኢትዮጵያ ከምዝብሎ፡ ክልላት ሶማል፣ ደቡብ፣ ኦሮሚያን ቤንሻንጉል ጉሙዝ ድማ ብንጽጽር ዝተሓተ ዝርግሐ እዩ ዘለወን።
ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ቤት ጽሕፈት ኣተ ዳንኤል በትረ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 669 ሽሕ ሰባት ቫይረስ ኤችኣይቪ ኣብ ደሞም ዘሎ ኮይኑ፡ ብደረጃ ሃገር ዘሎ ዝርግሐ ድማ 0.93 ሚኢታዊት እዩ ኢሉ።
ኣብ ከተማታት ልዑል ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ክህሉ እንከሎ፡ መጠን ኣብ ከተማ ዘሎ ዝርግሐ 3 ሚኢታዊት፣ ኣብ ገጠር ድማ 0.4 ሚኢታዊት እዩ።
ኣቶ ዳንኤል፡ “ኣብ ፋይቶነት ኣብ ዝተዋፈራ፣ ኣብ መራሕቲ መኪና ነዊሕ ርሕቐትን ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተንቀሳቐሱ ኣብ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታትን ልዑል ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ኣሎ” ኢሉ።
ኣብታ ሃገር ዝርኣይ ዝርግሐ ቫይረስ ኤችኣይቪ፡ በብዓመቱ ናይ ምንካይ ዝንባለ እንተሃለዎ’ውን፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ግን ዝተፈላለየ መጠን ዝርግሐ ከም ዘለዎ ሓበሬታ እቲ ቤት ጽሕፈት የርእይ።
ኣብ'ዚ ሕጂ እውን ዝለዓለ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ካብ ዘለወን ከተማታት ሓንቲ ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ኮይና፡ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝመጽኡ ሰባት እተተኣናግድ ከተማ ምዃና እዩ ዝብል ምኽንያት እዩ ዝወሃብ።
እታ ከተማ፡ ማእከል ዓብዪ ናይ ንግዲ ምልውዋጥ ምዃና’ውን ካልእ ምኽንያት እዩ ይብል ኣቶ ዳንኤል።
“ኣብ ጋምቤላ ግን ባህሊ’ዩ ዓብዪ ጸቕጢ ዝፈጥር ዘሎ። ዝተፈላለዩ ጎዳእቲ ልምድታት ኣለው” ኢሉ።
ይኹን’ምበር፡ ብደረጃ ሃገር ዝርኣይ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ምንካይ ኣርእዩ’ዩ ዝብል እቲ ዳይሬክተር፡ ብ1991 ዝነበረ መጠን ዝርግሐ እቲ ቫይረስ 1.97 ሚኢታዊት፣ ብ1997 3.16 ሚኢታዊት፣ ብ 2010 1.38 ሚኢታዊት፣ ሕጂ ድማ 0.93 ሚኢታዊት በጺሑ ኣሎ።