ዓለምለኻዊ መዓልቲ ኤይድስ፡ "ደመይን ተባዕታዊ ዘርአይን ዝተመረዙ ኮይኑ ይስምዓኒ ነይሩ"

ወዲ 38 ዓመት ክሪስቶፈር ክለተርማየር ኣብ ደሙ ኤችኣይቪ ከም ዘሎ "ብኣጋጣሚ" እዩ ፈሊጡ።

ብ2014 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፈ ክፈልጥ ክኢሉ።

ንሱ ግን፡ "ውጽኢት ምርመራይ እቲ ቫይረስ ኣብ ደመይ ከም ዘሎ ዝገልጽ ክኸውን ኣይተጸበኽዎም ነይረ"።

ክሪስቶፈር፡ ኣውስትራሊያዊ'ዩ። ንሱ ነታ መዓልቲ ልክዕ ከም ትማሊ እዩ ዝዝክራ።

ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብ ኣወስትራልያ ዘይኮነስ ኣብታ ብፎቶ ጋዜጠኝነት ንምስራሕ ዝተዋፈረላ ህንዲ'ዩ ነይሩ።

ናብ 'ኣሽራም' ወይ ናይ ሂንዱ ገዳም ናይ ምብጻሕ መደብ ድማ ነይርዎ።

ናብ ህንዲ ንምእታው ኣብ ዘቕረቦ ሕቶ ሓደ ረቛሒ ከማልእ ይሕተት። ንሱ ከኣ ምርመራ ኤች ኣይ ቪ ንክገብር'ዩ።

"ሽዑ ብርግጸኝነት ተሰማሚዐ። ከም ሓደ ጻዕዳን ምስ ተቓራኒ ጾታ ጥራይ ርክብ ዝነበሮ ሰብን ውጽኢተይ ነጻ ከም ዝኸውን ተጸቢየ" ክብል ተዘክርኡ ንቢቢሲ የካፍል።

"ግን ከኣ ከምኡ ኣይኮነን"

ቅድሚ ዝተወሰኑ ኣዋርሕ ኣብ ኣወስትራሊያ ክሪስቶፈር ብጣዕሚ ሓሚሙ ነይሩ።

እንተኾነ እቲ ሕማሙ ምስ ኤች ኣይ ቪ ክተሓሓዝ ከም ዝኽእል ዝገመተ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን።

"ናብዚ ኩነታት ከጠርጥር ዝኽእል ነገር ብዘይምንባሩ ዶኳትር'ውን ኣይመርመሩንን። ነቲ ውጽኢት ዝረኸብክዎ ኣብ ህንዲ ብኣጋጣሚ ብዝገበርክዎ ምርመራ እዩ፤ ብጣዕሚ ድማ ሰንቢደ" ይብል።

ኣኸትል ኣቢሉ "ብርግጽ ዕድለኛ እየ ነይረ። ምኽንያቱ ዋላ ሓደ ምርመራ ከይገበርኩ ንዓመታት ምቐጸልኩ ነይረ" ክብል ነቲ ምርመራ ዝገበረሉ ኣጋጣሚ ከም ጽቡቕ ዕድል ይገልጾ።

ብድሆታት

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እዚ ለበዳ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤች ኣይ ቪ እናተመዝገበ ዝመጽአ ዝተባባዕ ውጽኢታት ከየተኣጓጉሎ ስክፍትኡ ገሊጹ እዩ።

እዚ ዝኾነሉ መገዲ ድማ ነቶም መድሓኒት ጸረ ቫይረስ ዘድልዮም ሰባት እቲ መድሓኒት ኣብ እዋኑ ከይበጽሖም ብምትዕንቓፉ'ዩ ይብል።

ኣብ 2019 ጥራይ ምስ ኤይድስ ብዝተሓሓዝ 690 ሽሕ ሞት ኣጋጢሙ እዩ።

ተወሰኽቲ ካብ 120 ክሳብ 130 ሽሕ ድማ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ እቲ ናብ ተጠቀምቲ ክበጽሕ ዝነበሮ ጸረቫይረስ መድሓኒት ብዘይምቕራቡ ከም ዝኾነ ዩኤስ ኤይድስ [UNAIDS] የመልክት።

ክሳብ ሰነ 2020 ኣብ ዝነበረ እዋን ዝተመዝገበ መረዳእታ ከም ዘመልክቶ፡ ካብቶም ኣብ ዓለም ምስቲ ቫይረስ ዝነብሩ ኣስታት 38 ሚልዮን ሰባት እቶም 12 ሚልዮን ነቲ ጸረቫይረስ መድሓኒት ክረኽቡ ዘይክኣሉ እዮም።

"ይኹን'ምበር ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 40 ዓመታት ዝነኣድ ምዕባለ ተመዝጊቡ እዩ። ነዚ ድማ ክንዕቅቦ ይግባእ እንተዘይኮይኑ ነቶም ዝረኸብናዮም ውጽኢታት'ውን ክንስእኖም ኢና" ክትብል ዳይሬክተር ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኤይድስ (ኣይ ኤ ኤስ) ዶክተር ብራይት ፖኒያቶውስኪ ንቢቢሲ ተዛሪባ'ላ።

እቲ ቫይረስ ኣብ ዝይምዕቡላት ሃገራት ብስፍሓት ዝረኣይ'ኳ እንተኾነ ንገለ ክፋል ሕብረተሰብ ብዝያዳ ዘጥቅዕ ጌርካ ምሕሳብ ግን "ዝተጋገየ እምነት" እዩ ትብል።

"ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 40 ዓመታት ካብ ኤች ኣይ ቪ ዝተገንዘብናዮ ነገር እንተሃለወ እቲ ሕማም ሰብ ካብ ሰብ ዘይፈሊ ምዃኑ እዩ። ኣብ ኩለን ሃገራት ምስቲ ቫይረስ ዝነብሩ ሰባት ኣለዉ። ዕድመ፣ ዓሌት፣ ዘርኢ፣ ጾታ፣ ሞያ፣ ሃይማኖት ኣይፈልን" ብምባል ድማ ተረድእ።

እቲ ቫይረስ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ካብ ዝመሓላለፈሎም መገዲታት እቲ ብቐዳምነት ዝስራዕ ፍኑው ዝኾነ ጾታዊ ርክብ ኣብ ዝካየደሉ እዋን'ዩ።

"ስለምንታይ ኣነ?"

ክርስቶፈር ኣብዚ ዓለም ብኻልእ ከቢድ ለበዳ [ኮሮናቫይረስ] ትናወጸሉ ዘላ ማዕበል ኮይኑ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ህይወቱ ንዘጋጠሞ ብምኽንያት ዓለማዊ መዓልቲ ኤይድስ የዘንቱ።

"ኣብቲ ፈለማ ብጣዕሚ እፈርሕን ንምዃኑ ኤች ኣይቪ እንታይ ዝብል ብዙሕ ሕቶታት የልዕልን ነይረ።

ንምንታይ ኣነ? ዝብል ሕቶ'ውን ኣልዒለ።

ብድሕሪኡ ነቲ ኣብ 80ታትን 90ታትን ብዛዕባ እቲ ቫይረስ ዝበሃል ዝነበረ ኣብ ውሽጠይ ዝነበረ ኩሉ ነገራት ናብዚ መበል 21 ክፍለ ዘመን ኣምጺኤዮ" ይብል።

ኣብቲ ፈለማ ብዛዕባ ኩነታቱ ከይፍለጥ ከምኡ'ውን ሰባት ብዝተፈለየ መገዲ ከይርእይዎን ስክፍታታት ስለ ዝነበሮ፤ ናይ ብርዒ ስም እናተጠቐመ ብዛዕባ ኤች ኣይቪ ክዛረብን ቃለመሕትት ክህብን መሪጹ ነይሩ።

ኣብ ከይዲ ጊዜ ግን ውሽጡ ክረጋጋእ ጀሚሩ።

ንነብሱ ከረጋግእ ምስ ጀመረን ንዝነበሩ ብድሆታት እናሰዓረ ምስ ከደን ክቕየር ከም ዝኸኣለ ድማ ይዝክር።

"ንነብሰይ ሓደ ነገር ኣብ ዝብለሉ ነጥቢ በጺሐ። 'እዚ ፍጻመ ናይ ዓለም ኣይኮነን' ኢለዮ" ይብል።

"ዝተመረዝኩ ይመስለኒ ነይሩ"

ንኤች ኣይ ቪ ዝፍውስ ፍቱን መድሓኒት'ኳ እንተዘይሃለወ፤ ንመጠን እቲ ቫይረስ ዝገትእ ጸረ ቫይረስ መድሓኒት ብምህላዉ ግን ብዙሓት ነዊሕ ዕድመን ጥዕና ዝተመልኦ ህይወትን ይነብሩ ኣለዉ።

ብርግጽ እቶም ነቲ ቫይረስ ኣብ ዘይረኣየሉ ደረጃ ዘብጽሕዎ ተጠቀምቲ መድሓኒት ዋላ ብጾታዊ ርክብ ናብ ካልእ ሰብ ከመሓላልፍዎ ከም ዘይክእሉ ዶክተር ፖኒያቶስኪ ትዛረብ።

"ነቲ ጸረ ቫይረስ ዝወስዱ እንተኾይኖምን እቲ መድሓኒት ብጽቡቕ ይሰርሕ እንተሃልዩን ነቲ ረኽሲ ናብ ካልእ ሰብ ክተመሓላልፉ ኣይትኽእልን" ትብል።

ክሪስቶፈር'ውን ነቲ መድሓኒት ክወስድ ክወስድ ካብ ዝጀመረሉ እዋን ኣብ ጥዕንኡ ርኡይ ዝኾነ ለውጥታት ክርእይ ጀሚሩ'ዩ።

ስነ ልቦናዊ ኩነታቱ ናብ ጥዑይ ደረጃ ንምምላስ ግን ነዊሕ ጊዜ'ዩ ወሲዱሉ።

"ኤች ኣይ ቪ ንኹሉ ርእሰ ምትእምማንካ ስለ ዘዕንዎ ፍቕራዊ ርክብ ምሕሳብ ዳርጋ ዘይከኣል እዩ" ይብል።

"ንዝተወሰኑ እዋናት ኣብ ውሽጠይ ሓደ ፍልይ ዝበለ ነገር ዘሎ ኮይኑ ይስምዓኒ ነይሩ። ዝተመረዝኩ፤ ደመይን ተባዕታዊ ዘርአይን ዝተበከለ ይመስለኒ ነይሩ። እዚ ከኣ ንኻልኦት ሰባት ሓደጋ ከም ዝኾነ እሓሰብ ነይረ" ክብል ነቲ ዘሕለፎ ይዝክር።

ብድሕሪኡ ከኣ ንኻልኦት ኣስተምህሮ ንምሃብ ኣብ ውሳነ በጺሑ።

ንሱ ከምዝብሎ፡ እቲ ዘሕለፎ እዋን ብዛዕባ ህይወቱ ንኽገልጽን ብዛዕባ ነገራት ብዕምቆት ክግንዘብን ጽቡቕ ተሞክሮ ረኺቡሉ እዩ።

"ሎሚ እየ ጽቡቕ ዝነብር ዘለኹ። ቅድሚ እቲ ቫይረስ ካብ ዝነበረ ዝሓሸ ህይወት ሎሚ ይነብር ኣለኹ" ድማ ይብል።

ምስ ኤች ኣይ ቪ ምንባር እንታይ ከም ዝመስል መጽሓፍ ብምጽሓፍ ተሞክሮ ህይወቱ ንኸሕልፍ'ውን ምልዕዓል ፈጢሩሉ'ሎ።