እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ፡ ብውግእ ዝመኸነ ሕልሚ ንስደት ዝተቓልዐት ጋዜጠኛ
ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ዝተወልዐ ጎንጺ፡ ዝተፈላለየ መልክዕ ሒዙ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣቚጹሩ ኣሎ።
በዚ ምኽንያት እዛ ጋዜጠኛ ትርከቦም ልዕሊ 50 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህጻናት፣ መናእሰይን ኣረጋውያንን ተሰዲቶም ኣብ ሱዳን ዕቑባ ሓቲቶም ኣለው።
ኩሎም፡ ዝኽሪ ካብቲ ጎንጺ ዝሃደሙሉ ኣጋጣሚታት ኣለዎም።
እዛ ጋዜጠኛ ድማ፡ ዛንታ ጉዕዞኣን እቲ ዘጋጠመ ኩነታትን ብኣንደበታ ንቢቢሲ ትግርኛ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣዘንቲያቶ ኣላ።
ሽመይ ስምረት* እበሃል፤ ጋዜጠኛ እየ። ኣብ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሑመራ'የ ተወሊደ ዓብየ።
ክሳብ እቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሪፖርተር ሬድዮ ድምጺ ወያነ ትግራይ ኮይነ ንክልተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ክሰርሕ ጸኒሐ።
ስድራይ፡ ከምቲ ካልእ ክፋል ሕብረተሰብ ዝነብሮ ናብራ ስለዝነብሩ፡ ካብቲ ካልእ ዝተፈለየ ኣተዓባብያ ኣይብለይን።
'ሑመራ ናይ በረኻ ገነት'
ሑመራ፡ ንህዝቢ ትግራይ ሓዊሱ፡ ካብ ኣምሓራን ኦሮሞን ዝመጽኡ ከምኡ'ውን ዜጋታት ሱዳንን ናይጄርያን ብሓባር ብሰላምን ፍቕርን ዝነብሩላ እያ።
ክሳብ እዛ ቀረባ ወርሒ ኩላትና ፍሉይ ፍቕርን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ነይሩና።
ሑመራ፡ ናይ በረኻ ገነት ኢልና ኢና ንጽውዓ። ብርክት ዝበለ ሃብትን ናይ ሕርሻ መሬትን ኣለዋ።
በዚ ምኽንያት፡ እዋን ክረምቲ ክኸውን እንከሎ ካብ ኣምሓራን ካልኦት ከባቢታትን እታ ሃገር ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ናብ ሑመራ ይመጽኡ።
ስለዚ ኩል ግዜ ምንቅስቓስ ዘይፍለያ ከተማ እያ።
ብ18 ጥቅምቲ 2020፡ ዓመታዊ ናይ ስራሕ ዕረፍቲ ወሲደ ካብ መቐለ ናብ ሑመራ ክኸይድ እንከለኹ፡ ክሳብ 19 ሕዳር 2020 ምስ ስድራይን መሓዙተይን ጽቡቕ ናይ ዕረፍቲ እዋን ከሕልፍ እየ ዝብል ባህጊ ብምስናቕ'ዩ።
ካብዚ ብዝብገስ፡ ስድራይ ብምርካበይ ተሓጒሰ ንሓደ ሰሙን ዝኸውን ጽቡቕ ናይ ዕረፍቲ ግዜ የሕልፍ ነይረ።
ይኹን'ምበር፡ ኣብ ሞንጎ መንግስታት ፌደራልን መንግስቲ ትግራይን ዝነበረ ወጥሪ እናኸበደ ይመጽእ ስለ ዝነበረ፡ ዝኾነ ሕማቕ ነገር ከይመጽእ ክንሰግእ ጀሚርና።
ሓደ መዓልቲ፡ ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ [ዝነበረ] ደብረጽዮን ገብረሚካኤል (ዶ/ር) ዝሃቦ መግለጺ በተን ክልላዊ ጣብያታት ቴሌቪዥን ይቃላሕ ነይሩ።
ይዝክር፤ 'ኩሉ ነገር ተወዲኡ'ዩ፤ ህዝቢ ትግራይ ድማ ኩለ መዳያዊ ምድላው ግበር' ይብል 'ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኲናት ተኣዊጁ'ዩ' ብምባል።
ደብረጽዮን ኩል ግዜ መግለጺ ክህብ እንከሎ፡ 'ተዳለው' ይብል'ዩ። ናይታ ሽዓ መዓልቲ ግን ፍልይ ዝበለትን ከባድን ነይራ።
በዚ ምኽንያት፡ ኣብ መቐለ ናብ ዘለው መሓዙተይ ቴሌፎን ብምድዋል ብዛዕባ እቲ ዝሃቦ መግለጺ ነውግዕ።
'ሕጅስ ኩሉ ነገር የስግእ'ዩ። እንታይ'ዩ ክፍጠር?' ንብል።
ነዊሕ ኣይወሰደን። ብዝገርም ኩነታት 3 ሕዳር 2020 ድምጺ ተኩሲ ክስማዕ ጀሚሩ።
መግለጺ ዶክተር ደብረጽዮን ክርብሸንን ከሻቕለንን ስለ ዘምሰየ፡ ብዝግባእ ኣይደቀስኩን። ሰዓት ሸሞንተ ናይ ለይቲ ድማ ተሲአ።
ቴሌፎን ኣልዕል እንተበልኩዎ፡ መቐለ ካብ ዘለው መሓዙተይ ዝተላእኸ ናይ ጽሑፍ መልእኽታት ብብዝሒ እረክብ።
ግራ ኣትዩኒ ክምልሰሎም እንተበልኩ፡ ኩሉ ነገር ተዓጽዩ፤ ኔትዎርክ ዝበሃል ጠፊኡ ይረኽቦ።
ኢንተርነትን ኣገልግሎት ስልክን ተበቲኹ። ሽዓ ለይቲ ንዓብዪ ሓወይ እንታይ'ዩ ዝፍጠር ዘሎ? ኢለ ይሓቶ።
"ኣይትጨነቒ። ወተሃደራዊ ልምምድ'ዩ ዝኸውን፤ ስቕ ኢልኪ ደቅሲ" ይብለኒ።
ይኹን'ምበር፡ ምስ ወግሐ ዝሰማዕናዮ ወረ ናይዚ ተጻራሪ'ዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ሓይልታት ጸጥታ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓስከር ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ፈጺሞም'ዮም ብምባል ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ክውሰድ'ዩ ኣዚዙ።
እቲ ጎንጺ ምስ ተጀመረ ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ ኣብ ሑመራ ሆስፒታል ካሕሳይ ኣበራ ክትትል ሕክምና ይግበረሉ ንዝነበረ ቤተሰብ ክሓትት ናብቲ ሆስፒታል ይኸይድ።
"በላ ሕጂ ህደማ"
ሃንደበት ብኣንፈት ኤርትራ ከበድቲ ብረት ክትኮስ ጀሚሩ። ኩሉ ሰብ ተሰናቢዱ እግረይ ኣውጽእኒ ናብ ገጠራት ክጎይዪ ጀሚሩ።
ገዛ ወለደይ ካብ ከተማ ሑመራ ቁሩብ ርሕቕ ኢሉ ናብ ኤርትራ ዝቐረበ ስለ ዝኾነ፡ ኣነ'ውን እቲ ደብዳባት ምስ በርትዐ ናብ ኣደይ ክጎይዪ ጀሚረ።
ነዚ ዝርኣዩ ሰባት 'ናበይ ናብቲ ዝትኮሰሉ ዘሎ ትሃድሚ፤ ናብዚ ንዒ እምበር" እናበሉ ክምልሱኒ እኳ እንተፈተኑ፡ ኣነ ግን ምስ ኣደይ ክኸውን ስለ ዝደለኹ ዓይኒ ዕሙተይ ይጎዪ።
ከም ዘይብጻሕ የለን ገዛ ኣትየ፤ ሽዑ ምስ ኣንስቲ ዓበይቲ ኣሕዋተይን ደቀንን መግቢ ክንበልዕ እንጀራ ኣቐሪባትልና።
ድሕሪኡ፡ "በላ ሕጂ ህደማ" ኢሎምና።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ ናብ ቐረባና ናብ ዝነበረ ቤተክርስቲያን ብምኻድ ተዓቚብና። እንተኾነ ተኹሲ ከበድቲ ብረት ይቕጽል ነበረ።
ክትኩሱ ከለው፡ ንመዓስከር ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ዘጥቅዑ ዘለው መሲሉዎም ክኸውን ይኽእል'ዩ፤ እንተኾነ ነታ ከተማ'ዩ ዝወቕዓ ነይሩ።
ነታ መዓልቲ ኣብቲ ቤተ ክርስቲያን ኮይንና ክሳብ ሰዓት 10፡00 ናይ ኣጋምሸት እናጸለና ኣሕሊፍናያ።
ዓብዪ ሓወይ ድማ ኣብ በረኻ ጥሪትን ሕርሻ መሬትን ክሕሉ ውዒሉ ደቁን ሰበይቱን ክርኢ ናብቲ ቤተ ክርስቲያን ይመጽእ።
"ተስኣ፤ ናብ ሱዳን ኪዳ" በለና። ስድራይ ድሓን ኩኑ'ውን ከይበልኩዎም ብሞተር ናብ መዋሰኒት ከተማ ዲማ ኣብጺሑና፤ ኣብኡ ከኣ ሓዲርና።
ሑመራ፣ ኤርትራን ሱዳንን ብዙሕ ዝተፈላለያ ከባቢታት ኣይኮናን። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ሑመራ ብከበድቲ ብረት ክትድብደብ ከላ ይስምዓና ነይሩ።
ወለደይ፡ ንኤርትራ ቐረባ ኣብ ዝኾነ ከባቢ ስለ ዝነብሩ እቲ ደብዳባት ድሕነቶም ከጨንቐኒ ጀሚሩ።
ብተወሳኺ፡ ዝተፈላለዩ ካምፕታት ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ብድሕሪ እቲ መንበሪ ገዛና ስለ ዝነበሩ፡ ሃለዋት ስድራይ እናጨነቐኒ ኣማራጺ ስለ ዘይነበረኒ ኹሉ ገዲፈ ናብ ሱዳን ተሰዲደ።
መጀመርታ ሱዳን ሓምዳይት ዝኣተናሉ መዓልቲ ዝነበረ ብዝሒ ስደተኛታትን ሕጽረት ቐረባትን ብቐሊሉ ዝግለጽ ኣይኮነን።
ከተማ ሓምዳይት ካብ ሑመራ ዝረሓቐት ስለ ዘይኮነት፡ ምስቲ ህዝቢ ዳርጋ ብዶብ ዝተፈላለና ኣሕዋት ኢና።
ሕጂ'ውን ኣብ ሓምዳይት'የ ዘለኹ። ሓልሓሊፉ ሓገዝ ንዘድልዮም ጋዜጠኛታትን ካልኦት ሰባትን ይሕግዝ።
መብዛሕትኦም ኣብዚ ቦታ ዘለው ሰባት በቲ ዝርኣዩዎ ኩነታት ዝተሰናበዱን ጉድኣት ዝበጽሖምን'ዮም።
ኲናት ሕማቕ'ዩ። ኲናት ኢትዮ- ኤርትራ ክጅመር እንከሎ ቖልዓ ሓሙሽተ ዓመት ነይረ፤ ኩሉ ግን ብዝግባእ ይዝክሮ'የ።
ወለደይ ህይወቶም ሙሉእ ኲናት ዝርኣዩ'ዮም፤ ደርጊ፣ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ - ሕጂ ኸኣ ካልእ ኲናት።
እንተኾነ ካብ መሬት ዓዶም ወጺኦም ኣይፈልጡን። ኩል ግዜ፡ ኣብ መሬት ዓድና ኢና ንመውት'ዮም ዝብሉ።
ሕጂ፡ ብምኽንያት እቲ ግጭት ሑመራ ናብ ካልእ ተቐይራ'ላ። መብዛሕትኡ ህዝባ ተመዛቢሉ፣ መንበሪ ኣባይቲ ዓንዮም፣ ንብረት'ውን ተዘሚቱ'ዩ።
ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ተዓጽዩ ዝጸንሐ መስመር ቴሌፎን ምስ ተመለሰ፡ ደዊለ ድሃይ ስድራይ ሓቲተ'የ።
ድሓን ከም ዝኾኑ ነጊሮምኒ። ኩላትና ብዛዕባ ኲናትን ሳዕቤኑን ዘለና ዝኽሪ ሕማቕ'ዩ። ኣብ ትግራይ ዘየንኳሕኩሖ ገዛ የለን።
ኲናት ጽቡቕ ኣይኮነን።
'ፓስፖርት'ውን የብለይን'
ንርእሰይ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ክረኽቦ ፈጺመ ገሚተ ኣይፈልጥን። ብምኽንያት እዚ ኲናት ብዙሓት መሓዙተይ፣ መቕርባተይን ህዝበይን እናሞቱ ርእየ'የ።
ካብ ዳንሻ ዝመጽኡ መሓዙት ኣለውኒ። ኣብ ጉዕዝኦም ብዙሕ ቕትለትን ግፍዕን ርእዮም ዝመጹ'ዮም።
እዚ ኹሉ ሓሊፉ ዝርስዖ'ውን ኣይመስለንን።
ንዓመታት፡ ኣብ ሶርያ ዘሎ ኲናት ክንደየናይ ህዝቢ ከም ዝሃሰየ እናሰማዕኹ'የ መጺአ።
እዚ ኲናት ግን ኣብ ዓለም ዋላ ንሓደ ሰብ'ውን ዘይምነዮ'ዩ። ብጣዕሚ'የ ዝሓዝን።
እዞም ኣብዚ ጊዝያዊ መጽንሒ ቦታ ዘለው ተመዛበልቲ፡ ናብ መረበቶም ዝምለስሉ መዓልቲ'ዮም ተስፋ ዝገብሩ።
ከም ሓንቲ ተስፋ ዘለዋ ጋዜጠኛ፡ መቕድሒ ድምጽን መዘክርን ካብ ኢደይ ኣይፈልን ነይረ። ስእሊ ምስኣል'ውን ስለ ዝፈቱ ካብ ኢደይ ቴሌፎን ኣይፈልን።
ግን ድማ፡ መጀመርታ ንነብስና ከነድሕን ናብቲ ቤተ ክርስቲያን ክንከይድ እንከለና፡ ናብ ገዛይ ክምለስ ይኸውን'የ ዝብል ግምት ስለ ዝነበረኒ ኣብ ገዛይ ገዲፈዮ'የ ወጺአ።
ድሕሪ 10 መዓልቲ'ዩ ሓወይ ናብዚ መዓስከር ኣምጺኡ ቴሌፎን ሂቡኒ።
እቲ ኹሉ ኣብቶም ናይ መጀመርታ መዓልታት ዝርእዮ ዝነበርኩ ፍጻሜታት ብቴሌፎነይ ዘይምሓዘይ የሕዝነኒ፤ ግን ድማ ኩሉ ኣብ ዝኽርታተይ ኣሎ'ዩ።
ደብረጽዮን ደጋጊሙ፡ 'ኹለመዳያዊ ምድላው ግበሩ' ክብል እንከሎ ኣይተርድኣንን ነይሩ። ክንድዚ ዝኣክል ነገር ክመጽእ'ዩ ዝብል ግምት'ውን ኣይነበረንን። ካልእ ተሪፉ ኣብ ባንኪ ዝነበረኒ ገንዘብ'ውን ኣየውጻእኹን።
ኣብ መቐለ እንከለኹ፡ ንጉሆ ሰዓት 11፡00 (ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ተላዒለ ንሓደ ሰዓት ዝኸውን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንምግባር ይጎዪ።
ንሽዱሽተ ናይ ስራሕ መዓልታት ሰሪሐ ድማ ኩል ሻብ ሰንበት ምስ መሓዙተይ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ይሓኩር።
እዚ ጎንጺ ቅድሚ ምምጽኡ ህይወት መቐረት ነይሩዋ።
ሕጂ፡ እቲ ዘለኹዎ ቦታ ብዝግባእ ስለ ዘይፈልጦን ሓመድ ዝበዝሖ ስለ ዝኾነን፡ ዝኾነ ዓይነት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክገብር ኣይኽእልን።
መዓልታዊ ኾፍ ኢለ እየ ግዜይ ዘሕልፎ ዘለኹ፤ እዚ ድማ ጭንቀት ይፈጥረለይ።
ካብ ትግራይ ክወጽእ'የ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን። ንዕኡ'ውን'ዩ ፓስፖርት ዘይብለይ።
ሕጂ ናብ ዓደይ ተመሊሰ ንህዝበይ ክሕግዞ'የ ዝደሊ። ናብ ስርሐይ፣ ናብቲ ዝፈትዎ ሞያ ጋዜጠኝነት ክምለስ'የ ዝመርጽ።
እዚ ጎንጺ ከይተላዕለ እንከሎ፡ ብዙሕ ሕልሚ ነይሩኒ፤ ናይ ካልኣይ ዲግሪ ትምህርቲ ክጅምር፣ ገዛ ክሰርሕ ይብል ነይረ።
ሕጂ'ውን ጌና መንእሰይ'የ፤ ኣብ ቅድመይ ብሩህ ግዜ ከም ዝጽበየኒ'የ ዝኣምን። እዚ ዘለናዮ ሓሊፉ ጽባሕ ጸሓይ ክትበርቀልና የተስፉ።
እዚ ኹሉ ዘጋጥመና ዘሎ፡ ንዝሓሸ ጽባሕ ዘሳግረና መደላድል ክኸውን ይምነ።