እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሕቡራት ሃገራት ብጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ''ኣዝዩ ተሻቒሉ'' ከምዘሎ ገሊጹ
ላዕለዋይ ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንዲ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትግራይ ይቕተሉን ይጭወዩን ከምኡ'ውን ብሓይሊ ናብ ኤርትራ ይውሰዱ ኣለው ብዝብል ጸብጻብ ''ኣዝዩ ተሻቒሉ'' ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።
እዚ ተግባራት እንተተረጋጊጹ፡ ዓብዪ ግህሰት ዓለምለኻዊ ሕጊ ክኸውን እዩ ክብል ኣጠንቂቑ።
ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብተን ኣርባዕተ ኣብ ትግራይ ዝርከባ መዓስከራት ስደተኛታት ዓንቃፊ ዘይብሉ ፍቓድ ክወሃቦ ሓቲቱ'ሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቶም ካብ መዓስከራት ስደተኛታት ትግራይ ሃዲሞም ናብ ካልእ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝተንቐሳቐሱ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ናብቲ ዝነበርዎ መዓስከራት ይመልሶም ምህላው ድሕሪ ምግላጹ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ስጉምቲ ብምንቃፍ "ብፍጹም ተቐባልነት የብሉን" ክብል ገሊጹዎ'ሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቲ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ስለ ዘብቀዐን ነቶም ስደተኛታት ብቐጥታ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ብዘይምዃኑን፡ ነቶም ስደተኛታት ብውሑስ መገዲ ነናብ መዓስከሮም ከም ዝመልሶም ሓቢሩ።
ኣፈኛ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዳና ሁጅስ፡ ''እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ 'ኣብ ትግራይ፡ ንዘሰንብድ ሓደጋ ተቓሊዕና ነይርና' ይብሉ ብምህላዎም፡ ካብቲ ክልል ወጻኢ እውን እንተኾነ ውሕስነትን ሓገዝን ክግበረሎም ዕድል ክወሃቦም ኣለዎ" ክብል ተዛሪቡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ 04 ሓምለ 2020 ጀሚሩ ኣንጻር ሓልታት ህወሓት ኣብ ጎንጺ ኣትዩ ይርከብ።
መንግስቲ ንፌደራል ኹሉ ከባቢታት ትግራይ ተቖጻጺረ ይብል።
እንተኾነ፡ ሓለፍቲ ህወሓት ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ይዋግኡ ከም ዘለው ይገልጹ።
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኣርባዕተ መዓስከራት ትግራይ ኣብ ዓዲ ሓርሽ፣ ማይ ዓይኒ፣ ሕጻጽን ሽመልባን ልዕሊ 96,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝነበሩ ይሕብር።
እቶም ስደተኛታት፡ ካብ ግዱድ ዕስክርናን ፖለቲካዊ ጭኮናን ሃዲሞም ከም ዝወጽኡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይሕብሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብዙሓት ''ጌጋ ሓበሬታ'' ዘለዎም ስደተኛታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሪሽን ተበጊሶም ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኣተው ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ።
ኣብዚ እዋን'ዚ፡ እቲ መዓስከራት ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምህላው፡ ነቶም ስደተኛታት ብውሑስ መገዲ ነናብ መዓስከሮም ክመልሶም ምዃኑ ሓቢሩ።
ዘድሊ ቀረብ መግቢ'ውን ናብቲ መዓስከር ስደተኛታት የብጽሕ ምህላው ኣፍሊጡ።
ትማሊ ማዕከን ዜና ሮይተርስ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከቡ ስደተኛታት ''ርቡጽ ስልኪ'' ከምዝተቐበለ ገሊጹ።
እቶም ስደተኛታት፡ ብኣውቶቡሳት ናብ ክልል ትግራይ ከም ዝምለሱ ከም ዝተነግሮምን፡ እንተኾነ ናብ ኤርትራ ከይውሰዱ ፍርሒ ከም ዘለዎም ሓቢሮም።
ሓንቲ ሰበይቲ፡ ሰራዊት ኤርትራ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ይሕግዝ ኣሎ ዝብሉ ብዙሓት ተጋሩ ምሳና ተቖጢዖም ኣለው ክትብል ንሮይተረስ ተዛሪባ።
መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኤርትራ ሰራዊታ ኣብ ትግራይ ኣእቲያ ክብል ይኸሳ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ግን ነዚ ክሲ ይነጽግዎ።
ላዕለዋይ ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፊሊፕ ግራንዲ፡ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ዝኸውን ምስቶም ኣብ መዓስከራት ዘለው ስደተኛታት ርክብ ከም ዘይብሎም ገሊጹ።
ግራንዲ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝወሰዶ ሓለፍነትን ዓለምለኻዊ ሕግን ክኽበር'ውን ተማሕጺኑ።
'ሰብኣዊ ቅልውላው ትግራይ'
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሱዳን ክሳብ ዕለት 6 ታሕሳስ ኣስታት 50,000 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ከምዝመዝገበን፡ ነቶም ስደተኛታት ንምሕጋዝ ምስቲ ናይቲ ከባቢ ኣመሓደርትን መሻርኽትን ኮይኑ ይሰርሕ ምህላው ገሊጹ።
መዓልታዊ ኣስታት 500 ስደተኛታት ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ይኣትዉ ከምዘለውን እቶም ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዝኣትው ዘለው ስደተኛታት ከኣ ካብ ማእከል ትግራይ ይመጽኡ ምህላዎም እቲ ትካል ሓቢሩ።
እቶም ስደተኛታት፡ ኣብ መገዲ "ኣዝዩ ዜስቅቕ'' ኩነታት የጋጥሞም ምህላው'ውን ኣፈኛ ትካል ስደተኛታት ኣመልኪቱ።
እቶም ስደተኛታት ናብ ሱዳን ንኽኣትው ''ክልተ ሰሙን'' ከምዝወስደሎምን፡ ዝበዝሑ ደኺሞም ከምዝመጹን ይሕብር።
ብዙሓት ካልኦት ኣብ ጫካታት ተሓቢኦም ከምዘለው'ውን እቲ ትካል ጠቒሱ።
ኣብ ትግራይ መራኸቢታት ኢንተርኔትን ስልክን ስለዝተቛረጸ፡ ነቲ ዝቐርቡ ዘሎ ክስታት ንምርግጋጽ ተጸጊሙ ከምዘሎ ትካል ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
ኣመዓባብላ እቲ ኩናት
መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።
ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ምርጫ ምስተናውሐ ድማ፡ ዝያዳ ተሰሓሒቦም።
ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ ምርጫ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ናይ ርእሱ ምርጫ ኣካይዱ።
ኣቢዪ ኣሕመድ፡ እቲ ምርጫ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ፡ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ።
ብድሕሪ'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ነንሓድሕዶም "ዘይሕጋዊ" እናተበሃሃሉ ክካሰሱ ጸኒሖም፡ ርክባቶም ድማ በቲኾም።
ብ 03 ሕዳር ከኣ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ'ታ ክልል ዓስኪሩ ምስ ዝጸንሐ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ (እዚ ሰሜን) ከምዝተጓነጹ ተገሊጹ።
ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ተፈጺሙ ዝበሎ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ 'ሕጊ ንምኽባር' ብዝብል ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ። ኣብ ልዕሊ ትግራይ ድማ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጁ።
ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ'ውን፡ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዘቕውም ብምግላጽ፡ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሸይሙ።
መራሕቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነዚ ውሳነ "ክፍጸም ዘይክእል ሕልሚ ቀትሪ" ክብሉ ነጺጎምዎ።
ነቲ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት "ወራር መንግስቲ ፌደራል" እናበሉ ዝገልጽዎ መራሕቲ ትግራይ፡ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ምስ ፍሉይ ሓይልን ምልሻታትን ክልል ኣምሓራን ይዋግኡ ኣለዉ።