እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፖሊስ ፌደራል፡ ሌተናል ጄነራል ጻድቃን ዝርከቦም ልዕሊ 40 መኮንናት ንክእሰሩ ኣዚዙ
ፖሊስ ፌደራል ኣብ ትግራይ፡ ንሰራዊት ምክልኻልን ኣባላት ፖሊስን ዓፊኖም ብምባል "ብኽሕደት ሃገር" ንዝጠርጠሮም ልዕሊ ኣርብዓ፡ ኣብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ሓይልታት ምክልኻልን ፖሊስን ዘገልግሉ ዝነበሩ ላዕለዎት መኮንናት ንክእሰሩ ኣዚዙ።
ካብቶም ናይ ማእሰርቲ መአዘዚ ዝወጽኦም ላዕለዎት መኮንናት ኤታማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ነበር ሜጀር ጄኔራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ከም ዝርከቡዎም ፖሊስ መንግስቲ ፌዴራል ኣፍሊጡ።
ብተወሳኺ፡ ኮሎኔል በርሀ ወልደ ሚካኤልን ኮሚሽነር ይሕደጎ ስዩምን ካልኦትን፡ ነቲ ብ04 ጥቅምቲ 2020 ኣብ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻልን ፈደራል ፖሊስን ዝተኻየደ ዓፈና ከም ዘወሃሃዱን ከምዝመርሑን ብምርመራ ከም ዝተረጋገጸ ፌደራል ፖሊስ ገሊጹ።
እቶም ካብ ሰራዊት ብጥሮታ ዝተፋነው ላዕለዎት መኮንናት ነበር፡ ኣብ ልዕሊ ሃገር መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ስለ ዝሓለኑን ስለ ዝተሳተፉን ክእሰሩ መልእኽቲ ከምዝተመሓላለፈ እቲ መግለጺ ሓቢሩ።
ፈደራል ፖሊስ ነቶም ሕጂ ንክእሰሩ ዝተወሰነሎምን ካልኦት ጥርጡራትን ንምሓዝ፡ ጉጅለ መርማሪ ገበንን ኮማንዶን፡ ተፍትሽ ንምክያድ ናብ መቐለ ከምዝተበገሱን እቲ ውጽኢት ከም ዝሕበርን ገሊጹ።
ፌደራል ፖሊስ ቅድሚ ሕጂ'ውን ን76 ጄኔራላትን ላዕለዎትን ታሕተዎት ወተሃደራዊ መኮንናትን " ምስ ህወሓት ብምትሕብባር ሃገራዊ ክሕደት ፈጺሞም" ብዝብል ጥርጠራ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ከምዘውጸአ ዝዝከር እዩ።
በይናዊ ምርጫ ክልል ትግራይ ነቲ ኣብ መንጎ መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ዘይምርድዳእን ኣጋዲዱ ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ጸኒሖም።
ብድሕሪኡ ሓይልታት ህወሓት "መንግስቲ ኣቢይ ከጥቅዓና ምድላዋት ወዲኡ ኣሎ" ብምባል ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ኣብ ዝነበረ ሰራዊት ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሕጊ ንምኽባር ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ።
ኣብ ሰለስተ ሰሙን ከኣ ሰራዊት ፌደራል ንመቐለ ተቖጻጺሩዋ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ከምዘብቀዐ'ኳ እንተገለጸ፡ ኣብ ከባብታት መቐለ፣ ሸራሮ፣ ኣክሱም፣ ዓብይ ዓዲን ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ፌደራልን ትግራይን ውግእ ይቕጽል ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ወገናት ይሕብሩ።
ድሕሪ እቲ ግጭት፡ ፖሊስ ፌደራልን ዓቃቢ ሕግን ብገበን ንዝጠርጠሩዎም መኮንናት ፖሊስን ወተሃደራትን ህወሓት ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ኣውጺኦም።
ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ዝወዓሉ ናይ ፖሊስን ጦር ሰራዊትን መኮንናት ከም ዘለዉን ከምኡ'ውን ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ነበር ወ/ሮ ኬሪያ ኢብራሂምን ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ነበር ዶክተር አዲስ ዓለም ባሌማ ይርከቡዎም።
ጉዳይ እቶም ኣባላት ፖሊስን ናይ ሰራዊትን መኮንናትን፡ ብቤት ፍርዲ ይረአ ምህላውን ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ነበር ዶክተር አዲስ ዓለም ባሌማ እውን ትማሊ ንመጀመርያ ግዜ ንቤት ፍርዲ ከም ዝቐረበን ፖሊስ ተወሳኺ ናይ መርመራ ግዜ ከም ዝሓተተን ተፈሊጡ።