እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ኢትዮጵያ-ትግራይ፡ ኣስታት 2.3 ሚልዮን ህጻናት ትግራይ ረድኤት ክበጽሖም ከምዘይከኣለ ተገሊጹ
ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ጎንጺ ንኣስታት 2.3 ሚልዮን ህጻናት ዘድልዮም ሰብኣዊ ሓገዝ ምብጻሕ ከምዘይተኽኣለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
"ድሕነት ናይቶም ዝበዝሑ ዝተሰደቱን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝተፈናቐሉን ዝርከብዎም ህጻናት ምውሓስ ቀዳምነት ክወሃቦ ግድን'ዩ" ኢሉ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ህጻናት - ዩኒሴፍ።
ናብቲ ክልል ሰብኣዊ ሓገዛት ንምብጻሕ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ስምምዕ እንተተበጽሐ'ኳ፤ ትካላት ረድኤት ግን ናብ ትግራይ ዝኣትዉሉ መገዲታት ይኽልከሉ ምህላዎም ይገልጹ።
ሓይልታት መንግስቲ ፌደራል ካብ 4 ሕዳር [ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ] ጀሚሮም ምስ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ውግእ ይርከቡ።
መንግስቲ ነቲ ክልል ከም ዝተቖጻጸረን ጎንጺ ከም ዘብቀዐን ይገልጽ።
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ግን ሓይልታቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ይዋግኡ ምህላዎም'ዩ ኣፍሊጡ።
ብኣማኢት ምናልባት'ውን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ብሰንኪ እቲ ጎንጺ ከም ዝተቐተሉ ይእመን፤ ልዕሊ 50 ሽሕ ድማ ካብ ትግራይ ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ተሰዲቶም።
ዩኒሴፍ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ከም መግቢ ዝበሉ ቀረባትን ሕጽረት መዓዛ ንምምላእ ዝሕግዙ ፍሉይ መግቢ ንህጻናትን፣ መድሓኒት፣ ማይ፣ ነዳዲን ካልኦት ኣገደስቲ ነገራትን ኣብ እዋኑ ናብቶም ህጻናት ክበጽሑ እንተዘይኪኢሎም ዝኸፍአ ኩነታት ክፍጠር እዩ" ኢሉ።
"ናብቶም ስድራቤታት ቅልጡፍ፣ ቀጻሊ፣ ዘይኩነታዊን ፍትሓውን ዝኾነ ቀረብ ናብቲ ዝርከቡሉ ቦታ ክበጽሖም ጻውዒትና ነቕርብ" ክብል ድማ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ኣብዚ ጉዳይ ግን ካብ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ህወሓት ዝተወሃበ ርእይቶ የለን።
ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ወተሃደራዊ ወፍሪ ክካየድ ካብ ዝኣዘዘሉ መእተዊ ወርሒ ጀሚሩ እቲ ጎንጺ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ምብጽሑ ይዝከር።
ንሱ ከምዝበሎ፡ እቲ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ነቲ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓስከር እዚ ሰሜን ንዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ዝተወሰደ ግብረመልሲ እዩ።
ብወገን ትግራይ ድማ፡ ፌደራል መንግስቲ ፌደራል ኣብ ልዕሊ ትግራይ ንዝኣወጆ ኲናት ንምምካት ናብ ኲናት ከምዝኣተዉ ይገልጹ።
ኣመዓባብላ እቲ ኩናት
መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።
ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ምርጫ ምስተናውሐ ድማ፡ ዝያዳ ተሰሓሒቦም።
ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ ምርጫ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ናይ ርእሱ ምርጫ ኣካይዱ።
ኣቢዪ ኣሕመድ፡ እቲ ምርጫ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ፡ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ።
ብድሕሪ'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ነንሓድሕዶም "ዘይሕጋዊ" እናተበሃሃሉ ክካሰሱ ጸኒሖም፡ ርክባቶም ድማ በቲኾም።
ብ 03 ሕዳር ከኣ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ'ታ ክልል ዓስኪሩ ምስ ዝጸንሐ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ (እዚ ሰሜን) ከምዝተጓነጹ ተገሊጹ።
ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ተፈጺሙ ዝበሎ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ 'ሕጊ ንምኽባር' ብዝብል ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ። ኣብ ልዕሊ ትግራይ ድማ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጁ።
ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ'ውን፡ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዘቕውም ብምግላጽ፡ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሸይሙ።
መራሕቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነዚ ውሳነ "ክፍጸም ዘይክእል ሕልሚ ቀትሪ" ክብሉ ነጺጎምዎ።
ነቲ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት "ወራር መንግስቲ ፌደራል" እናበሉ ዝገልጽዎ መራሕቲ ትግራይ፡ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ምስ ፍሉይ ሓይልን ምልሻታትን ክልል ኣምሓራን ይዋግኡ ኣለዉ።