ኣመሪካ: 'ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራን ብቕልጡፍ ካብ ትግራይ ክወጽኡ' ጸዊዓ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ቢሊንከን ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራን ካብ ትግራይ ክወጽኡ” ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ።

ንሱ፡ ኣብ’ቲ ጎንጺ ዝሳተፉ ዘለዉ ኩሎም ኣካላት’ውን በብወገኖም መጥቃዕቲ ደው ከምዘበሉ ክእውጁን ናብ ትግራይ ረድኤት ብዘይዕንቅፋት ክኣቱን ጸዊዑ’ሎ።

ኣመሪካ ነዚ መግለጺ ኣውጺኣ ዘላ፡ ንመሰል ሰባት ዝጣበቕ ዓለማዊ ትካል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኣብ ትግራይ ከተማ ኣክሱም ብዛዕባ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ጸብጻብ ድሕሪ ምውጽኡ እዩ።

እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ትግራይ ዝዋግኡ ዘለዉ ወተሃደራት ኤርትራ፡ ኣብ ከተማ ኣክሱም ብኣማኢት ንዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ከምዝቐተሉ ይገልጽ።

ኤርትራ ግን ነዚ ጸብጻብ ነጺጋቶ እያ።

ኣንቶኒ ብሊንከን፡ በቲ ኣብ ትግራይ “እናገደደ ዝመጽእ ዘሎ ሓፈሻዊ ኩነታት” ኣመሪካ ተሻቒላ ምህላዋ ድሕሪ ምግላጽ "ብዝተፈላለዩ ወገናት ንዝፍጸሙ ዘለዉ ቅትለታት፣ ኣስገዳዳዊ ምምዝባላት፣ ጾታዊ መጥቃዕትታትን ካልኦት ዘስካሕክሑ ሰብኣዊ ግህሰታትን ኣትሪርና ንኹነን” ኢሉ።

ኣመዓባብላ እቲ ጎንጺ

እቲ ኣብ ሞንጎ ክልል ትግራይን ፈደራልን ዝነበረ ምትፍናን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር ኵናት ምስ ኣወጀ፡ እቲ ዝነበረ ወጥሪ ናብ ቅሉዕ ኵናት ዓሪጉ።

ቅድሚ መጀመርታ ሕዳር 2020 ኣብ ዝነበረ ግዜ እቲ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዝነበረ ውድብ ህወሓትን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራልን ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ርክቦም ሓርፊፉ ነይሩ።

ህወሓት ንዝሓለፈ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት፡ ኣብቲ ብሕብረት ሰልፍታት ዝቖመ ኢህወደግ ብዓብላልነት ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስመጽአ እቲ ዝነበሮ ዓብላልነት ስኢኑ ኣብ ክልል ትግራይ እዩ ተሓጺሩ ጸኒሑ።