ቅልውላው ትግራይ፡ ባይደን ኣብ ጉዳይ ትግራይ ምስ ፕረዚደንት ኬንያታ ተዛራሪቡ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብ ጉዳይ ኣብ ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ኡህሩ ኬንያታ ከም ዝተዘራረበ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

መግለጺ ወይት ሃውስ ከም ዝብሎ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ብቴሌፎን ኣብ ዝነበሮም ዝርርብ፡ "ኣብ ትግራይ እናኸፍአ ይመጽእ ብዛዕባ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ሰብኣዊ ቅልውላውን" ተዘራሪቦም ይብል።

እቶም መራሕቲ ኣብ ትግራይ "ተወሳኺ ህይወት ከይጠፍእ ንምክኻልን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕን" ከም ዝተዛተዩ እቲ መግለጺ ወሲኹ ሓቢሩ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ዙርያ ክልትኣዊ ርክብ ኣመሪካን ኬንያን ከም ዝተዘራረቡ ዝጠቅስ እቲ መግለጺ፡ ኣመሪካ ዞባዊ ርግኣትን ሰላምን ንምርግጋጽ ምስ ኬንያ ብሓባር ክትሰርሕ ድልየት ከም ዘለዋ ባይደን ገሊጹ።

ፕረዚደንት ባይደን፡ መሪሕነት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ቁጠባዊ ዕብየት፣ ምንቅስቓስ ጸረ ግበረ-ሽበራን ክሊማዊ ለውጥን ኣመልኪቱ ኬንያ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ንኢዱ።

ብተመሳሳሊ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ካናዳ ጀስቲን ትሩዶ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ከም ዝተዘራረበ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ካናዳ ሓቢሩ።

ኣብ ዙርያ ምክልኻል ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ክልቲአን ሃገራት ዝገብርኦ ዘለዋ ጻዕርን ብምኽንያት እቲ ለበዳ ንዝተጎድኡ ክፋላት ሕብረተሰብ ክወሃብ ዝኽእል ሓገዝን ጠሚቱ ዘትዮም።

ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ኣመልኪቶም ከም ዝተዘራረቡ ተገሊጹ።

ኣብቲ ክልል ሰብኣዊ መሰላት ክኽበሩ ከም ዝተዛተዩ ክገልጽ እንከሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ትሩዶ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻዕ ዝግበር ጻዕርን ጋዜጠኛታት ናብቲ ከባቢ ክኣትው ምፍቃዱን ዝተባባዕ እዩ ኢሉ።

ብቐጻሊ ኣብ ኢትዮጰያ ኣሳታፊ ሰላምን ዴሞክራስን ክመጽእ ካናዳ ሓገዝ ከም እትገብር'ውን ሓቢሩ ይብል።