ኣብ ጀርመንን ቤልጅምን ዋጋ ቢልዮናት ዶላራት ዝትመን ሓሺሽ ተታሒዙ

ሰብ መዚ ግምሩክ ጀርመንን ቤልጂምን ናብ ሆላንድ ክኣቱ ኣብ መገዲ ዝነበረ ልዕሊ 23 ቶን ሓሺሽ ከም ዝረኸቡ ገሊጾም።

እዚ ብሰብ መዚ ግምሩክ ጀርመንን ቤልጂምን ዝተታሕዘ 23 ቶን ሓሺሽ ዋግኡ ቢልዮናት ዶላራት ዝትመን ኮይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ክንድ'ዚ ብዝሒ ሓሺሽ ኣብ ሓደ ግዜ ተታሒዙ ኣይፈልጥን።

ሰብ መዚ ግምሩክ ጀርመን 16 ቶን ሓሺሽ ኣብ ሓሙሽተ ናይ መርከብ ኮንተይነር ተጻዒኑ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ካብ ፓራጓይ ተበጊሱ ኣብ ወደብ ሃምቦርግ ምስ በጽሐ እዮም ሒዘሞ።

ብጀካ እዚ ኣብ በልጅም ወደብ ኣንትወርፕ'ውን ናብ ሆላንድ ክኣቱ ተዳልዩ ዝነበረ 7.2 ቶን ሓሺሽ ከም ዝተታሕዘ ፖሊስ ቤልጂምን ንፖሊስ ሆላንድ ኣፍሊጦም።

ምስቲ ናብ ሆላንድ ክኣቱ ኣብ መገዲ ዝነበረ'ሞ ዝተታሕዘ ሓሺሽ ብዝተሓሓዝ ወዲ 28 ዓመት መንእሰይ ኣብዚ ምስግጋር ዘይሕጋዊ ሓሺሽ ኢድ ኣለዎ ብምባል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ፖሊስ ኔዘርላንድ ብረቡዕ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ወደብ ቤልጂም ዝተታሕዘ ሓሺሽ ካብ ፓናማ ዝተበገሰ ኮይኑ ኣብ ውሽጢ ኮንተይነር ብምሩጽ ጠዋሉ ተሸፊኑ እዩ ጸኒሑ።

እቲ ናብ ጀርመን ዝኣተወ ሓሺሽ'ውን ጀርመን ካብ ፓራጓይ ትጠልቦ ኣብ ታኒካ ዝተዓሸገ ሕብሪ፡ ነቲ ሕብሪ ብምውጻእ ኣብ ውሽጡ ነቲ ሓሺሽ ኣእትዮም ኣብ ኮንተይነር ዓሺጎም ናብ ወደብ ከም ዘእተውዎ ሰብ መዚ ግምሩክ ጀርመን ኣፍሊጦም።

ሰብ መዚ ግምሩክ ጀርመን ጥርጣርታት ምስ ኣሕደሩ ንኹሉ እቲ ኮንተይነራት ብምውራድ ምስ ፈተሽዎ 1700 ታኒካታት ናይ ሕብሪ ብሓሺሽ መሊኡ ጸኒሕዎም።

ሓላፊ ግምሩክ ወደብ ሃምቦርግ ሬን ማት ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል "እዚ 16 ቶን ካብ 1.8 ቢልዮን ክሳብ 4.2 ቢልዮን ዶላር እዩ ዝግመት" ኢሉ።

ወደብ ሃምቦርግ ብግዝፉን ዝህቦ ኣገልግሎትን ኣብ ኣውሮጳ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዝስራዕ ወደብ እዩ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ'ውን 11.5 ቶን ሓሺሽ ካብ ደቡብ ኣመሪካ ኣብ ውሽጡ ሓጻውን ተዓሺጉ ናብ ወደብ ኣንትወሬብ ክኣቱ ከም ዝተተሓዘ ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣስታት 102 ቶን ሓሺሽ ናብ ኣውሮጳ ክኣቱ ከም ዝተተሓዘ ጸብረጻባት ይሕብሩ።