እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
በዓልቲ ቤት ላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊስ ሲንጋፖር ንሰራሕተኛኣ ከምዝቐተለታ ተኣሚና
ብዓልቲ ቤት ላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊስ ሲንጋፖር፡ ነታ ካብ ማያንማር ዝምጽአት ናይ ገዛ ሰራሕተኛኣ ብጥምየት ከም ዝቐጽዓታ፣ ከም ዝሃረመታን ኣብ መወዳእታ ከም ዝቐተለታን ተኣሚና።
እታ ሰራሕተኛ ኣብ 2016 ክትመውት እንከላ በቲ ዝወርዳ ዝነበረ ስቃይን ጥምየትን 24 ኪሎ ግራም ትምዘን ምንባራ ፖሊስ ሲንጋፑር ገሊጹ።
ኣኽባሪ ሕጊ ሲንጋፑር ነቲ ጋይታሪ ሙሩጋያን ዝተባህለት በዓልቲ ቤት ላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊስ ሲንጋፖር ዝተፈጸመ ቅትለት "ዘይሰብኣውን ሰይጣናዊ ስራሕን" ኢሉ ገሊጽዎ።
ኣብ ሲንጋፖር ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ናይ ገዛ ዝፍጸሙ በደላት እቲ ብብዝሒ ናብ ፖሊስ ዝበጽሕ ጥርዓናት እዩ።
ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዛዕባ እተን ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ናብ ሲንጋፖር ናይ ገዛ ስራሓት ክሰርሓ ዝመጽኣ ናይ ገዛ ሰራሕተኛታት ኣብ ልዕሊአን ዝፍጸም ተደጋጋሚ በደላት ኣዝዩ ከም ዘሻቐሎም እዮም ዝጠቅሱ።
እታ ነዚ ገበን ዝፈጸመት ጓል 40 ዓመት ጋይታሪ ሙሩጋያን 28 ዝተፈላየ ክስታት እዩ ቀሪብላ ዘሎ።
በዚ ክሳብ ሕጂ ዝኣመነትሉን ዝተረኸባ መርትዖን ኸኣ ንሕልፈት ክትፍረድ ከም እትኽእል እዩ ዝግመት።
'ከም ረሳሕ ጸርቂ እያ ትድርብያ ነይራ'
እታ ብበዓልቲ ቤት ላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊስ ዝተቐተለት ካብ ምያንማር ናብ ሲንጋፖር ዝመጽአት ግዳይ ፕያንግ ንጋይህ ዶን ትብሃል።
ምስ ጋይታሪ ሙሩጋያን ኸኣ ካብ 2015 ጀሚራ ክትሰርሕ ጀሚራ።
ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝነበረ መጋባእያ ብምክትታል ማዕከናት ዜና ሲንጋፖር ከም ዝጸብጸብኦ፡ ጋይታሪ ሙሩጋያን ንሰራሕተኛኣ ዝሕልቲ ኢኺ ከምኡ'ውን ብዙሕ ትበልዒ ኣለኺ ኢላ ካብ ጥቅምቲ 2015 ጀሚራ ክትሃርማ ከም ዝጀመረት ጠቒሰን።
እቲ ቤት ፍርዲ ኣብቲ ገዛ ዝተገጠመ ንመዓልታዊ ንጥፈታት ዝመልእ ካሜራ (ሲሲቲቪ) ተመልኪቱ ከም ዘረጋገጾ፡ ኣብቲ ቅድሚ ሞታ ዝነበረ ኣዋርሕ ኣብ መዓልቲ ብተደጋጋሚ ትሃርማ ከም ዝነበረትን ብመስታረሪ ዝረሰነ ክዳን ገይራ ተንድዳ ምንባራን ከረጋግጽ ክኢሉ።
እቲ ቤት ፍርዲ ብተወሳኺ ጋይታሪ ሙሩጋያን ንሰራሕተኛኣ ልክዕ ከም ረሳሕ ክዳን ትስንድዋ ምንባራ ኣብቲ መጋባእያ ኣብሪሁ።
እታ ሰራሕተኛ ኣብቲ ገዛ ኣብ ዝጸነሐትሉ ኣብ ውሽጢ 14 ኣዋርሕ 15 ኪሎ ግራም ከም ዝጎደለትን እዚ ኸኣ 38 ሚኢታዊት ናይቲ ኣቀዲሙ ዝነበራ ሚዛን ከም ዝኾነ ተገሊጹ።
እታ ክትቕተል እንከላ ጓል 24 ዓመት ዝነበረት ግዳይ ኣብ ሓምለ 2016 እያ ሞይታ።
በዓል ቤታ ንጋይታሪ ሙሩጋያን ከልቪን ቸልቫምን ሓማቱን'ውን ምስ ቅትለት ፕያንግ ንጋይህ ዶን ብዝተሓሓዝ ክሲ ቀሪብሎም ኣሎ።
ከልቪኦን ቸልቫም ኣብ 2016 ድሕሪ ቅትለት ፕያንግ ንጋይህ ዶን ካብ ስርሑ ከም ዝተሰጎገ ማዕከናት ዜና ሲንጋፑር ኣቃሊሐን።