እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ፡ 5 ቀንዲ ማሕልኻታት ምሕደራ ትግራይ
ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብሓይሊ ምስተኣለየ፡ ብፌዴራል መንግስቲ ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ሙሉ ነጋ እዩ ክመርሕ ጸኒሑ። ሕዚ ድማ ሚኒስትር ሳይንስን ኢኖቬሽንን ዝነበረ ዶ/ር ኣብርሃም በላይ፡ ንዕኡ ክትክኦ ተሾይሙ ኣሎ።
ንልዕሊ ሓሙሽተ ወርሒ ነቲ ክልል ዘመሓደረ ዶ/ር ሙሉ ነጋ፡ ስለምንታይ ብዶ/ር ኣብርሃም ክቕየር ከምዝተደልየ ዝተውሃበ መብርሂ የለን።
ምክትል ሓላፊ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ኣይተ ዓምዶም ገብረስላሴ ከምኡ ድማ ሓላፊ ቢሮ ኮንስትራክሽን፣ መንገድን ትራንስፖርትን ዝነበረ ኣይተ ኣሉላ ሃብተኣብ (ኢንጅነር)፡ ካብ 12 መጋቢት ጀሚሩ ካብ መዝነቶም ከምዝተኣለዩ ዝዝከር እዩ።
ቅድም ክብል'ውን፡ ከንቲባ ከተማ መቐለ ዝነበረ ኣይተ ኣታኽልቲ ሃይለስላሰ፡ ካብ ሓላፍነቱ ተላዒሉ እዩ።
ኣብዚ ጉዳይ፡ ቢቢሲ ዘዛረቦ ኣይተ ዓምዶም ገብረስላሴ፡ 'ሕቶ ህዝቢ ምምላስ 'ምበር፡ ናይ ሰባት ምቅይያር ለውጢ ኣየምጽእን' ይብል።
ንምዃኑ፡ ሕቶ ህዝቢ እንታይ እዩ? እቶም ቀንዲ ፈተናታት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር'ከ እንታይን እንታይን እዮም?
ኩነታት ሰላምን ጸጥታን
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ፡ እቲ 'ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ' ዝብሎ ወተሃደራዊ ጎንጺ ከምዝተዛዘመ እንተገለጸ'ኳ፡ ንሽድሽተ ወርሒ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርንዓት ትግራይ ውግእ ይቕጽል ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ።
ብሓደ ወገን ሰራዊት ህወሓት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ይዋጋእ ከምዘሎ ይዝረብ።
ብኻሊእ ገጽ ድማ፡ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕቲ ዝሰርሕ ፖሊስን ጸጥታን ትግራይ ስለዝተበተነ፡ ስርዓት ኣልቦነት ኣስዒቡ ከምዘሎ እዩ ዝዝረብ።
ብዚ ምኽንያት፡ ኣብ ከተማ መቐለን ኣብ ካልኦት ከተማታትን፡ ብዝተፈላለዩ ገበናት ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዝነበሩ ሰባት ካብ እሱር ወጺኦም ኣብ ከም ስርቅን ቅትለትን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ገበናት ይዋፈሩ ከምዘለዉን፡ ነቲ ሕብረተሰብ ሰላም ኣስኢኖምዎ ከምዘለዉን ብሰፊሑ ይዝረብ።
መንግስቲ ፌዴራል ምስ ዓለምለኸ ትካል ረድኤት ብምትሕብባር፡ ኣብ ትግራይ ሓገዝ ንምግባር ምንቅስቓስ ይገብር ከምዘሎ እንተተነግረ'ኳ፡ ብሰንኪ ጸገም ጸጥታ፡ ናብቲ ዝምልከቶ ረድኤት ምብጻሕ ከቢድ ከምዝኾነ ይዝረብ።
ዶብ ኣልቦ ሓካይም ብወገኑ፡ "ናብ መብዛሕትኦም ከባቢታትን ገጠር ቦታታትን እቲ ክልል ምብጻሕ ኣይተኽኣለን። ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ሕዚ'ውን ስግኣት ጸጥታ ኣሎ፤ ብዙሓት ኣብ ገጠር ዘለው ሰባት ሓገዝ ኣይረኽቡን ዘለው፤ ሕፅረት ምግቢ ከምኡ'ውን ድሩት ኣገልግሎት ጥዕና ኣሎ" ይብል።
መንግስቲ ግን፡ ጸጥታን ምርግጋዕን ትግራይ ናብ ንቡር ከምዝተመልሰ እዩ ብሚድያታት ዝገልጽ።
ዓምዶም ገብረስላሰ ግን፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዛጊድ ኣብ ትግራይ ሰላምን ጸጥታን ከረጋግጽ ከምዘይከኣለን ከምኡ ንምግባር ድማ፡ ብቐጻሊ ዓብዪ ስራሕ ከምዝተርፎን ይሕብር።
ኣዛራራቢ ጉዳይ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ
ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ'ቲ ውግእ ካብ ምስታፍ ሓሊፎም፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ቅትለታት፤ ጾታዊ ግህሰትን ዝምታን ከምዝፈፀሙ፡ ክኽሰሱ ጸኒሖም እዮም።
ንኣብነት፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ዝጸብጸቦ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ዝተፈጸመ ግፍዒ፡ ብመንግስታዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት'ውን ዝተረጋገጸ እዩ። መንግስቲ ኤርትራ ግን ''ስኑዕ ፕሮፓጋንዳ'' ክበል'ዩ ዝገልጾ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ንፈለማ እዋን ህላወኦም ዝተቐበለ ኾይኑ፡ መንግስቲ ኤርትራ ሓይልታቱ ካብ ትግራይ ከውጽእ ከምዝተሰማምዐ ገሊጹ ነይሩ።
ኣሜሪካ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ብቅልጡፍን ብጭቡጥ መገድን ክወጽእ ከምዘለዎ ብተደጋገሚ ጸዊዓ እያ።
ኩሎም ኣባላት ግዝያዊ ምሕደራ ክልል ትግራይ፡ ኣብቲ ጉዳይ ሓደ ዓይነት ቅዋም ኣይሓዙ'ምበር፡ ገለ ሰብ መዚ እቲ ክልል፡ ነዚ ጉዳይ ደጋጊሞም ከልዕሉን ከም ቀንዲ ዕንቅፋት ክሪእዎን ተስተውዒሎም።
ሓደ ካብቶም ኣብ'ዚ ጉዳይ ሕቶ ዘልዐሉ፡ ኣባል ኣመራርሓ ዓረና ትግራይ ዝኾነ ዓምዶም ገብረስላሰ፡ ብሰንኪ ኣብዚ ጉዳይን ካልእን ኣመልኪቱ ንሚድያ ብዝሃቦ መግለጺ፡ ካብ ሓላፍነቱ ከም ዝተልዓለ ዝገልጽ ኮይኑ፡ ቀንዲ ሕቶ ህዝቢ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ይውጻእ ዝብል ከምዝኾነ ኣብሪሁልና።
እዚ ድማ፡ እቲ ምምሕዳር ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ዘካየዶም ህዝባዊ መድረኻት ተደጋጊሙ ክለዓል ዝተስተውዓለ፡ እንትኸውን እቲ ውሳነ ብደረጃ እቲ ምምሕዳር ዝውዳእ ከምዘይኮነ ሰብ መዚ እቲ ክልል ይዛረቡ።
ገለ ልሒኹ ዝወጽአ መረዳእታታት፡ ካብ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ መንግስቲ'ውን፡ እዚ ጉዳይ መዕልቦ ክረክብ ከምዘለዎ ከምዝኣምኑ ይዛረቡ ነይሮም።
እዚ ዘይምግባር፡ ቅቡልነት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ሕቶ ከምዘእትዎን ዓብዪ ፈተና ከምዝኾኖን ኣይተ ዓምዶም ይዛረብ።
ሕቶ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ
ምስ ሰራዊት ፌዴራል መንግስቲ ኣብቲ ክልል ዝዘመቱ፡ ፍሉይ ሓይልታት ኣምሓራ ሰፊሕ መሬት ምዕራብ ትግራይን ገለ ደቡብ ትግራይን ተቖጻጺሮም፡ ግዝኣት ናይ ምምላስ ሕቶኦም የተግብሩ ከምዘለዉ ኣይተ ዓምዶም ይዛረብ።
ብኢደ ወነኖም፡ ኣብቲ ከባቢ፡ ናይ ክልል ኣምሓራ ምምሕዳራዊ መዋቕራት ይዝርግሑ ከምዘለዉ ድማ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ጸሓፊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ወርሒ መጋቢት፡ ኣብዚ ምዕራባዊ ዞባ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ገበናት 'ምጽናት ዓሌት' ከምዝተፈጸመ ገሊጹ ነይሩ።
ንተወለድቲ ትግራይ ካብቲ ከባቢ ብሓይሊ የመዛብልዎም ከምዘለዉ ዝገለጸ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ሓይልታት ኣምሓራ፡ ብቕልጡፍ ካብቲ ከባቢ ለቒቆም ክወጽኡ ሕቶ ኣቕሪቡ ነይሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ነዚ ናይ 'ውሽጣዊ ጉዳይ እዩ' ብዝብል ኣይተቐበሎን፡ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ 'ውን እንተኾነ፡ ነዚ ዝቃወም መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ።
ኣብ መግለጺኡ፡ "ብሓይሊ ዝተወስደ መሬት ብሓይሊና ኣምሊስና" ዝብል ምላሽ ሂብሉ።
ሓያሎ ሰብ መዚ እቲ ጊዝያዊ ምምሕዳር፡ ኣብዚ ጉዳይ ተቓውሞታት ከልዕሉ ጸኒሖም እዮም።
ኣይተ ዓምዶም፡ ኣብ'ቲ ምምሕዳር እንተሎ፡ ካብ ጉዳይ ሰራዊት ኤርትራ ማዕረ፡ ቀንዲ ሕቶ እቲ ህዝቢ ዝበሎ፡ 'እቲ ብክልል ኣምሓራ ዝተወስደ መሬት ይመለስ' ዝብል ከምዝኾነ ይዛረብ።
"መሬትና ኣውሪርኩም እንታይ ኢኹም ተመሓድሩ ዘለኹም? እዚኣ ድያ ትግራይ?" ዝብል ዓብዪ ሕቶ ካብ ህዝቢ ተደጋጊሙ ከምዝለዓል ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ምዕናው ማእኸላት ሕክምና
ኣስታት 70 ሚእታዊት ትካላት ጥዕና ክልል ትግራይ ከም ዝዓነዉን ንብረቶም ከም ዝተዘምተን ትካል ማሕበር ዶብ-ኣልቦ ሓካይም ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ጠቒሱ ምንባሩ ይዝከር።
ብምኽንያት እቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ኣዝዮም ውሑዳት ሰራሕተኛታት ጥራይ ኣብ ስራሕ ከም ዝርከቡን፡ ኣብ ገለ ማእከላት ድማ ዝኾነ ሰራሕተኛ ከም ዘየለ'ውን እቲ ማሕበር ገሊጹ ነይሩ።
መንግስቲ ኣብዝሓ ዝዓነወ ትካላትን ማእኸላትን ጽገና ከምዝተኻየደሉን ናብ ስራሕ ከምዝተመልሱን እዩ ዝገልጽ፤ እንተኾነ ሓቃውነት እቲ ጸብጻብ ብካልኦት ትካላት ዓለም ለኸ ኣይተደገፈን።
ዶብ ኣልቦ ሓካይም፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ድማ፡ ኣባላቱ ናብ ገለ ቁሸታት ኣብ ዝኸድሉ እዋን፡ ትካላት ጥዕና ፈሪሶምን ተዘሚቶምን ከምዝራኣዩን፡ ነበርቲ እቶም ከባቢታት ንኣዋርሕ ኣድላዪ ሕክምና ከምዘይረኸቡን ኣረጋጊጾም።
ስደትን ሰብኣዊ ቅልውላውን
ነቲ ኩናት ስዒቡ ብዙሓት ቤት መረበቶም ገዲፎም ፎቖድኡ ዝተበተኑ ኾይኖም፡ ካብ ወርሒ መጋቢት ኣትሒዙ ድማ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ካብ ምዕራብ ትግራይ ይመዛበሉ ምህላዎም ጸብጻባት ይሕብሩ።
ብሓፈሻ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ኣብ ከተማታት መቐለ፣ ሽረ፣ ዓዲግራት፣ ኣክሱምን ዓድዋን፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ዘይተወድኡ ህንጻታትን'ውን ይርከቡ።
ሓላፊት ኮምዩኒኬሽን ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም፡ ሶፊ ማዴን "እኹል መዕቆብን ምግብን የብሎምን፤ ብፍላይ ጽሩይ ዝስተ ማይ ኣይረኽቡን" ክትብል ንቢቢሲ ሓቢራ።።
እቲ ትካል፡ ኣብ'ዚ ሰሙን ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ድማ፡ ብፍላይ ኣብ ገጠራት ትግራይ ዝነብሩ ብዙሓት ሰባት መሰረታውያን ኣገልግሎታት ክረኽቡ ከምዘይክኣሉ ገሊጹ።
ብሰንኪ'ቲ ኩነታት፡ ከቢድ ሕጽረት መግቢ ኣጋጢሙ ከምዘሎን፡ ብፍላይ ህፃናት ካብቶም በቲ ሕጽረት ዝሳቐዩ ዘለዉ ምዃኖም'ውን ይዝረብ።
ህጻናት ኣድሕን (ሴቭ ዘ ቺልድረን) ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣስታት 5 ሽሕ ህጻናት በቲ ኲናት ካብ ስድራቤቶም ከምዝተፈላለዩ ገሊጹ።
ክራማት ኣብ ዝኣትወሉ ዘሎ እዋን፡ እኹል ሓገዛት ናብቲ 'ዘይተበጽሐ ከባቢታት' ክኣቱ እንተዘይክኢሉ፡ ህዝቢ እቲ ክልል ንሕማማትን ጥሜትን ከይቃላዕ ከቢድ ስግኣት ፈጢሩ'ሎ።
ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናተጋደደ ዝመጽእ ዘሎ እዚ ሰፊሕ ሰብኣዊ ቅልውላው፡ ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ካልእ ዓብዪ ፈተና ኮይኑዎ ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ።
ከም ፍታሕ
እቲ ሓድሽ ምምሕዳር፡ ኣብ ትግራይ መንግስታዊ ትካላት ናብ ንቡር ክምለሱን፡ እቶም ዝዓነዉ ድማ ክጽገኑ ይሰርሕ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ። ፌዴራል መንግስቲ'ውን ኣብ ዳግመ ህንጸት ትግራይ ኣትሪሩ ክሰርሕ ምዃኑን ንሰብኣዊ ቅልውላው ቅልጡፍ ምላሽ ይህብ ከምዘሎን ደጋጊሙ ይዛረብ።
ዓምዶም ገብረስላሰ'ውን ፡ ኣብቲ ክልል ሲቪል ሰርቪስ ስራሕ ምጅማሩ፡ ኣብ ገለ ውሱን ከባብታት እንተኾነ'ውን ኣገልግሎት ባንክታትን ስልክን ምኽፋቶም፡ ከም እወንታዊ ጎኒ ይሪኦም።
ኣብ ፀጥታን ኣብ ምሕላው ግዝኣታዊ ሓድነት እቲ ትግራይን ግን ሰፊሕ ሓጓፍ ከምዘሎ እዩ ዝዛረብ።
ኣብዞም ቀንዲ ማሕልኻታት ለውጢ እንተዘይመፂኡ ግን፡ ናይ ሰባት ምቅይያር፡ ትርጉም ከምዘይብሉ ተዛሪቡ።
ብፍላይ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ፡ ናብ መንበሪኦም ተመሊሶም ዝጣየሽሉ ኩነታት ከመቻቹ ከምዘለዎ ከም ፍታሕ የቐምጥ።
ኣብ መወዳእታ'ውን፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ "ኣብ በረኻ ምስ ዘለዉ ይኹን ምስ ካልኦት ናይ ሰላም ዝርርብ ጻውዒት እንተዝገብር" ይብል።