ርእይቶ፡ መዋጥር ምእዋጅ ጥሜት ካብ ኢትዮጵያ ክሳብ የመን

    • Author, ኣሌክስ ዲዋል
    • Role, ኣሌክስ ድዋል፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፍለቸር ናይ ሕግን ዲፕሎማስን ዳይረክተር ዓለማዊ ትካል ሰላም'ዩ

ካብታ ብወተሃደራዊ ግጭትን ቕልውላውን ዝተጠቕዐት ክልል ትግራይ መዓልታዊ ናይ ጥሜትን ዓጸቦን ጸብጻባት ይውሕዝ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ሰብኣዊ ጕዳያት ዝኾነ ማርክ ሎውኮክ፡ ሰብኣዊ ቅልውላው እናኸፍአ ይኸይድ ከም ዘሎን፡ ገና ብዙሓት ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ረድኤት ከምዘይበጽሖም ኣጠንቂቑ ነይሩ ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ውን፡ ሓላፊ ማሕበር ስደተኛታት ኖርወይ፡ ያን ኤግላንድ: "ኣብ ኵሉ እቲ ከም ሰራሕተኛ ረድኤት ኰይነ ዘሕለፍክዎ ዓመታት፡ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ እናድለየ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕንቅፋትን ከጋጥም ርእየ ኣይፈልጥን እየ" ኢሉ።

ሚስተር ኤግላንድ ኣስዒቡ፡ "ኩላትና ኣብ ዓውደ ረድኤት እንነጥፍ ሰባት፡ ሚዛን ናይቲ ቅልውላው ክንገልጽ ከም ዘይከኣልና ክንግንዘብ ኣሎና "ኢሉ ።

ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነዚ ዘሎ ቅልውላው "ጥሜት" ድዩ ክብሎ? ከምኡ ዝብሎ እንተ ኰይኑኸ መዓስ?

ካብ ቀደሙ ኣኻውሕ ኣብ ዝበዝሖ መሬት ትግራይ፡ ሕርሻ ንጥፈታት ምክያድ ቀሊል ኣይነበረን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከኣ ብሰንኪ ለበዳ ኣንበጣ ዝኸፍአ ኮይኑ።

ኣብ መወዳእታ ወርሓት መስከረም ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣህጉራዊ ትካል ውሕስነት መግቢ፡ ካብ ኣስታት ሸውዓተ ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ እቶም 1.6 ሚልዮን ህጹጽ ናይ መግቢ ረድኤት ከምዘድልዮም ሓቢሩ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ 04 ሕዳር ብፈደራላዊ ስርዓተ ምሕደራ ክሰሓሓቡ ዝጸንሑ ፖለቲካውያን ሓይልታት፡ ገዛኢ ሰልፊ ክልል ትግራይ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)ን ሰራዊት ማእከላይ ማእከላይ መንግስቲ ግጭት ኣጋጢሙ ።

ህወሓት፡ ኣብ 2019 ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ልፍንታዊ መንግስቲ ኢህወዴግ ብምፍራስ ሰልፊ ብልጽግና ንምምስራት ዘቕረቦ ሓሳብ ብምቅዋሙ ዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ናብ ዝዀነ ወጥሪ ኣምሪሑ።

ኣብዚ እዋን ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካልኦትን ንሰሙናት ክዛረቡሉ ዝጸንሑ ምትእትታው ወተሃደራት ኤርትራን ምቁጽጻር ሰፊሕ ክፋል ትግራይን፡ ብስቕታ ይኣምን ኣሎ።

መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ግን ኣይቅበሉዎን።

እቲ ጎንጺ ካብ ዝኽሰት ኣትሒዙ፡ ኣብ ትግራይ ዝፍጸምን ዘጋጥምን ዘሎ ነገራት ንዓለም ተሓቢኡዎ እዩ ዘሎ። እተን ሰራሕተኛታተን ክመልሳ ጀሚረን ዘለዋ ትካላት ረዲኤት ዘቐርበኦ ዘለዋ ጸብጻብ ዝርብሽ እዩ። ሰባት መግብን ገንዘብ ሲኢኖም ይሽገሩ፡ ሆስፒታላት ስለዝተጓሕጒሀዑ ከኣ ሰባት ብጥሜትን ክፍወስ ብዝኽእል ሕማማት ይሞቱን ኣለው።

ገለ ካብቶም ቴሌፎን ክድውሉ ዝኸኣሉ ተወለድቲ ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ኣዝርእቲ ዓብዩ ዕንወት ከምዝወረደን ንብረት ከምዝተዘምተን፡ ከምኡ እውን ቃል ብቓሉ፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ክረኽቡ ከምዘይከኣሉን ይነግሩ።

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝርከቡ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ምምሕዳራትን ብ 08 ጥሪ ኣብ ዝለሓዂ ሓበሬታ፡ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ብጥሜት ክሞቱ ከምዝኽእሉ ኣጠንቂቖም ነይሮም። ነቶም 99% ሓገዝ ዘድልዮም 4.5 ሚልዮን ክበጽሑዎም ከም ዘይከኣሉ ሓቢሮም። እዚ ማለት ከኣ ልዕሊ 60% ካብ ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ እዩ ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እዚ ጸብጻብ ኣዝዩ ከም እተጋነነን፡ እቶም ሓገዝ ዘድልዮም 2.5 ሚልዮን ጥራይ ምዃኖምን ነቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዝተቖጻጸሮን ይዛረብ።

ታሪኽ ምኽሓድ ጥሜት ኣብ ኢትዮጵያ

እቲ ዝዓበየ ለጋሲ ረድኤት ሕብረት ኤውሮጳ፡ በዚ "ግዝያዊ ዝስገር ብደሆ" ከይተዓንቀፈ ንህዝቢ ትግራይ ዝኸውን ህጹጽ ረድኤት ክልግስ ይሕተት።

ይኹን እምበር: መንግስታት ኢትዮጵያ ጥሜቶም ዝሓብኡሉ ታሪኽ ግን ኣሎ ።

ብ1973 ብሪጣንያዊ ጋዜጠኛ ጆናታን ዲምብልቢ፡ ነቲ ሃፀይ ሃይለስላሰ ካብ ዓለም ዝሰወሮ ዓጸቦ፡ "እቲ ሕቡእ ጥሜት" ዝብል ፊልም ብምድላው ኣብ ዓለም ኣቃሊዑዎ። በቲ ዓጸቦ እቲ ኣስታት 200,000 ሰባት ብጥሜት ሞይቶም። በቲ ሃፀይ ሃይለስላሰ ክሓብኦ ዝፈተነ ዘስካሕክሕ ጥሜት ዝተቖጥዑ ኢትዮጵያውያን ናብ ጐደናታት ብምውጻእ ተቓውሞኦም ብምግላጽ ከኣ ንዓመታኡ እቲ ንጉስ ካብ ስልጣኑ ተዓልወ።

ኣብ 1984፡ ትግራይን መዳውብታ ክፍለ ሃገር ወሎን፡ ኣብቲ እዋን ብሰንኪ ድርቅን ውግእን ዝሰዓበ ጥሜት ካብ 600,000 ክሳዕ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት ሞይቶም።

ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ስርዓት ደርግ፡ እቲ ጥሜት ክሳብ ብጋዜጤኛ ቢቢሲ ማይክል ቡረክን መሓመድ ኣሚን ዝቃላዕ ክኽሕዶ እዩ ጸኒሑ። እቲ ዜና ከኣ ንኮኸብ ፓፕ ቦብ ጌልዶፍ " በዓል ልደት ምዃኑስ ይፈልጡ'ዶ ይኾኑ?" ብዝብል ረድኤት ንኸተኣኻኽብ ደሪኽዎ - ካብ መላእ ዓለም ረድኤት ንከፍስስ ጽዒሩ።

እቲ ጥሜት ንወተሃደራዊ መንግስቲ ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማሪያም ኣብ ዓድን ኣብ ወጻእን አሕሲሩዎን ኣዋሪዱዎን። ኢትዮጵያውያን ብካልኦት ሃገራት ከም ለመንቲ ኮይኖም ክረኣዩ ይጸልእዎ ነይሮም።

ብ2001 ብህወሓት ብዓብላልነት ብዝመርሖ ልፍንታዊ መንግስቲ፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኢትዮጵያ ምስ ተቓወምቱ ኣብ ዝዋግኣሉ ዝነበረ "ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት" ከምዘድልዮ ዝተገልጸ ቦታ ካብ 20,000-25,000 ዝዀኑ ሰባት ሞይቶም እዮም ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ዓለማዊ ዊ ስርዓት ሰብኣዊ ረድኤት እናሰፍሐን ብሞያዊ ኣሰራርሓኡን እናጸፈፈን እዩ ዝኸይድ ዘሎ ። ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣመጋግባ ህጻናትን ቀረብ ምግብን ዝከታተለሉን ንዘጋጥም ጸገማት እዋናዊ መጠንቀቕታ ንምሃብ ዘኽእሎን እተራቐቐ ኣገባባት ኣለዎ።

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ለገስቲ ማሕበራት ወጻኢ ሃገራት ነቲ ኣብ መላእ ሃገር ዘጋጠመ ደርቂ ርቡሕ ልግሲ ብምሃብ ንኣስታት 10.2 ሚልዮን ሰባት ሓገዝ ኣቕሪቦም።

እቶም ብደርቅን ጥሜትን ዝተጠቕዑ ሓረስቶትት ኣብ ክንዲ ጥሪቶም ሸይጦም ዝምገቡን መንበሪ ኣባይቶም ዝለቁን፡ ኣኣብ ገዝኦም ብምጽናሕ ኣብ ዝቕጽል ኣዝመራ ክሓርሱ ዝሕግዞም ሓዲሽ ኣገባብ ምቕራብ ረድኤት ተኣታትዩ።

እንተኾነ፡ ኣብ መንጎ'ቲ ናይ 2015-2016 ናይ ህጹጽ እዋን መርሃ ግብሪን እዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታትን ክልተ ዓበይቲ ፍልልያት ኣሎ - ሓበሬታን ፖለቲካን ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ጥሜት ክመጽእ ከምዝኽእል ንምእዋጅ፡ እኹል ሓበሬታ ኣይረክብን ።

ኣስታት 15 ዓመት ይገብር ፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝርከቡ ሰብ ሞያ ሰብኣዊ ሓገዝ ፡ ውሕስነት ምግቢ ንምልካዕ ዘኽእል ስሩዕ መለክዒ ሜትሪክ ምሂዞም። ካብኡ እቲ "ዝተወሃሃደ ናይ መግቢ ውሕስነት ደረጃ ምደባ" ዝበሃል ኣገባብ መጺኡ ።

እቲ ምደባ ጥሜት፡ "ዘሰክፍ ሕጽረት ውሕስነት መግቢ" ክሳብ "ዘሻቕል ኩነታት"ን "ሓደገኛን ዝኸፍአን" እናበለ ዝቕጽል ሓሙሽተ ደረጃ መለክዒ ኣለዎ።

እቲ ዝተወሃሃደ መደብ ውሕስነት መግቢ (IPC) ንሃልኪ ምግቢ፡ ብዝሒ ብዓጸቦ ዝተጠቕዑ ህጻናትን መጠን ሞትን ብምልካዕ ግምታቱ የቐምጥን ረድኤት ንኽቕረብ ይሓትትን።

'ሓበሬታ እንተዘይሃልዩ፡ ጥሜት የሎን'

እዚ ብዛዕባ ጥሜት ዝዛረብ ወግዓዊ መግለጺ፡ ካብቲ መዓልታዊ "ብዙሓት ሰባት ንህይወቶም ብዘስግእ ጥሜት ይሳቐዩ ኣለው" ካብ ዝብል ዘረባ ንላዕሊ ልክዕ እዩ።

እንተኾነ ነቲ ጸገም ኣብ ምፍታሕ፡ እቲ ስርዓተ ዝተወሃሃደ መደብ ውሕስነት መግቢ (IPC) ካልእ መለክዒ የቐምጥ። ሕጂ፡ ኣዝዩ ንጹር ሓበሬታ ምስ ዝረክብ ው.ሕ.ሃ. ጥራሕ እዩ "ጥሜት" ኣጋጢሙ ኢሉ ከእዊ ዝኽእል ።

መንግስትታት፡ "ጥሜት" ብዝብል ኣርእስቲ ከይጥቀሳን ሸቶታትና ንወቅዕ ኣሎና ንኽብላን ነቲ ንጥሜትን ዓጸባን ዘረድእ ሓበሬታ ክኸዋውለኦ ይፍትና።

ደረጃን ምደባን ጥሜት "ህጹጽ" ን "ቅልውላው" ን፡ ተባሂሉ እውን እናተገልጸ ብውሑድ ቁጽሪ እኳ ይኹን እምበር ሰባት ይሞቱ ኣለው።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ የመን ተመሳሳሊ ጸገም ቅልውላው ሰብኣዊ ሓደጋታት ኣጋጢምዎ እዩ ። እቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት፣ ደንበ መንግስቲን ሰበ ስልጣን ሑቲን፡ ትካላት ገበርቲ ሰናይ መጽናዕትታተን ከይገብራ ናብቲ ጥሜት ዘለዎ ከባቢ ከይኣትዋ ከልኪሎም።

ከምኡ ምስ ዝኸውን ከኣ እቶም ኣባላት ኮሚተ ዝተወሃሃደ መደብ ውሕስነት መግቢ (IPC) ብዛዕባ ጕድለት ኣመጋግባ: ሞትን ዓጸቦን ህጻናትን መጠን ቀረብ መግብን እኹል ሓበሬታ ስለዘይህልዎም፡ ህጹጽ ጕዳይ እዩ ኣብ ዝብል ጥንቁቕ መደምደምታ ክበጽሑን "ጥሜት" ክእውጁን ኣይክእሉን እዮም ።

ንኣብነት፡ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ሃገሩ ንዝካየድ ምእካብ ሓበሬታ ደው ከብሎ ኣይከኣለን። እንተዀነ ግን፡ ነቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ "ጥሜት ከይኰነ ኣይተርፍን" ንዝብል ሓበሬታ ከውርዶ ኣብቲ መርመራ ጣልቃ ኣትዩ ። ኣብ ውሱን ቦታታት ክንጥሕል የብልናን ።

ኣብ ለንደን ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ጽሬት ትሮፒካዊ መድሃኒትን እተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ብዝቐጸለ ውግእ ሓድሕድ፡ ልዕሊ 380,000 ሰባት ብጥሜትን ዓመጽን ሞይቶም እዮም። ካብዚኣቶም እቶም 1% ኣብ 2017፡ ኣብ ኣፍደገ እቲ ብወግዒ "ጥሜት" ዝተኣወጀሉ ክፍለ ሃገር ዩኒቲ ሞይቶም ።

'ንትካላት ረድኤት ዘጋጥመን መዋጥር'

እቲ ካልእ ዓቢ ጸገም ፖለቲካ እዩ። ንሰባት ብጃምላ ምጥማይ ከም ወተሃደራዊ ፖሊሲ ምስዝውሰድ ንትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ከቢድ መዋጥር የጋጥመን። ነቲ ግህሰት ብምኹናን ንሓደጋ ምስጓግ'ዶ ይቃልዑ ወይስ ምንም ከይተዛረቡ ተሓባበርቲ ገበን ዓጸቦ ይኾኑ ?

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ "ሓሓሊፉ ዝረኣ" እንዘይኮይኑ ዝኾነ ጎንጺ ከምዘየለ'ዩ ዝኣምን። ይኹን እምበር ሰፊሕ ገጠራት ትግራይ ኣብ ትሐቲ ምምሕዳር ሰራዊት ህወሓት ወይ ከኣ ዓውደ ኵናት ኮይኑ ምህላው ጸብጻባት ይሕብሩ።

ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ እዚ ዕጥቃዊ ቃልሲ እዩ፤ ሓይልታት ህወሓት ከኣ ከም ጸላኢ እዮም ዝረኣዩ። ንዝጠመዩ ረድኤት ንምብጻሕ ምስ ህወሓት ተዂሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ክግበር ኣለዎ። ብምትሕብባር ሓደ ወገን ጥራሕ ክሳለጥ ኣይክእልን እዩ።

ክሳዕ ሕጂ፡ ህወሓት፡ ወሃብቲ ትካላት ረድኤት መታን ስርሐን ከሳልጣ ተዅሲ ደው ከምዘብል ኣይተዛረበን። እቲ ንፈደራል ዝዋጋእ ዘሎ ህወሓት፡ ነቲ ሓገዝ ንሰራዊቱ ክምግበሉ ይኽእል እዩ። ስለዚ ከኣ እዩ ኣህጉራዊ ምክትታል ዘድሊ ።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ትግራይ ዘሎ ሕሱም ጥሜት ኣብ ከቢድ ወጥሪ አእትዩዎ ኣሎ። ከመይ ገይሮም ነቲ ድሩት ግን ከኣ ኣድላይ ስርሖም ኣብ ሓደጋ ከየእተው፡ ንሓቀኛ ዛንታ እቲ ቅልውላው ኪብድህዎ ይኽእሉ?

ሰራሕተኛታት ረድኤት ካብ ቀደም ዝብሉዎ ሓደ ሓቂ ኣሎ። ሰብኣዊ ቅልውላው ብዝለዓለ ፖለቲካዊ ስጕምቲ እምበር ብረድኤት ጥራሕ ኣይፍታሕን እዩ።

ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንኸምዚ ጉዳይ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ከም ሶርያን ኮንጎን ንዘጋጠመ ጸገማት ብምግንዛብ፡ ብዛዕባ ዕጥቃዊ ግጭትን ጥሜትን ዝምልከት ውሳነ 2417 ኣሕሊፉ።

ኣብቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ ውሳነ፡ ጥሜት ከም ኣጽዋር ምጥቃም ገበን ውግእ ክኸውን ከም ዝኽእል ብኣጽንዖት ብምርግጋጽ፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣስፋሕፊሑ ስእነት ምግብን ጥሜትን ከምዘምረሐ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ብቕልጡፍ ከጠንቅቖ ይሕተት።

እዚ ውሳነ እዚ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ኣብ ግምት ብምእታው ተነዲፉ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ሰብኣዊ ትካላት ግን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ከቐይሙ ስለ ዘይደልዩ፡ ነዚ ነገር እዚ ክቕበሉዎ ኣይደልዩን እዮም።

ኣብ ትግራይ ብዘሎ ጥምየትን ሕማምን ሞትን ዘተኣማምን ቝጽሪ ኽንህብ ኣይንኽእልን ኢና፤ ይኹን እምበር ኣዝዩ ዘሕዝን ፍጻመ ከጋጥም ከምዝኽእል ብርግጸኛነት ክዝረብ ይከኣል እዩ።