ቅልውላው ትግራይ፡ ብዛዕባ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ዜጋታት መን እንታይ ኢሉ?

ኣብ ትግራይ ናይ መግብን መድሓኒትን ሓዊስካ ዝተፈላለዩ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዛት ከምዘድሊ ዓለም ለኸ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ኣፍሊጠን ኣለዋ። ሕቡራት ሃገራት፣ ኦክሳፋምን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ቅልጡፍ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድሊ መግለጽታት ካብ ዘውጽኡ ትካላት ተጠቐስቲ እዮም።

ኣብ ትግራይ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ፎቖድኡ ኣዕቝቦም ንዝርከቡ ዜጋታት ሓገዝ ከምዘድልዮምን ኣብ ዝተፈላለዩ መዕቖቢ ማእኸላት ኣዕቝቢን ኣብ ልዕሊ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ጾታዊ ዓመጻት ይበጽሐን ከምዘሎ ይግለጽ።

ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ኣብ ትግራይ ይበጽሕ ዘሎ ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽ ኣመና ኣሻቒሉኒ’ዩ” ክብል ኣፍሊጡ’ሎ።

ዓለም ለኻዊ ግብረ ሰናይ ትካል ኦክሳፋም ብወገኑ ኣብ ትግራይ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ቅልጡፍ ናይ መግቢ ሓገዝ ከምዘድልዮም ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

ኵናት ኣብ ዝተኻየደሎም ቦታታትን ከባቢኡን ናይ ዝነብሩ ዜጋታት ድሕነቶም ከምዘሻቐሎ ዝገለጸ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኩነታት ናይቶም ካብ ቤት ንብረቶም ዝተመዛበሉ ሰባት ከኣ መጨነቕን ምናልባት’ውን ናብ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምርሕ ከምዝኽእልን የመልክት።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ግዜ ጎንጺ ዘጋጥሙ ጾታ መሰረት ዝገበሩ ዓመጻት እትከታተል ፕርሚላ ፓተን “ብኣስገዳድ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣባል ስድራ ክዕምጹ ዝተገበሩ ሰባት ከምዘለዉ ዝሕብር ርእስኻ ዘናውጽ ጸብጻብ በጺሑና’ዩ” ምባላ ይፍለጥ።

ሃለቕቲ ሸቐጣት ንምርካብ ተባሂሉ ምስ ወተሃደራት ጾታዊ ረኽቢ ክፍጽማ ዝተገደዳ ደቂ ኣንስትዮ ከምዘለዋን ቁጽሪ መድሓኒት መከላኸሊ ሃንደበታዊ ጥንሲ ዘድልየን ደቂ ኣንስትዮ ከምዝወሰኸን ከምኡ’ውን ኣብ ማእኸላት መዕቖቢ ተመዛበልቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝፍጸሙ ጾታዊ ዓመጻት ዝሕብሩ መረዳእታት ከምዘለዉ ትፕርሚላ ፓተን ትሕብር።

ኣብዚ ርእሰ ጉዳይ ኣመልኪትና ካብ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ኣይሰመረልናን። እንተኾነ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ ሓደ ኣኼባ ዝተሳተፈ ኣባል ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ "ኣብ ከተማ መቐለ ጾታዊ ዓመጽ ይፍጸም ከመወዘሎን ጥርዓን ከምዝበጽሖምን" ኣረጋጊጹ ነይሩ።

"ስለምንታይ'ዩ ደቂኣንስትዮ ኣብ መቐለ ዝድፈራ ዘለዋ? ኲናት ኣብ ዝካየደሉ ግንባር እንተዝኸውን እትጽበዮ ነገር'ዩ። ሕዚ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ዘለሉ ከምኡ'ውን ፌደራል ፖሊስ ኣብ ዝርከበሉ እዋን ሓደ ምሸት ሪፖርት በጺሑና ንጽባሒቱ'ውን ካልእ ሪፖረት ተገይሩ" ክብል ኣብቲ መድረኽ ተዛሪቡ።

ኦክስፋም ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ምስ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ወራር ዕስለ ኣንበጣን ተዛሚዱ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ተጸበይቲ እርዳታ ክኾኑ ከምዝገበሮም ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅድሚ እቲ ጎንጺ’ውን እንተኾነ ኣብ ደቡብን ምዕራብን ትግራይ ከምኡ’ውን ሰሜን ኣምሓራ ዝነብሩ ሰባት ሓገዝ ይደልዩ ምንባሮም እቲ ትካል ኣብ መግለጺኡ ኣመልኪቱ'ሎ።

ኣብ ኦክስፋም ዳይሬክተር ኢትዮጵያ ኣቶ ገዛሀኝ ከበደ “ካብ ኵናት ሃዲሞም ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃዲሞም ዝነበሩ ተቐማጦ ዞባ ደቡባዊ ትግራይ፡ ምስተመልሱ መንበሪ ገዝኦም ዓንዩ ንብረቶም ተዘሪፉ ከምዝጸንሖም ነጊሮሙና” ይብል።

ቅድሚ እቲ ዘጋጠመ ኵናት’ውን እንተኾነ ኣብ ትግራይ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ብቐዋምነት ረድኤት ይጽበዩ ምንባሮም ዝሓበረ ኦክሳፋም ብዙሓት ነቲ ሓገዝ ከምዘይረኸቡ ኣፍሊጡ።

ኣብ ትግራይ ልዕሊ 4.5 ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ዝገልጽ ድማ ሕቡራት ሃገራት'ዩ።

ኮምሽን ኣመራርሓ ስራሕ ሃገራዊ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ግን እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተገልጸ ቁጽሪ ተጋኒኑ’ዩ ይብል።

ኮምሽነር ምትኩ ካሳ “ኣብ ትግራይ እርዳታ ዘድልዮም ሰባት 4.5 ሚልዮን እንተይኮኑስ 2.5 ሚልዮን እዮም” ክብል ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ ነይሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም 2.5 ሚልዮን ዝኾኑ ዜጋታት ዘድልዮም ሰብኣዊ እርዳታ ንምቕራብ እኹል ምድላዋት ከምዝገበረ'ውን ወሲኹ ገሊጹ።

ናብ ትግራይ 311 ሽሕን 526 ኩንታል ከምዝቐረበን እዚ ድማ ን2.5 ሚልዮን ሰባት ክምግብ ከምዝኽእልን ዝሓበረ ኮምሽነር ምትኩ “ኣብ ቀረብ ክፍተት የብልናን፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ልዕሊ 20 ናይ ጽዕነት መካይን ነቲ ሓገዝ ኣብ ምጉዕዓዝ ይርከባ” ይብል።

እቲ ብሕቡራት ሃገራት ቅልጡፍ እርዳታ ዘድልዮም ተባሂሉ ዕላዊ ዝተገበረ ቁጽሪ [4.5 ሚልዮን] መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዘይኣጽደቖ እቲ ኮምሽነር ኣፍሊጡ'ሎ።

ግዝያዊ ኣማሓዳሪ ክልል ትግራይ ዶ/ር ሙሉ ነጋ ብወገኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘይ'ቕረበ ተገይሩ ዝንዛሕ ሓበሬታ ‘ፖለቲካዊ ረብሓ’ ክረኽቡ ብዝደልዩ ሰባት ከምዝኾነ ንኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ተዛሪቡ።

“ልዕሊ ዓቕሚ ብዝኾነ ምኽንያት እንተዘይኮይኑ መንግስቲ ሰብኣዊ ሓገዛት ንምቕራብ ንድሕሪት ዝበለሉ ኣጋጣም የለን” ዝበለ እቲ ግዝያዊ ኣማሓዳሪ ነቲ ግጉይ ሓበሬታ ብምቅላሕ ን’ፖለቲካዊ ጥቕሚ’ ዘውዕሉ መራኸብቲ ሓፋሽ ከምዘለዉን ልክዕ ከምዘይኮነን ሓቢሩ።

መንግስቲ ኣቐዲሙ ዝመዛበል ሕብረተሰብ ከምዝህሉን ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልን ተረዲኡ ምንባሩ ዝገልጽ ዶ/ር ሙሉ ነጋ፡ “ካብ ፈለማ እዚ ኣብ ግምት ውሽጢ ዘእተወ ስራሕ ተጀሚሩ’ዩ” ኢሉ።

ኮምሽነር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶ/ር ዳኒኤል በቀለ ግዳያት እቲ ቅልውላው እኹል ዘይኮነ ወይ’ውን ዋላ ሓንቲ ሓገዝ ከምዘይረኸቡ ብምግላጽ “ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ዜጋታት ዘጋጠመ ጉድኣት ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ኩሉ ቅልጡፍን ልዑል ቆላሕታን ዝጠልብ ጉዳይ’ዩ” ክብል ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ምሕባሩ ዝዝከር እዩ።

ካብቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ሃዲሞም ናብ ሱዳን ዝኣተዉ ዜጋታት ልዕሊ 55 ሽሕ ኮይኖም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉ ድማ ኣስታት ክልተ ሚልዮን ከምዝበጽሑ ይግለጽ።

ኣመዓባብላ እቲ ዝተወለዐ ግጭት

እቲ ኣብ ሞንጎ ክልል ትግራይን ፈደራልን ዝነብረ ምትፍናን፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር ኵናት ምስ ኣወጀ፡ እቲ ዝነበረ ወጥሪ ናብ ቅሉዕ ኵናት ዓሪጉ።

ቅድሚ መጀመርታ ሕዳር 2020 ኣብ ዝነበረ ግዜ እቲ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ውድብ ህወሓትን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራልን ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ርክቦም ሓርፊፉ ነይሩ።

ህወሓት ንዝሓለፈ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት፡ ኣብቲ ብሕብረት ሰልፍታት ዝቖመ ኢህወደግ ብዓብላልነት ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ ምጽአ እቲ ዝነበሮ ዓብላልነት ስኢኑ ኣብ ክልል ትግራይ እዩ ተሓጺሩ ጸኒሑ።