ኣብ ትግራይ ምሉእ ኣገልግሎታት መብራህትን ስልክን መዓስ ክጅምር ይኸውን?

ኣብ ትግራይ ኣገልግሎታት ኤለክትሪሲቲ፣ ስልክን ኢንተርኔትን ዛጊድ ካብ ዘይተመለሰሎም ከባቢታት እቶም ዝበዝሑ ኣብ ውሽጢ ዝቕጽሉ ሰሙናት ነቶም ኣገልግሎታት ክረኽቡ ምዃኖም ሓለፍቲ ሓይሊ መብራህትን ኢትዮ ቴሌኮምን ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ኣቢሉ ኣብቲ ክልል ጎንጺ ብምውልዑ ዝተቛረጹ ኣገልግሎታት ኤለክትሪክ፣ ስልክን ኢንተርኔትን ብኸፊል ዝተመለሱሎም ከባብታት እንተሃለዉ'ኳ፤ ኣብ ብዙሓት ከባብታት ግን ክሳብ ሎሚ እቲ ኣገልግሎት ከምዘይተመለ እቶም ሓለፍቲ ኣረጋጊጾም።

ነቲ ኣገልግሎታት ብቕልጡፍ ምምላስ ዘይተኸኣለሉ ምኽንያት ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም መሰረተ ልምዓት (ትሕተ ቕርጺ) "ዝበጽሐ ዕንወት ኣዝዩ ከቢድ" ብምዃኑ እዩ ኢሎም።

ዳይረክተር ህዝባዊ ርክባት ሓይሊ ኤለክትሪክ ኢትዮጵያ ኣይተ ሞጎስ መኮነን፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት መስመራት መተሓላለፊ ሓይሊ ስለዝተበታተኹን ነቲ ሓይሊ ዝስከቡ ኣካላት ንኸይተናኸፉ ዝከላኸሉ ፍንጃላት ['ኢንሱሌተራት'] ስለዝተሰባበሩን እቲ ኣገልግሎት ከምዝተቛረጸ ንቢቢሲ ኣረዲኡ።

ዋና ኣፈጻሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ወይዘሪት ፍረህይወት ታምሩ ብወገና፤ ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓት ቴሌኮም ክልል ትግራይ ከቢድ ጉድኣት ከምዝበጽሐ ብምሕባር ክሳብ ሎሚ ስራሕቲ ጽገና ይካየድ ከምዘሎ ገሊጻ።

"እቲ ዘሎ ኩነታት ከምልብኻ ተንቀሳቒስካ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ ስራሕቲ ጽገና ንምክያድ ኣጸጋሚ ብምንባሩ" ብቕልጡፍ ናብ ስራሕ ክእቶ ከምዘይተኽኣለ'ውን ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብዙሕ ስራሕቲ ከምዝተወገነ ዘዘኻኸረት እታ ዋና ኣፈጻሚት ስራሕ፤ ኣገልግሎት ንምጅማር ሓይሊ ኤለክትሪክ ስለዘድልይ ከም ኣማራጺ ጀነሬተራትን ሓይሊ ጸሓይን ይጥቀሙ ከምዘለዉ ኣረዲኣ።

"ጽገና ኣብ ዝተዛዘመሎም ከባብታት ኣገልግሎት ንምሃብ ቀሪብናለና" ብምባል፤ ኣብ መቐለ ናይ ስልክን ብሮድባንድን ኣገልግሎት ይወሃብ ከምዘሎ ሓቢራ።

ወይዘሪት ፍረህይወት ብሮድባንድ ኢንተርኔት ምጅማሩ ንኣገልግሎት ባንኪ ብምጥቃስ እንተገለጸት'ኳ ቢቢሲ ንሰባት ኣዘራሪቡ ካብ ዝረኸቦ ሓበሬታ ኣብታ ከተማ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ዝበሃል ከምዘየለ የመልክት።

ኣብ ማይጨው፣ ዳንሻን ሑመራን ከኣ ኣገልግሎት ስልኪ ከምዝጀመረ ተዛሪባ።

ኣገልግሎት ሓይሊ ኤለክትሪክ ኢትዮጵያ ዘመሓድሮም መከፋፈሊ መስመራትን ማእኸላት ኣገልግሎትን "ብቕልጡፍ ናብ ረብሓ ብዘይምለሱሉ ደረጃ" ዕንወትን ስርቅን ከምዘጋጠሞም ዳይረክተር ህዝባዊ ርክባት ሓይሊ ኤለክትሪክ ኢትዮፕያ ኣይተ ሞጎስ ይሕብር።

ስራሕቲ ጽገና ይቕጽል ምህላዉ ብምዝኽኻር ድማ ኣብ ኣላማጣ፣ ማይጨው፣ መኾኒ፣ ኣሸጎዳ፣ መቐለን ኣብ ዙርያ እዘን ከባብታት ዝርከባ ነኣሽቱ ከተማታትን ኣገልግሎት ኢለክትሪክ ከምዝረኸባ ኣመልኪቱ።

ኣኽሱም፣ ዓድዋ፣ ሽረ፣ ሸራሮን ወልቃይትን ግን ብዘሰንኪ'ቲ ዘጋጠመ "ከቢድ ጉድኣት" ሓይሊ ኤለክትሪክ ከምዘይረኸባ ኣረጋጊጹ'ሎ።

"ዝተፈለየ ነገር ከጋጥም እንተዘይኪኢሉ ኣኽሱምን ዓድዋን ኣብ ውሽጢ መዓልታት ወይ ወሙናት ሓይሊ ዝረኽባሉ ኩነታት ክፍጠር'ዩ" ብምባል ንጹር መዓልቲ ካብ ምግላጽ ተቖጢቡ።

ንትግራይ ዘገልግሉ ቀንዲ ማዕኸላት ['ኮር ሳይት'] ኣብ መቐለን ሽረን ከምዝርከቡ ዝገለጸት ወይዘሮ ፍረህይወት ብወገና፤ ካብ መቐለ ናብ ዓብዪ ዓዲ ዘሎ መስመር ከቢድ ጉድኣት በጺሕዎ ምንባሩ ኣረዲኣ።

ነዚ ንምጽጋን ከኣ ነዊሕ ጊዜ ከምዝወሰደን ኣብዚ እዋን 98 ኪሎ ሜትር መስመር ጽገንኡ ከምዝተወገነን ሓቢራ።

ንሳ ከምእትብሎ፤ ኣብ ሽረ ዘሎ 'ኮር ሳይት' ስርሑ ንምምጅማር ካብ ዓብዪ ዓዲ ናብ ሽረ ዘሎ መስመር ጽግና ከድልዮ'ዩ።

ናብ ዓድዋ ኣብ ዘብጽሕ መስመር ጽገና እንተተገበረ'ውን ኣብ ከባቢ ውቕሮ ዝርከቡ ዓንዲታት ቴሌኮም ዝነበሩ ኣቑሑ ስለዝተሰረቑ ነቶም ኣቑሑ ናይ ምምላእ ስራሕ ተሳሊጡ" ኢላ።

ሰብ ሞያ ነቲ ኣገልግሎት ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ለይትን ቀትርን ይሰርሑ ምህላዎም ብምግላጽ፡ ጽገና ኣብ ዝተገበረሎም ከባብታት ኣገልግሎት ከምዝጅመር ኣመልኪታ።

ክሳብ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ኣብ ዝተወሰኑ ቦታታት ብቕልጡፍ ንምጅማር ይስራሕ ከምዘሎን ብዙሓት ከባብታት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኣግልግሎት ከምዝረኽቡን ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ሬጅን ሰሜን ካብ ዝነበርዎ 746 ሰራሕተኛታት ዛጊድ እቶም 699 ናብ ስራሕ ከምዝተመለሱ ኣዘኻኺራ'ላ።