ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ትግራይ ብዘይገደብ መገዲ ክኽፈተሉ ሓቲቱ

ሓላፊ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተዛራረበ ኮይኑ፡ ኣብታ ንልዕሊ ክልተ ወርሒ ብኲናት ትሕመስ ዘላ ትግራይ 'ብዘይገደብ መንገዲ' ክኽፈተሉ ሓቲቱ።

እቲ ሕብረት፡ ኣብ መላእ እቲ ክልል መሰረታዊ ሰብኣዊ ሓገዝ ክገብር እዩ ሙሉእ መንገዲ ክኽፈተሉ ዝሓትት ዘሎ።

ገለ ዓለማዊ ኤጀንሲታት ሰብኣዊ ሓገዛት ኣብ ገለ ክፋል እቲ ክልል ተዘዋዊሮም ነቲ ዘሎ ኩነታት ክዕዘቡ'ኳ እንተኽኣሉ ኣብቲ ውግእ ዝካየደሎም ዘሎ ከባቢታት ክኣትው ግን ኣይተፈቕደሎምን።

ወድብ ሕቡራት መንግስታት እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት፡ ስርቅን ሕጽረት መግብን ሓዊስካ ኣዝዩ ኣብ ዘሻቕል ደረጃ ከም ዝርከብ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

ሕብረት ኤውሮጳ እንታይ እዩ ኢሉ?

ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ጆሴፍ ቦሬል፡ እቲ ሕብረት ኣብቲ ክልል ከይዱ ንምርኣይን ሓገዝ ንምምብጻሕን ሙሉእ መገዲ ክኽፈተሉ ከም ዝደልን እዩ ተዛሪቡ።

"እዚ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሕተት ኣይኮነነን። ኣብ ሕጊ ዓለምለኸ ዝሰፈረ ግዴታ'ውን እዩ" ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ናብ ክልተ መዕቆቢ ስደተኛታት ኤርትራ ኣትዩ ከይርኢ ከም ዝተኸልከለ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ምስልታት ሳተላይት ድማ፡ ንህንጻ ውድብ መግቢ ዓለም ሓዊሱ፡ እቲ ማእከል ስደተኛታት ከም ዝዓነየ እዮም ዘርእዩ።

ኣብ ቀረባ መዓልታት ሓደ ወተሃደራዊ ኮማንደር መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣትዮም እናተዋግኡ ከም ዝርከቡ ኣሚኑ ኣሎ።

እዞም ወተሃደራት ኤርትራ ግን፡ ኣብቲ ክልል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጽም ከም ዘለዉ ክሲ ክቕርበሎም ጸኒሑ እዩ።

እንተኾነ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ መንግስቲ ሰባት ካብቲ ከባቢ ክርሕቑ ብምግባር፡ ገለ ክፋል እቲ ኲናት ንምሕባእ ዝፍትን ዘሎ እዩ ዝመስል።

መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ነዚ ክስታት ክነጽጉዎ እዮም ጸኒሖም።

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ 'ወተሃደራት ኤርትራ፡ ካብቲ ብሕጊ ዝተውሃቦም መሬት ወጻኢ፤ ናብ ትግራይ ከም ዘይኣተዉ ኣረጋጊጹለይ'ዩ' ምባሎም ዝዝከር እዩ።

እዋናዊ ኩነታት ሰብኣዊ ጉዳያት

ኣብ ትግራይ ኣስታት 2.3 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘድልዮም ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ትካል ሰብኣዊ ረዲኤት ሕቡራት ሃገራት (UNOCHA) ኣብ ዘውጽኦ እዋናዊ መብርሂ፡ ካብ 7 ሕዳር 2020 ጀሚሩ ቁጽሪ ናይቶም በቲ ኲናት ተፈናቒሎም ናብ ሱዳን ዝሃደሙ ስደተኛታት ልዕሊ 55,000 ከም ዝበጽሐ'ውን ጠቒሱ።

ሰራሕተኛታ ረድኤት ቅድሚ ሕጂ ናብ ዘይተፈቐዱ ከባቢታት ከተማ ምብጻሕ ከምዝኸኣሉን ኣብ ወሰናወስን መቐለ፣ ሸራሮ፣ ሽረን ካልኦት ከባታትን ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ውግኣት ይካየዱ ከምዘለዉ እውን ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ'ሎ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ካብቶም 40 ሆስፒታላት ትግራይ 4 ጥራይ ኣገልግሎት ይህቡ ምህላዎም ዝጠቐሰ እቲ ጸብጻብ፡ ትሕተ-ቅርጺ እቲ ክልል ከቢድ ዕንወት ወሪድዎም ከምዘሎ ጠቒሱ።

ናብቲ ክልል ህጹጽ ረዲኤት ንምብጻሕ ናይ ቢሮክራሲ ምድንጓያት ብምህላዎ፡ ክቃላጠፍ ተማሕጺኑ'ሎ።

ሰብመዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብወገኖም፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላዉ ልዕሊ 2.2 ሚልዮን ሰባት ከምዝተፈናቐሉ ኣብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተዛሪቦም ነይሮም።

ወሃቢ ቃል ቤትጽሕፈት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣቶ ገብረመስቀል ካሳ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፍርቂ ካብቶም ተፈናቐልቲ ኣባይቶምን ንብረቶምን ዓይንዩ ካብ ምዕራብ ትግራይ ከምዝሃደሙ ብምጥቃስ፡ "ኣብ ኢዶም ምንም ዓይነት ንብረት የብሎምን" ኢሉ።

ፍርቆም ድማ ካብ ካልኦት ከባቢታት ተፈናቐሎም ብእግሮም ናብ ከተማታት ኣኽሱም፡ ዓዲ-ግራት መቐለን ሽረን ዝኣተዉ'ዮም።

"እዞም ወጋናት እዚኦም ኣብ ከቢድ ሓደጋ የርከቡ" ንዝበሎም፡ ብፌደራል መንግስት ትኹረት ተዋሂብሉ ሓገዝ ንኽበጽጾም ክግበር ምዃኑ ኣቶ ገብረመስቀል ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ፈደራል ምስ ግዝያዊ ምምሕር እቲ ክልል ብምትሕብባር ብቕልጡፍ ነቲ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ንምፍታሕ ክንቀሳቐሱ ምዃኖም'ውን ቃል ኣትዩ።

ዓለምለኻውያን ትካላት ረዲኤት፡ ብዘይ ዝኾነ ገደብ ናብቲ ክልል ንምእታዉ ምስ ሰብመዚ ክዘራረቡ'ኳ እንተጸንሑ ከምዘይሰለጦም ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።

ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት

ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ዝርከቡ ኣስታት 100,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ምህላዎም ይዝረብ።

ኣብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊት ርክባት ወጻኢ ጁልያ ራፋኤል ብ7 ጥሪ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት፡ ናብ መዓስከራት ስደተኛታት ክኣተው ስለዘይክሉ ብዛዕባ ሃለዋት እቶም ስደተኛታት ተሻቒሎም ከምዘለው ገሊጻ።

እንተኾነ ግን፡ ኣብ መዓስከራት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ውሱን ናይ መግቢ ቀረባት "ብመሻርኽቲ ኣካላት" ከምዝተላእከ 'ዩኤንኦቻ' ሓቢሩ።

ኣማዓባብላ እቲ ጎንጺ

ኣብ ሞንጎ ክልል ትግራይን መንግስቲ ፌደራል ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝዘለቐ ምትፍናን ናብ ወጥሪ እናዓረገ ጸኒሑ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ፡ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ወርሒ ሕዳር ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምስ ኣወጀ፡ እቲ ዝነበረ ወጥሪ ናብ ቅሉዕ ኵናት ዓሪጉ።

ቅድሚ መጀመርታ ሕዳር ኣብ ዝነበረ ግዜ እቲ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ውድብ ህወሓትን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራልን ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ርክቦም ሓርፊፉ ነይሩ።

ህወሓት ንዝሓለፈ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት፡ ኣብቲ ብሕብረት ሰልፍታት ዝቖመ ኢህወደግ ብዓብላልነት ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ ምጽአ እቲ ዝነበሮ ዓብላልነት ስኢኑ ኣብ ክልል ትግራይ እዩ ተሓጺሩ ጸኒሑ።