እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ፡ ሓሙሽተ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ነበር
ብ4 ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ወተሃደራዊ ግጭት ድሕሪ ምውልዑ፡ ናይቲ ኲናት ቀንዲ ተሓተቲ'ዮም ተባሂሎም ክእሰሩ ካብ ዝተወሰነሎም ፖለቲካውን ወተሃደራውን መራሕቲ ትግራይ ሓደ ስብሓት ነጋ እዩ።
ኣቶ ስብሓት ኣቐዲሙ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ደጋፊ ህወሓት እምበር ኣባል ናይቲ ውድብ ከም ዘይኮነ ተዛሪቡ ነይሩ።
እቲ ወዲ 86 ዓመት፡ ካብ ማእከል ስትራቴጂካዊ ጉዳያት ወጻኢ ዝተባህለ መጽናዕታዊ ትካል ኣብ 2018 ብጥሮታ ድሕሪ ምውጽኡ ኣብ ዝኾነ መንግስታዊ ሓላፍነት ኣይነበረን።
ይኹን'ምበር፡ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድን መንግስቱን ሓያል ነቔፌታ ከስምዑ ካብ ሞንጎ ዘስምዑ ፖለቲከኛታት ሓደ ኮይኑ ምጽንሑ ይፍለጥ።
እቲ ካብ መስፍናዊ ቤተሰብ ዝተወለደ ስብሓት ነጋ፡ መምህር፣ ሰራሕተኛ መንግስቲን ተጋዳላይን ዝነበረ ኮይኑ ሓደ ካብ መስረቲ ውድብ ህወሓት ብምዃን ን10 ዓመታት ብኣቦመንበርነት ክመርሖ ጸኒሑ።
ድሕሪ ምድምሳስ ስርዓት ደርግ ኣብ ዝነበረ ኣስታት 28 ዓመታት ድማ፡ ኣብ ገዛኢ ሰልፊ ኢህወዴግን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዓቢ ጽልዋን ተሰማዕነትን ነይሩዎ።
ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢን ቁጠባ'ታ ሃገርን ዓቢ ኣገዳስነት ዘለዎም ትካላት'ውን መሪሑ።
ወይዘሮ ቅዱሳን ነጋ
ወ/ሮ ቅዱሳን ነጋ፡ ምንኣስ ሓፍቱ ንስብሓት ነጋ ኮይና ካብተን ኣብ መወዳእታ 1970ታት ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ናብ ህወሓት ዝተጸምበራ ፍሉጣት ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ'ያ።
ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ተጋዳሊት ቅዱሳን ኣብ ክፍሊ ህዝቢ ተመዲባ ህዝቢ ኣብ ምውዳብ ተዋፊራ ትሰርሕ ነይራ።
ኣደመንበር ማሕበር ደቂኣንስትዮ ብምዃን'ውን ንነዊሕ እዋን ከም ዝሰርሐት ይንገረላ።
ወ/ሮ ቅዱሳን፡ ድሕሪ ምድምሳስ ስርዓት ደርግ ኣብ 1987 (1995) ኣባል ፈጻሚ ስራሕን ማእከላይ ኮሚቴን እቲ ውድብ ኮይና ተመሪጻ።
ንሳ፡ ከንቲባ ከተማ መቐለ፡ ጸኒሓ ድማ ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ትግራይ ብምዃን ንሓያሎ ዓመታት ኣገልጊላ።
ኣብ ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም ድማ (2018) ብኽብሪ ካብ ዝነበራ መዝነት ተሰናቢታ።
እዛ ነባር ተጋዳሊት፡ ካብተን ንዝነበረን ተሪር መርገጺ ካብ ምግላጽ ድሕር ዘይብላ ደቂኣንስትዮ ምንባራ ሓደ ብቐረባ ዝፈልጣ ተጋዳላይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ገሊጹ።
ኣብ 1993 (2001) ኣብ ውሽጢ ህወሓት ምክፍፋል ምስ ተፈጥረ፡ ምስ ብዓልቤታ ዝኾነ ኣቶ ጸጋይ በርሀ ንዝነበራ መርገጺ ብምቕያር ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር መለስ ዜናዊ ካብ ዝወገኑ'ያ።
ኣቶ ኣባይ ወልዱ
ሓደ ካብ ነባራት ተጋደልቲ ህወሓት ዝኾነ ኣቶ ኣባይ ወልዱ ኣብ መወዳእታ 1969 ዓ.ም (1977) እዩ ተጋዲሉ።
ምዕባይ ሓዉ ኣቶ ኣውዓሎም ወልዱ ሓደ ካብቶም 11 መስረቲ ህወሓት ኮይኑ፡ ክሳብ ዶባዊ ኵናት ኢትዮ-ኤርትራ ዝውላዕ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ሰሪሑ።
ድሕሪ'ቲ ኵናት ኣብ 1993 (2001) ኣብ ህወሓት ብዝተፈጥረ ምክፍፋል ግን ክልቲኦም ኣሕዋት ኣብ ክልተ ጉጅለ'ዮም ተኸፊሎም።
ኣቶ ኣውዓሎም ምስቶም ካብ ህወሓት ዝወጽኡ ኮይኑ።
ኣቶ ኣባይ ወልዱ ንነዊሕ እዋን ምክትል ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ኮይኑ ድሕሪ ምግልጋሉ፡ ኣብ 2002 (2010) ንኣቶ ጸጋይ በርሀ ብምትካእ ናይቲ ክልል ርእሰ ምምሕዳር ብምዃን ክሳብ 2011 (2019) ኣገልጊሉ።
ኣብ 2004 (2012) እቲ ንውድብ ህወሓት ንነዊሕ እዋን ዝመርሐ መለስ ዜናዊ ድሕሪ ምዕራፉ ድማ ኣቦ መንበር ህወሓት ኮይኑ ተመሪጹ። ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዴግ ድማ ነይሩ።
ኣቶ ኣባይ ኣብቲ ዝቐጸለ መበል 13 ጉባኤ ህወሓት ተገምጊሙ ካብ ስልጣን ወሪዱ።
ኣብቲ እዋን፡ ብዙሓት መንእሰያት ትግራይ ኣብ ልዕሊ መሪሕነት ኣቶ ኣባይ ዝነበሮም ነቐፌታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይገልጹ ነይሮም።
ቅድሚ ፕረዚደንት ክልል ምንባሩ'ውን ኣመሓዳሪ ማእከላይ ዞባን ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ እቲ ክልልን ኮይኑ ሰሪሑ ነይሩ'ዩ።
እቲ ክልተ ዲግሪ ዘለዎ ኣቶ ኣባይ፡ ቋንቋታት ኢሮፕ፣ ትግርኛ፣ ኣምሓርኛ፣ ዓፋርኛን እንግሊዝኛን ዝመልኽ ምዃኑ ይንገረሉ።
ኣብ መወዳእታ ኣብ ውድብን ክልላዊ መንግስትን ብዶክተር ድብረጽዮን ገብረሚካኤል'ዩ ተተኪኡ።
ካብ ውድባዊን ክልላውን ሓላፍነቱ ድሕሪ ምውራዱ ቅሬታ ከም ዝነበሮ ዝግለጽ ኣቶ ኣባይ፡ ኣብ መሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ካብ ዝተጸንበሩ ሒደት መራሕቲ ህወሓት ምንባሩ ይጥቀስ።
በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ሚኒስትሪ ሰላም ሚኒስትር ዲኤታ ኮይኑ ተሸይሙ ነይሩ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ብሓይልታት ጸጥታ ኣብ ቀይዲ ካብ ዝኣተዉ ናይ ህወሓት ነባራት ተጋደልቲ'ዩ።
ስለምንታይ ድሒሩ ናብ ህወሓት ከም ዝተመልሰ ዝተፈልጠ ነገር የለን።
ዶክተር ሰለሙን ኪዳነ
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ 2020 ኣብ ዝገበሮ ምቅይያር ሚኒስተራት፡ ሓያሎ ሓላፍነት መንግስቲ ፈደራል ዝነበሮም ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ካብ ስርሖም ተሰናቢቶም'ዮም።
ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ምምሕዳር ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብደረጃ ምክትል ከንቲባ ሓላፊ ቢሮ መጓዓዝያ ዝነበረ ኢንጂነር ሰለሞን ኪዳነ፡ ሓደ ካብቶም ሽዑ ካብ መዝነቶም ዝወረዱ'ዩ።
ህወሓት ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝወሰዶ ስጉምቲ ብሄር መሰረት ዝገበረን ዘይሕጋውን'ዩ ኢሉ ብምቅዋም መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ'ዩ።
እቲ ንኢህወዴግ ተኪኡ ዝመጽአ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ግን፡ እቲ ምቅይያር ልሙድ ኣሰራርሓ እምበር ንተጋሩ ንምጥቃዕ ዝዓለመ ኣይኮነን ክብል ነቲ ክሲ ይነጽጎ።
ኣብቲ እዋን ምስ ቢቢሲ ቃለመሕትት ዝገበረ ዶ/ር ሰለሞን "ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ኢህወዴግ ኢና ተወዳዲርና። ኢህወዴግ ክሳብ ዝሰዓረ ድማ ህወሓት 25 ሚእታዊት ናይ ምምሕዳር ስልጣን ኣለዎ። እዚ ኣሰራርሓ ምፍራስ ማለት ድማ መንግስታዊ ምምሕዳር ምፍራስ'ዩ" ክብል ነቐፌታኡ ኣስሚዑ።
ካብ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምስንባቱ፡ ናብ ትግራይ ተመሊሱ ሓላፊ ልምዓትን ፋይናንስን ከተማታት ብምዃን ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ተሪር ነቐፌታ የቕርብ ነይሩ።
ዶ/ር ሰለሞን ሓደ ካብ መንእሰያት መራሕቲ ህወሓት ኮይኑ፡ ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ እቲ ውድብ ምንባሩ ይፍለጥ።
ዶክተር ኣብርሃም ተከስተ
ሓደ ካብ ሓደሽቲ ወለዶ መራሕቲ ህወሓትን ኢህወዴግን ዝነበረ ዶክተር ኣብርሃም ተከስተ፡ ሚኒስተር ቁጠባዊ ልምዓትን ፋይናንስን ኢትዮጵያ ኮይኑ ዘገልገለ'ዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ኢህወዴግን ኢትዮጵያን ለውጢ ምስ መጽአ ናብ ትግራይ ካብ ዝተመልሱ ላዕለዎት መራሕቲ'ዩ ነይሩ።
ኣባል ፈጻሚ ስራሕን ማእከላይ ኮሚቴን ህወሓት ዝኾነ ዶክተር ኣብርሃም ምክትል ርእሰምምሕዳርን ሓላፊ ፋይናንስን ልምዓትን ኮይኑ ክሰርሕ ጸኒሑ። ካብቶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ነበር'ውን፡ ምክትል ፕረዚደንት ክልል ትግራይን ኣምባሳድር ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ኮይኑ ዘገልገለ ኣቶ ኣባዲ ዞሞ ይርከቦም። ኣቶ ኣባዲ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ መበል 12 ጉባኤ ህወሓት ተገምጊሞም ዝተገለሉ መራሕቲ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ኣካዳሚ መለስ ዜናውን ኣቦ መንበር ቦርድ ትካላት ትእምትን ኮይኑ ኣገልጊሉ'ዩ።