እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ: ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብዛዕባ ምስሓብ ሰራዊቱ እንታይ ኢሉ?
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ትማሊ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 22 ሰነ 2013 እዋናዊ ጉዳይ ኣመልኪቱ ንጋዜጠኛታት መብርሂ ሂቡ ነይሩ፡፡
ኣብቲ መብርሂ፡ መንግስቲ ፌደራል ሰራዊቱ ካብ መቐለ ዝወጸ ተሳዒሩ ኣይኮነን ኢሉ፡፡
መንግስቲ ፌደራል ሰራዊቱ ካብ ክልል ትግራይ ምስሓቡ፣ ሓይሊታት ትግራይ ንከተማ መቐለ ምቁጽጻሮምን መንግስቲ ኢትዮጵያ በይናዊ ኣዋጅ ኲናት ደው ምባል ምእዋጁን ኣብዚ ሰሙን ቀልጢፎም ዝማዕበሉ ተርእዮታት እዮም፡፡
ሓይሊታ ትግራይ ከምዝብልዎ: ሰራዊት መንግስቲ ተሳዒሩ ከንሳሕብ ከምዝተገደደ ክገልጹ እንከለዉ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ግን ''እቲ ሰራዊት ዝወጸ ተሳዒሩ ዘይኮነስ እቲ ወፍሪ ዝለዝተዓወተ እዩ'' ኢሉ፡፡
‘‘እቲ ሕዚ ዝተኻየደ ወፍሪ ሙሉእ ብሙሉእ ብዝበሃል ደረጃ ተዓዊቱ እዩ፤ እቲ እንደልዮ ሰራዊትና ኣውጺእና ኢና፡፡ እዚ ድማ ካልኦት ሓይሊታት ዝሓስብዎ ነገር እንተሃልዩ ንምድላው ዕድል ረኺብና ኢና’’ ክብል ተዛሪቡ፡፡
ቅድም ክብል ብመንግስቲ ፌደራል ተደፊኡ ወጺኡ ዝነበረ መንግስቲ ትግራይ ድማ ‘‘ ዘደንቕ ዓወት’’ ከምዝሓፈሰን ከተማ መቐለ ‘‘ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽር ሓይሊታት ትግራይ ኣላ’’ ክብልን መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ፡፡
ኣብዚ እዋን እታ ከተማ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ህወሓት ዘይኮነስ ብረቱ ሓቢኡ ግዘ ዝጽበ ኣብ ትሕቲ ዝነበረ ሓይሊ እዩ ኢሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡፡
‘‘ንሕና ስርናይ እናሃብናዮ፡ ዘወር ምስበልና ዝስዕስዕ እንተኾይኑ ናይ ጽምዋ ግዘ የድልዮ እዩ ማለት እዩ’’ ክብል እውን ተሰሚዑ፡፡
ኣብ ከተማ መቐለ 20 ሽሕ ሰራዊት ከምዝነበሮ ዝገለጸ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ካብቲ ሰራዊት ብተወሳኺ መሳርሒ ኲናት ሒዙ ከምዝወጸ ተዛሪቡ፡፡
ንሱ ሰራዊቱ ንምንታይ ናብ ትግራይ ከምዝኣተወን ሐዚ ንምንታይ ከምዝወጸን ክገልጽ እንከሎ: እቲ ሰራዊት ኣብኡ ናይ ምጽናሕ ዕላማ ከምዘይነበሮ ብምሕባር ‘‘ ካልእ ዘስገአና ሓይሊ ስለዘሎ ናብኡ ገጽና ከነዝውር ነይሩና፤ እዚ ቀዳማነት እንህቦ ጉዳይ እዩ’’ ኢሉ፡፡
እቲ ስግኣት ዝበሎ ሓይሊ መን ከምዝኾነ ግን ኣይተዛረበን፡፡ ካልኦት ሰብመዚ ኣብ ዝሃብዎ ተመሳሳሊ መግለጺ ግን፡ እቲ ስግኣት ምስ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ኣነፊሮም ኣለዉ።
ኣብ ትግራይ እቲ ኣብ መጀመርታ ዝዋገኦ ዝነበረ ሓይሊ ከምዝተደምሰሰ ዝገለጸ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ቀረባ ሰሙናት እቲ ኲናት ኣንፈቱ ከምዝቐየረ ብምግላጽ ‘‘ኣብዚ እዋን ዘሎ ሓይሊ ይፍለ እዩ፤ እቲ ህዝቢ ባዕሉ ነቲ ወተሃደር ከጥቀዖ ጀሚሩ እዩ’’ ክብል ከሲሱ፡፡
ኣብዚ ናይ መወዳእታ ውግኣት፡ ቁጽሮም ዘይተፈልጡ ላዕለዎት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ኣብቲ ኲናት ርሰቅትለት ከምዝፈጸሙን፡ ዝተታሕዙ ከምዘለዉን'ውን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ጠቒሱ።
"ብዙሓት ክትግምትዎም ዘይትኽእሉ ጀጋኑ፡ ዓበይቲ መራሕቲ ርእሰ-ቅትለት ዝፈጸምሉ ኩነታት ኣጋጢሙ'ዩ" ድሕሪ ምባል ገለ ሓለፍቲ ብርጌድን ክፍለጦርን፡ ናብ ህዝቢ ኣይንትኩስ ንኢና ኢሎም ዝሞቱን ዝተታሕዙን ኣለዉ" ኢሉ።
ንሱ በቲ ሓይሊታት ህወሓት ንእዝ ሰሜን ብምጥቃዕ ኣጽዋር ክወስዱ ፈቲኖም ኢሉ ድሕሪ ምኽሳስ ክውሰድ ዝኣዘዞ ወታሃደራዊ ስጉምቲ ንከተማ መቐለ ምስተቖጻጸረ፡ ኣብቲ ኲናት ህዝቢ ትግራይ ንሰራዊት መንግስቲ ደጊፉ ኣበርክቶ ከምዝገበረ ንኢዱ ምንባሩ ይዝከር፡፡
ወተሃደራት ኢትዮጵያን መሻርኽቶም ወታሃደራት ኤርትራን ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ቅትለት፣ ጾታዊ ዓመጽን ዘረፋን ዝርከቡዎም ጥሕሰታት ከምዝፈጸሙ ክኽሰሱ ጸኒሖም እዮም፡፡ ኤርትራ ግን ነቲ ኣብ ልዕሊ ሓይልታታ ዝቐርብ ክስታት ክትነጽጎ'ያ ጸኒሓ።
ካብዚ ብተወሳኺ ‘‘መቐለ ብወተሃደራዊ ዓይኒ ተብህግ ኣይኮነትን፡፡ ቀደሙ እውን ወተሃደራትና ተወቒዖም ኢልና እምበር ንመቐለ ናጻ ክነውጽእ ኢልና ኣይከድናን’’ ብምባል ኣብታ ከተማ ምጽናሕ ረብሓ ከምዘይነበሮ ገሊጹ፡፡
ኣብዚ ሰሙን ካብ መቐለ ወጻኢ ኣብ መንጎ ሓይሊታት መንግስትን ሰራዊት ኢትጵያን ከበድቲ ውግኣት ከምዝተኻየዱ ዝገልጹ ሓበሬታታት ምውጸኦም ሮይተርስ ጸብጺቡ እዩ፡፡
እቲ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፡ ትጽቢት ኣብ ዘይተገበረሉ ሰኑይ ሓይሊታት ትግራይ ነቲ ክልል ዝተቖጻጸሩ ኮይኖም፡ እቲ ክስታት ነቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ኩነታት ኲናት ዝቕይር እዩ ኢሉ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ነዚ ሓሳብብምንጻግ: ዕላማ ህወሓት ክስዕር ዘይኮነስ ሓቢርና ንጥፋእ ዝብል እዩ ኢሉ፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ሓይሊታት ምክልኻል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ከምዝጀመሩን ሰፋሕቲ ዓወታት ከምዘመዝገቡን ገሊጾም ምንባሮም ዝዝከር እዩ፡፡
ኣብቲ ንዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ዝተኻየደ ኲናት ብዙሓት ወታሃደራትን ሲቪላትን ከምዝተቐተሉ መንግስቲ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ከይሓወሰ፡ ኣብ ትግራይ ንመንገዲ፣ ኤሌክትሪክ፣ ትምህርትን ጥዕናን 100 ቢልዮን ብር ወጻኢ ከምዝተገበረ ተዛሪቡ፡፡
ልዕሊ 5 ሚልዮን ነበርቲ እቲ ክልል ትግራይ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝደልዩ ኮይኖም፡ 350 ሽሕ ሰባት ካብኦም ኣብ ጫፍ ዓጸቦ ከምዘለዉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ነቲ ከቢድ ሓደጋ ጥምየት ኣንጸላልዩ ከምዘሎ ዝገልጽ ጸብጻባት ትካላት ረድኤት ብምንጻግ ሰብኣዊ ሓገዝ ይከፋፈል ከምዘሎ እዩ ክገልጽ ጸኒሑ፡፡