ቅልውላው ትግራይ፡ ድልድል ተከዘ መን’ዩ ኣፍሪስዎ?

ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንድልድል ተከዘ 'ሓይልታት ህወሓት' እዮም ኣፍሪሶሞ ክብል እንከሎ ሕቡራት ሃገራት ግን ነቲ ድልድል ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ከም ዘፍረሱዎ ጸብጻብ ከም ዝበጽሖ ገሊጺ።

እዚ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከብ ንሽረ ምስ ምዕራብ ትግራይን ጎንደርን ዘራኽብ ብልዕሊ ሩባ ተከዘ ዝሓልፍ ዓቢ ድልድል ከም ዝፈረሰ ዝተፈላለያ ትካላት ውሃብቲ ረድኤት ትማሊ ከጋውሓ ውዒለን።

እቲ ድልድል ከም ዝፈረሰ ካብ ዝሓበራ ትካላት ውሃብቲ ረድኤት፡ ዓለምለኻዊ ትካል ረድኤት ዓባይ ብሪጣንያን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣወሃሃዲ ሰብኣዊ ረድኤት ዝኾነ ኦቻን ይርከብአን።

እዘን ትካላት ምፍራስ እቲ ድልድል ኣብ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ዓቢ ዕንቅዳት ክፈጥር ከም ዝኽእል ዘለወን ስክፍታ ገሊጸን ኣለዋ።

"ነቲ ድልድል ህወሓት'ዩ ኣፍሪስዎ"

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ድልድል ህወሓት እዩ ኣፍሪስዎ ብምባል ንህወሓት ተሓታቲ ገይሩ ኣሎ።

ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ኮማንድ ፖስት ዝተመስረተ ክፍሊ ምጽራይ ሓቅታት "ድልድል ተከዘ ህወሓት ኮነ ኢሉ ኣፍሪስዎ" ዝብል መግለጺ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣስፊሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ "ህወሓት ነቲ መስርሕ ሰብኣዊ ረድኤት ኾነ ኢሉ ንምትዕንቃፍ ነቲ ድልድል ኣፍሪስዎ" ይብል።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣወሃሃዲ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝኾነ ኦቻ ብወገኑ፡ እቲ ንጎንደርን ንሽረን ዘራኽብ ደልድል ብፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ከም ዝዓነወ ዘብርህ ሓበሬታ ከም ዝበጽሖ ገሊጹ።

ኦቻ፡ ብዛዕባ ክልል ትግራይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ትግራይ ቀረብ ኢሌትሪክ ምቁራጹ፣ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ዘይምህላዉን ምስዚ ምፍራስ እዚ ድልድል ተተሓሒዙ ድማ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝግብር መስርሕ ሰብኣዊ ረድኤት ዓቢ ዕንቅፋት ከም ዝኸውን ሓቢሩ።

ኦቻ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሰራዊት ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ካብ ምዕራብ ትግራይ ኣይወጽኡን ኢሉ ኣሎ።

ኦቻ ብተወሳኺ፡ ኣብ ትግራይ ሕጽረት ነዳድን ጥረ ገንዘብን ከም ዘሎ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንኣት ኣብ መቀለን ዓዲግራት ዝካየድ ዝነበረ መስርሕ ምዕዳል ረድኤት ብምኽንያት ዕጡቃት ሓይልታት ከምዝተዓናቐፈ ሓቢሩ፡ ነቲ መስርሕ ናይ መን ወገን ዕጡቕ ዕንቅፋት ከምዝፈጠረ ግን ኣይሓበረን።

ኣብ ሞንጎ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር ዝጀመረ ኵናት ክሳብ ሎሚ መዕለቢ ኣይተረኸቦን።

ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ብዙሕ ከባቢታት ገዲፈምዎ ምስ ወጽኡ ሰራዊት እቲ ክልል 28 ሰነ 2021 ጀሚሩ ንከተማ መቐለ ትርከበን ብዙሓት ከተማታት እቲ ክልል ተቆጻጺርወን ከም ዘሎ ይፍለጥ።

ወሃቦ ቃል ሰራዊት እቲ ክልል ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መቐለን ካልኦት ከተማታት ትግራይን ተሳዒሩ ከም ዝወጽአ ክጸልጽ እንከሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ግን "ሰራዊት ተሳዒሩ ዘይኮነስ እቲ ወተሃደራዊ ስርሒት ስለ ዝተዛዘመ እዩ" ክብል ቅድሚ ሳልስቲ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።