እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ፡ ንከተማታት ሽረን ማይ ጸብርን ዘራኽብ ድልድል ተከዘ ከምዝፈረሰ ተገሊጹ
ትካል ገባሪ ሰናይ ኢንተርናሽናል ረስኪዩ ኮሚቴ (ኣይኣርሲ) ድልድል ተከዘ ምፍራሱ ከምዝሰመዐን፡ በቲ ዝበጸሐ ዕንወት ከምዝሓዘነን ገሊጹ፡፡
ኣይኣርሲ ሎሚ ብትዊተር ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ እቲ መስመር ካብቶም ናብታ ብሰንኪ ኲናት ኣብ ዓዘቕቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣትያ ዘላ ትግራይ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ኣዝዮም ወሰንቲ መገዲታት ሓደ ከምዝኾነ ገሊጹ፡፡
ምፍራስ እቲ ድልድል ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝገደደ ክተዓናቐፍ ዝገብር ከምዝኾነ ዝገለጸ እቲ ትካል: ‘‘ናብቲ ክልል ዘይተገደበ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክፍቀድ እጽውዕ’’ ኢሉ፡፡
ካልኦት ምንጪታት ቢቢሲ ብወገኖም ትማሊ ኣብቲ ከባቢ ኣብ መንጎ ሓይሊታት ትግራይን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ከቢድ ኲናት ከምዝነበረን ሎሚ ንጉሆ እቲ ንከተማ ሽረን ማይጸብርን ዘራኽብ ድልድል ከምዝፈረሰን ገሊጾም፡፡
ኲናት ትግራይ ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ድሕሪ ምውልዑ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ናትናዩ ዝብልዎ ሓያሎ ቦታታት ክልል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሮም ኣእትዮሞ ምህላዎም ይፍለጥ።
ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ተመዚዙ ዝነበረ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ'ውን ሓይልታት ኣምሓራ ካብቶም ዝሓዝዎም ከባቢታት ክወጹ ይጽውዑ ምንባሮም ይዝከር።
ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ካብ መቐለ ምስ ሰሓበ ሓይሊታት ምክልኻል ትግራይ ነታ ከተማ ሓዊሱ ብዙሓት ከባቢታት ትግራይ ተቖጻጺሮም ኣለዉ፡፡ መንግስቲ ንምስሓብ ሰራዊቱ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት‘ኳ እንተቕረበ እቶም ዕጡቓት ግን ከቢድ ስዕረት ስለዝበጽሖ ከምዝኾነ ይገልጹ፡፡
ሓይሊታት ፌደራል ካብ ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ምስ ሰሓቡ መንግስቲ እታ ሃገር በይናዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ኣዋጅ ዝኣወጀ ኮይኑ፡ ወሃቢ ቃል ሓይሊታት ምክልኻል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ግና ኩሎም ሓይሊታት ካብቲ ክልል ተጸራሪጎም ክሳብ ዝወጹ ኲናት ደው ከምዘየብሉ ንወኪል ዜና ሮይተርስ ገሊጹ ነይሩ፡፡
ብሰንኪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ልዕሊ 63 ሽሕ ሰባት መረበቶም ገዲፎም ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ዝተሰደዱ ኮይኖም ልዕሊ 1.7 ሚልዮን ድማ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ተፈናቒሎም፡፡
ብተወሳኺ ኣስታት 5 ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ዘድልዮም እንትኾን: ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ እቲ ክልል ኣብ ጫፍ ዓጸቦ ከምዘለዉ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት፡፡
ብተመሳሳሊ ኣስታት 30 ሽሕ ህጻናት ኣብ ሓደጋ ሞት ከምዘለዉ ትካል ኣድሕን ሕጹናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ንቢቢሲ ገሊጹ፡፡