ሰራዊት ኣመሪካን ኔቶን ኣብ ኣፍጋኒስታን ቀንዲ መዓስከሮም ካብ ዝነበረት ባግራም ወጺኦም

ሰራዊት ኣመሪካን ኔቶን ኣብ ኣፍጋኒስታን ካብታ ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ቀንዲ ደጀን መበገሲ ኵናት ኣንጻር ጣሊባንን ኣልቃዒዳን ዝነበረት መዓስከር ሓይሊ ኣየር ባግራም ጠቅሊሎም ወጺኦም።

እቶም ወተሃደራት ኣመሪካን ኔቶን ካብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ባግራም ምውጽኦም ኣብ ወርሒ መስከረም ጠቅሊሎም ክወጽኡ ምዃኖም ከም ምልክት ተወሲዱ ኣሎ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን 11 መስከረም ናይዚ ዓመት'ዚ ጥቅሊሉ ክወጽእ'ዩ ምባሉ ዝዝከር እዩ።

መዓስከር ሓይሊ ኣየር ባግራም ኣብ ሰሜን ካቡል ዝርከብ ኮይኑ ኣመሪካን ኔቶን ኣብ ኣፍጋኒስታን ካብ ዝመስረትዎ ዝዓበየ ደጀኖም'ዩ ነይሩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ሰራዊት ጣሊባን ኣብ ዝተፈላላየ ከባቢታት ኣፍጋኒስታን ቦታታት ኣብ ምሓዝ እዩ ዝርከብ።

ምስዚ ብምስናይ ብዙሓት ንውጥን ምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካን ኔቶን ካብ ኣፍጋኒስታን 'ኣይግዚኡን'ዩ' ኢሎም ዝገልጽዎ ኣለዉ።

ኣመሪካ ሰራዊታ ካብ ኣፍጋኒስታ ጠቅሊላ ከተውጽእ ዝወጠነትሉ ቀንዲ ምኽንያት ምስቲ ኣልቃዒዳ ኣብ 11 መስከረም 2001 ኣብ ኣመሪካ ኣስታት 3000 ዝሞቱሉ መጥቃዕቲ ዝፈጸመሉ መበል 20 ዓመት ንኽሳነ ተባሂሉ እዩ እቲ መዓልቲ ተሓርዩ።

ኣልቃዒዳ ኣብ 11 መስከረም 2001 መጥቃዕቲ ምስ ፈጸመ ብኣመሪካ ዝመራሕ ልፍናታዊ ሓይሊ ንዕጡቓት ኣልቃዒዳ ንምህዳን ናብ ኣፍጋኒስታን ከም ዝተዋፈረ ይዝከር።

ኣብዚ ሕጂ እዋን 2500 ክሳብ 3500 ዝኾኑ ኣመሪካውያን ወተሃደራት ኣብ ኣፍጋኒስታን ከምዘለዉ ክግመት እንከሎ፡ ምስቶም ኣብታ ሃገር ዘለዉ ኣስታት 7000 ሰራዊት ኔቶን መላፍንቲ ሃገራትን ክሳብ 11 መስከረም ኣብ ዘሎ ግዜ ጠቅሊሎም ክወጽኡ ምዃኑም እዩ ተገሊጹ።

ሰራዊት ኔቶን ሰራዊት ኣመሪካን ኣብዚ ሕጂ እዋን ንዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ርእሰ ከተማ ካቡል ኣብ ምሕላው እዮም ዝርከቡ።

ጸጥታዊ ኩነታት እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ መጻኢ ከመይ ይኹን ኣብ ዝብል ቀጻሊ ዘተታት ኣብ ምክያድ ይርከብ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ጣሊባን ሰፋሕቲ መሬት ኣፍጋኒስታን ኣብ መቁጽጻር ስለ ዝርከብ፡ ኣብ መጻኢ ኣብታ ሃገር ዳግማይ ኵናት ሕድሕድ ከይውላዕ ብኣግኡ ተሰጊኡ ኣሎ።