እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጆ ባይደን፡ 'ምስ ኣፍጋኒስታን ክንተሓጋገዝ ኢና፡ ወተሃደራዊ ግን ኣይኮነን'
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ጠቕሊሉ ምስ ወጽአ ኣመሪካ ንኣፍጋኒስታን ምሕጋዝ ከም ዘይተቋርጾ ተመጻቢዑ።
እንተኾነ እቲ ሓገዝ ወተሃደራዊ ከም ዘይከውን ኣነጺሩ።
ጆ ባይደን ካብቲ ኣመሪካ ኣብ 2001 ኣብ ልዕሊ ጣሊባን ደብዳብ ከተካይድ ትእዛዝ ዝተዋህሉ ዋይት ሃውስ ኮይኑ "እቲ ኣመሪካ ንነዊሕ ግዜ ከተካይዶ ዝጸንሐት ኵናት ከብቅዕ'ዩ" ከብል ተዛሪቡ።
ሰብ መዚ ኣመሪካ ምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ምስቲ ኣብ ልዕሊ ትሬድ ሴንተርን ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ (ፔንታጎን) ኣብ 11 መስከረም 2001 መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ዕለት ንክሳነ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን 11 መስከረም 2021 ከም ዝወጽእ ሓቢሮም።
ኣብ ኣፍጋኒስታን 9600 ሰራዊት ኔቶ ከም ዘለውን ካብኦም 2500 ሰራዊት ኣመሪካ ምዃኖም እዩ ዝጥቀስ።
ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝተዋፈረሩ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክብ ለጠቅ ክብል ዝጸንሐ ኮይኑ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ኣብ ኣፋጋኒስታን 3500 ሰራዊት ኣመሪካ ከም ዘሎ ይጠቅሳ።
ሰብ መዚ ኣመሪካን ኔቶን ግን ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከብ ጣሊባን ካብ ተጻባኢ ባህሪኡ ገና ከም ዘይተቆጠበ ይሕብሩ።
ሰብ መዚ ኣፍጋኒስታን ብወገኖም እቲ ምስሓብ ሰራዊት ኣመሪካ ክሳብ ዝፍጸም ምስ ጣሊባን ሰላማዊ ዘተ ንክገብሩ ጻዕሪ ክንገብር ኢና ኢሎም።
ፕረዚደንት ኣፍጋኒስታን ኣሽራፍ ጋህኒ ብረቡዕ ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ብቴሊፎን ከም ዝተዘራረብ ብትዊትር ሓቢሩ ኣሎ።
ንሱ "ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ክትወጽእ ንዝወሰደቶ ውሳነ ነኽብሮ ኢና፤ ልሙጽ ዝኾነ ምርኽካብ ንክህሉ ኸኣ ምስ መሻርክትና ኣመሪካ ብሓባር ክንሰርሕ ኢና" ኢሉ።
ፕረዚደንት ኣሽራፍ ጋህኒ ብምስዓብ "ሰራዊት ኣፍጋኒስታን ንህዝቡን ሃገሩን ንክኸላኸል እኹል ዓቕሚ ኣለዎ" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ካልእከ እንታይ ኢሉ?
ጆ ባይደን ነቲ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘካይዶ ዘሎ ኵናት ብፕረዚደንትነት ዝመርሐ ራብዓይ ፕረዚደንት ኣመሪካ እዩ።
ንሱ "ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘለና ህላወን ከነናውሖ ወይ ከነስፍሖ ኣይንኽእል" ኢሉ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብምስዓብ "ኣብ ኣፍጋኒስታን ወተሃደራዊ ህላወ ድኣሉ ዘይህልወና'ምብር ምስ ኣፍጋኒስታን ዝህሉ ዲፕሎማስያዊ ርክባትን እንህቦ ሰብኣዊ ሓገዛትን ክቅጽል እዩ፤ ብወተሃደራዊ ግን ኣይኮነን" ኢሉ።
ጆ ባይደን ን300 ሽሕ ሰራሕተኛታት ኣፍጋኒስታን ዝውሃብ ሓገዛት ከም ዝቅጽል'ውን ተመባጺዑ።
"ቅድሚ 20 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ዘሰንብድ ግበረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ስለ ዝተፈጸመ ኢና ናብ ኣፍጋኒስታን ሰራዊት ኣዋፊርና" ድሕሪ ምባል "ክሳብ 2021 ንምንታይ ኣብኡ ጸኒሕና ግን ምኽንያታዊ ኣይኮነን" ኢሉ።
ባይደን ብምስዓብ "ኣመሪካ ቅድሚ 20 ዓመታት ክትጥቃዕ እንከላ ዘይተወለዱ ወይ'ውን ህጻናት ብምንባሮም ዘይዝክርዎ'ዮም ሕጂ ሰራዊት ኮይኖም ኣብ ኣፍጋኒስታን ተዋፊሮም ዘለዉ" ብምባል ንንውሓት ናይቲ ኵናት ኣረዲኡ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ረቡዕ ኣማስይኡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ናይ ዝሞቱ 2488 ሰራዊት ኣመሪካ ተቐቢሮምሉ ናብ ዘለዉ ሃገራዊ መቓብር ኣርሊንግተን ምብጻሕ ኣካይዱ ነይሩ።
እቲ ምስሓብ ሰራዊት ኣመሪካ መዓስ እዩ ክኸውን?
ጆ ባይደን ነቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ 1 ግንቢት 2021 ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ጠቅሊሉ ክወጽእ ዝኣተዎ ውዕል ኣናዊሕዎ እዩ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ጣሊባን ዝኣተዎ ቃል እንተኣተግቢሩ (ኣልቃዒዳ ይኹኑ ካልእ ዕጡቓት ናብ ኣፍጋኒስታን ከይኣትዉ እንተገይሩን ምስ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ዘተ ውዕል ሰላማ እንተቀጺሉን) ኩሎም ኣብ ኣፍጋኒስታን ተዋፊሮም ዘለዉ ሰራዊት ኔቶ ኣብ ውሽጢ 14 ኣዋርሕ ካብ ኣፍጋኒስታን ክወጽኡ ዘገድድ ነጥቢ ኣለዎ።
ሰራዊት ጣሊባን ብመሰረት እቲ ስምምዕ ኣብ ልዕሊ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከቡ ሰራዊት ባዕዲ መጥቃዕቲ እኳ እንተኣቋረጾ ምስ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ዘካይዶ ዝነበረ ኵናት ግን ኣየቋረጾን።
ጣሊባን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እቶም ሰራዊት ባዕዲ ክሳብ ጠቕሊሎም ዝወጽኡ ኣብ ልዕሊኦም ዝገብሮ መጥቃዕቲታት ከም ዘየቋርጾ ኣፈራሪሑ ነይሩ።
ኣፍጋናውያንከ እንታይ ይብሉ?
ላዕለዋይ ሓላፊ ሃገራዊ ዕርቂ ኣፍጋኒስታን ዓብዱላህ ዓብዱላህ ንውጥን ምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ ኣመልኪቱ ብረቡዕ ምስ ሮይተርስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝተኻደ ኵናት ሰዓሪ የብሉን። እዚ ጣሊባን'ውን ክግንዘብዎ ኣለዎም" ኢሉ።
ኣብ መላእ ኣፍጋኒስታን ዝርከቡ ብዙሓት ኣፍጋናውያን ሰራዊት ኣመሪካ ካብታ ሃገር ክወጽእ ዝተዋህበ ውሳነ ከም ዘሰንበዶም ንራድዮ ቢቢሲ ኣፍጋን ሓቢሮም።
ሮእሳኒ ኡስማኖ ኣብቲ ምስ ኢራን ዝዳወብ ዞባ ሄራት ናይ ኣፍጋኒስታን እትነብር ኣፍጋናዊት ኮይና "ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ክወጽእ ዘፍቅድን ዝምችእን ኩነታት ኣይኮነን ዘሎ" ኢላ።
ብምስዓብ "ማሕበረሰብ ዓለም እቲ ክገብርዎ ዝግብኦም ዕማም ገና ኣይዛዘሙን ዘለዉ፡ ጣሊባን ስልጣን ክማቐል ኣብ ዝርርብ እዩ ዘሎ" ድሕሪ ምባል "ንሕና ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝሓፈስናዩ ዓወታት ክንከስሮ ንኽእል ኢና። ናብቲ ቅድሚ 20 ዓመታት ዝነበረ ዝሓለፈ ጸላም ከይንምለስ ገለ ውሕስነት ክህሉ ኣለዎ" ኢላ።
መሓመድ ኣስካረ ነባሪ ኣብ ሰሜን ኣፍጋኒስታን እትርከብ ከተማ ማዛር ኢ ሻሪፍ'ዩ።
"ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ክወጽእ እንተኾይኑ ብመደብ ክኸውን ኣለዎ፤ እንተዘይኮይኑ ግን ኣፍጋኒስታን ናብ ዝኸፈአ ኵናት ሓድሕድ ከተምርሕ ትኽእል እያ" ይብል።
ኣብ ዞባ ሰሜን ባግላን ዝነብር ወያር ብወገኑ "ሰራዊት ኣመሪካን ምስ ጣሊባን ኣብ ሓደ ስምምዕ ምስ ተበጽሐ'ዩ ክወጽእ ዝግበኦ፤ እንተዘይኮይኑ ግን እቲ ብሕጂ ኣብ ኣፋጋኒስታን ክውላዕ ዝኽእል ኵናት ካብ ኣፍጋኒስታን ሓሊፉ ንመላእ ዓለም ዝጸሉ ክኸውን ይኽእል እዩ" ኢሉ።