ቅልውላው ኣፍጋኒስታን፡ ኣብ ካቡል ዳያኑ ደቂ ኣንስትዮ ተቐቲለን

ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝሰርሓ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ዳያኑ ኣብ ከተማ ካቡል ብዝተተኮሰ ጠይይቲ ከምዝቐተላ ሰበስልጣን ሓቢሮም፡፡

እተን ደቂ ኣንስትዮ ሰንበት ንጉሆ ናብ ዝሰርሓሉ ቦታ ብመኪና ኣብ ዝጓዓዛሉ ብዕጡቓት ከምዝቐተላ ወሃቢ ቃል ሓደ ቤት ፍርዲ ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ፡፡

እቲ ካብ ቀረባ እዋናት ናብዚ ጋዜጠኛታት፣ ጎስጎስትን ፖለቲከኛታትን ዒላማ ገይሩ ዝፍጸም ዘሎ ቅትለት ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ወታሃደራቱ ካብ ኣፍጋኒስታን ብቐጻሊ ምስሓብ ምስጀመረ እዩ ተጓሃሂሩ ዘሎ፡፡

ቁጽሪ ኣብታ ሃገር ዝተረፉ ወታሃደራት ኣመሪካ 2500 ጥራሕ እንትኾን፡ እቲ ስጉምቲ ኣብታ ህድኣት ዘይብላ ኣፍጋኒስታን ተወሳኺ ዘይምርግጋእ ዝፈጥር ከምዝኾነ ምክትል ፕረዚደንት ኣፍጋኒስታን ኣብዚ ሰሙን ንቢቢሲ ተዛሪቡ እዩ፡፡

እተን ዳያኑ ብመን ተቐቲለን?

እተን ደቂ ኣንስትዮ ሰንበት ንጉሆ ብዝተፈጸመን ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ዝተቐተላ ኮይነን፡ እቲ መራሒ መኪና እውን ቆሲሉ እዩ፡፡

ነቲ ቓሊ ፋቱላህ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ካቡል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዛጊድ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን፡፡

እቲ ንመብዛሕተኦም ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈጸሙ ቅትለታት ፈጺሙ ክኾን ከምዝኽእል ዝጥርጠር ጣሊባን እውን፡ ዝሃቦ መግለጺ የለን፡፡

እቲ ናይ ሰንበት ንጉሆ ቅትለት ተወከልቲ መንግስቲ ኣፍጋኒስታንን ዕጡቓት ጣሊባንን ኣብ ዶሃ ዘተ ሰላም የካይዱ ኣብዘለዉሉ እዋን እዩ ተፈጺሙ ዘሎ፡፡