እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣፍጋኒስታን፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካቡል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦንባ ልዕሊ 60 ህጻናት ተቐቲሎም
ስድራቤታት ኣፍጋኒስታን ብቐዳም ኣብ ጥቓ ሓደ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦንባ ዝተቐትሉ ህጻናት ደቆም ክቐብሩ ቐንዮም።
እቲ መጥቃዕቲ ተመሃሮ ካብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝወጽኡሉ ሰዓት ዝተፈጸመ ብምንባሩ፡ መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ዝኾና ልዕሊ 60 ህጻናት ተመሃሮ ተቐቲሎም።
እዚ መጥቃዕቲ፡ መብዛሕትኡ ግዜ እስላማውያን ሚሊሻታት ሱኒ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፍጽምሉ ከባቢ ዝበጽሐ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ናይ ሕጂ ግን ሓላፍነት ዝወሰደሉ ኣካል የለን።
መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ንዕጡቓት ጣሊባን ተሓተትቲ ክገብር እንከሎ፡ ጣሊባን ግን ነጺጉዎ።
ዕላማ እቲ ብቐዳም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እንታይ ምዃኑ'ውን ግልጺ ኣይኮነን።
ኣመሪካ፡ 11 መስከረም 2021 ሰራዊታ ካብ ኣፍጋኒስታን ከም እተውጽእ ምግላጻ ይዝከር።
እቲ ሕጂ መጥቃዕቲ ተፈጺምሉ ዘሎ ምዕራባዊ ካቡል ማሕበረሰብ ሃዛራ ዝነብርሉ ኮይኑ፡ መብዛሕትኦም ሞንጎላውያንን ካብ ማእከላይ ኤዥያ ዝመጽኡን'ዮም።
ሺዓ እስላም ከም ዝኽተሉ ከኣ ይንገር።
ቅድሚ ሓደ ዓመት'ውን፡ ኣብ ሆስፒታል ክፍሊ መዋልዳን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 24 ኣዴታት፣ ህጻናትን ሕንጠያትን ተቐቲሎም'ዮም።
ብ2012 ብዕጡቓት ጣሊባን ኣብ ርእሳ ዝተሃረመት ተሸላሚት ኖቤል ማላላ ዮሱፍ፡ "ልበይ ምስ ስድራ ግዳያት እቶም ተመሃሮ'ዩ" ክትብል በቲ መጥቃዕቲ ዝተሰምዓ ሓዘን ኣብ ትዊተር ጽሒፋ።
እቲ ናይ መጀመርታ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣብ "መቓብር ሓርበኛታት" ክፍጸም እንከሎ፡ ግዳያት ኣብ ሓያል ስንባደ ከም ዝነበሩ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።
ሓደ ኤኤፍፒ ዘዘራረቦ ሓዘንተኛ፡ "ናብቲ መጥቃዕቲ ዘጋጠመሉ ቦታ ክበጽሕ እንከለኹ፡ ንርእሰይ ኣብ ማእከይ ኣስክሬናት'የ ረኺበዮ። ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ነይረን። ሓደ ኣብ ልዕሊ እታ ሓንቲ ተጸፋጺፈን ነይረን" ብምባል ተዛሪቡ።
እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብቲ ከባቢ ክልተ ተቐጻጸልቲ ነገራት ብምትካል ብመኪና ቦንባ ተፈጺሙ ክኸውን ይኽእል'ዩ ተባሂሉ ይእመን።
ዛህራ ዝተባህለት ውጻእ መዓት እቲ ሓደጋ ከጋጥም እንከሎ ካብ ቤት ትምህርቲ ትወጽእ ምንባራ ተዛሪባ።
"መማህርተይ ሞይቶም። ድሕሪ ዝተወሰኑ ደቓይቕ ካልእ ነትጒ ነይሩ፤ ቐጺሉ'ውን ካልእ ተሰሚዑ። ኩሉ የእዊ . . . ደም ከኣ ፎቖድኡ ክውሕዝ ጀሚሩ" ኢላ።
በቲ መጥቃዕቲ ልዕሊ 150 ሰባት ቖሲሎም። እታ ከተማ በዓል ዒድ ኣልፈጥር ንምኽባር ትዳሎ ከም ዝነበረ ጸብጻባት ካቡል ይሕብሩ።
ጣሊባን'ውን ብሰንበት፡ መፈጸምታ ቅዱስ ወርሒ ረመዳን ምኽንያት ብምግባር ንሰለስተ መዓልቲ ተኹሲ ደው ከም ዘብል ኣፍሊጡ ነይሩ።
ይኹን'ምበር፡ ኣመሪካ ሰራዊታ ካብ ኣፍጋኒስታን ከም እተውጽእ ካብ እትገልጽ ንነጀው ዝፍጸሙ መጥቃዕታት ወሲኾም ይርኣዩ።
ብቐዳም ምምሕዳር ኣመሪካ ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክኹንኖ እንከሎ፡ "ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ደው ክብል ንጽውዕ" ኢሉ።
ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኣፍጋኒስታን ብወገኑ፡ "ንደቂ ኣንስትዮ ተመሃሮ ቐዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዒላማ ምግባር፡ ኣብ መጻኢት ኣፍጋኒስታን ዝፍጸም መጥቃዕቲ ገይርካ'ዩ ዝቑጸር" ክብል ብትዊተር ገሊጹ።