ኲናት ኣፍጋኒስታን፡ ሰለስተ ደቂኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ሚድያ ተቐቲለን

ኣብ ኣፍጋኒስታን ከተማ ጃላላባድ፡ ኣብ መደበር ቴሌቪዥን ዝሰርሓ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝተቐተላ ተገሊጹ፡፡

እተን ካብ 18 ክሳብ 20 ዕድሚአን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ክልተ ዝተፈላለዩ ቦታታት ግን ዝተተሓሓዙ መጥቃዕቲታት ዝተቐተላ እንትኾን ሓንቲ ራብዐይቲ ድማ ቆሲላ ከምዘላ ጸብጻባት ሓቢሮም፡፡

ፖሊስ፡ ነቲ ዝትፈጸመ መጥቃዕቲ መሪሑ ዝበሎን ምስ ጣሊባን ርክብ ከምዘለዎን ዝገለጾ ዕጡቕ ከምዝኣሰረ ገሊጹ ኣሎ፡፡

ጣሊባን ግና ነቲ መጥቃዕቲ ከምዘይፈጸመ ገሊጹ፡፡

ኣብ ኣፍጋኒስታን ንጋዜጠኛታት፣ ተጣበቕቲ መሰላትን ፖለቲከኛታትን ዒላማ ዝገበሩ መጥቃዕቲታት ብቕጻሊ ክፍጸሙ ጸኒሖም እዮም፡፡

እተን ዝተቐተላ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቀረባ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርተን ዝዛዘማን ኢኒከስ ኣብ ዝተባህለ መደበር ቴሌቪዥን ዝሰርሓ ዝነበራን እየን፡፡

ኣሶሼትድ ፕረስ ከምዝጸብጸቦ ካብተን ግዳያት ሓንቲ ዝኾነት ሙርሳል ዋሂዲ፡ ናብ ገዝኣ እናኸደት እንተላ እያ ብዕጡቓት ተቐቲላ፡፡ ብተመሳሳሊ ሻህናዝን ሳህድያን ዝተባህላ ግድያት ድማ ኣብ ካልእ ከባቢ ናብ ገዝአን እናተመለሳ ተቐቲለን፡፡

‘‘ብጥይት ክውቀዓ ከለዋ ናብ ገዝአን ብእግረን እናተጉዓዛ ነይረን፤ ኩለን ሞይተን እየን’’ ኢሉ ኣካያዲ እቲ ቴሌቪዥን መደበር።

እታ ራብዓይቲ ድማ ብጽኑዕ ቆሲላ ኣብ ሆስፒታል ከምዘላ ሮይተርስ ጸብጺቡ፡፡

ነቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ይሃድኖም ከምዘሎ ዝሓበረ ፖሊስ፡ ነቲ ቀንዲ ተጥርጣሪ ኣብ ቀይዲ ኣውዒልዎ ከምዘሎ ሓቢሩ ኣሎ፡፡

‘‘ ክሃድም እትፍትን ኣሲርናዮ፡፡ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ተኣሚኑ ኣሎ፤ ኣባል ጣሊባን እዩ’’ ክብል ሓላፊ ፖሊስ ናንጋርሃር ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ፡፡

ወታሃደራት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ምውጸኦም ስዒቡ ኣብታ ሃገርን ዝፍጸሙ መሰል መጥቃዕቲታት አዐርዮም ከምዝወሰኹ እዩ ዝግለጽ፡፡