እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኣፍጋኒስታን ቁጽሪ ብነፈርቲ ዝተቐትሉ ንጹሃን ዜጋታት ብ300 ሚኢታዊት ወሲኹ
ኣብ ኣፍጋኒስታን ብኣመሪካን መሻርኽታን ካብ 2017 ጀሚሩ ብዝካየዱ ደብዳብ ነፈርቲ ህይወቶም ናይ ዝስእኑ ንጹሐን ዜጋተት ብዝሒ ብ330 ሚኢታዊት ሓፍ ከምዝበለ ሓደ ኣብ ኣመሪካዊ ትካል ዘካየዶ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።
ኣብ 2019 ጥራሕ፡ ኣስታት 700 ንጹሃን ከምዝተቐትሉ እቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብራውን ‘ዘ ኮስት ኦፍ ዋር ፕሮጀክት’ [ሳዕቤን’ቲ ኲናት] ብዝብል ዝካየድ መጽናዕቲ ኣፍሊጡ።
ንመጥቃዕቲ 9/11 ስዒቡ፡ ኣመሪካ ንኣፍጋኒስታን ካብ እትወራ ኣትሒዛ እዚ ቁጽሪ ዝለዓለ ከምዝኾነ እዩ ተገሊጹ።
እቲ መጽናዕቲ ዘካይድ ጉጅለ፡.ኣመሪካ ኣብ 2017 እትኽተሎ ዝነበረት ሕጊ ኣላሕሊሓ እዩ ዝብል።
ብኻሊእ ወገን፡ እቶም መጽናዕቲ ዘካይዱ ሰብ ሞያ፡ ኣብ ባይታ ቁጽሪ ወተሃደራት ስለዝነከየ እዩ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ወሲኹ ዝብሉ እንተኾኑ’ኳ፡ እቲ ዕላማ ተቓለስቲ ታሊባን ናብ ዘተ ንኽመጽኡ ጽዕንቶ ንምፍጣር ምዃኑ ይዛረቡ።
ነቲ መጽናዕቲ ዘካይድ ጉጅለ፡ ኣመሪካን ታሊባንን ፈላማይ ስምምዕ ካብ ዝኣስሩ ንደሓር ኣፍጋኒስታን ንርእሳ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ውግእ ወሲኻ ከምዘላ እዩ ዝዝረብ።
እቲ ኣብ ካቡል ዘሎ ማእኸላይ መንግስቲ ዛጊድ ምስቲ ጉጅለ ኣብ ዝርርብ እዩ ዝርክብ። እቲ መጽናዕቲ ዘካይድ ጉጅ'፡ ሓይሊ ኣየር ኣፍጋኒስታን ኣብ ታሪኽ እቲ ዘለዓለ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን የካይድ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ።
ኣብ 2020 ናይ መጀመርታ 6 ኣዋርሕ ጥራሕ፡ 86 ሰላማዊ ሰባት ዝተቐተሉ ኮይኖም፡ 103 ድማ መቑሰልቲ በጺሕዎም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ትካል ‘ሴቭ ዘ ቺልድረን’፡ ን14 መዓልታት ዝኣክል መዓልታዊ 5 ህጻናት ይቕተሉ ወይ ከኣ ይጉድኡ ዝብል ጸብጻብ ኣውጺኡ ነይሩ።
ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተረኽበ ሓበሬታ ድማ፡ ካብ 2005 ክሳብ 2019 ኣብ ዘሎ እዋን 26,025 ህጻናት ከምዝተቐትሉ የረድእ።