እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣፍጋኒስታን ኣሲራቶም ዝነበረት ኣባላት ጣሊባን ክትፈትሕ ጀሚራ
ኣፍጋኒስታን ነቲ ብዙሕ ክትዕ ክካየደሉ ዝጸንሐ፡ ምፍታሕ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣባላት ጣሊባን ነበር ዳግማይ ከምዝጀመረቶ ሓቢራ።
ሰብ መዚ ጣሊባን ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ጣሊባን ካብ ሰኑይ ጀሚሩ 200 ኣባላት ጣሊባን ምፍትሑ ኣረጋጊጾም።
ጣሊባን ብወገኖም ኣርባዕተ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ንዝነበሩ ኣባላት ኮማንዶ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ፈቲሖም ኣለዉ።
ኣብ ሞንጎ ጣሊባንን መንግስቲ ኣፍጋኒስታንን ክግበር ኣብ ዝጸንሐ ዘተታት፡ ኣብቲ ሃገር ንልዕሊ 19 ዓመታት ዝቀጸለ ኵናት ደው ንኽብል፡ 'እቶም ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ተኣሲሮም ዝርከቡ ኣባላት ጣሊባን ይፈትሑ' ዝብል ጠለብ ኣካል እቲ መዛተዩ ኮይኑ ከሰሓሕብ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ሕጂ ግን ገለ ክፋል ናይቶም ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኣባላት ጣሊባን ተፈቲሖም ስለዘለዉ ፡ እቲ ኣብ መንጎ ጣሊባንን መንግስቲ ኣፍጋኒስታትን ክግብር ዝተወጠነ ዘተ፡ ኣብ ዝምጽእ ቀረባ መዓልታት ኣብ ቀጠር ክካየድ ትጽቢት ተገይሩ ኣሎ።
ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ብዓል መዚ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ብሰኑይ ገለ ኣባላት ጠሊባን ከምዝተፈትሑ ብምግላጽ ኣብ ዝመጽእ ቁሩብ መዓልታት ድማ እቶም ዝተረፉ ከምዝፍትሑ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ኣፍጋኒስታን ነበር ሃሚድ ካርዛይ ነቲ ተበግሶ ዘለዎ ደገፍ ብምግላጽ “ኣወንታዊ ስጉምቲ ንሰላም ኣፍጋስታን’ ክብል ገሊጽዎ።
ኣብቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ መንጎ ጣሊባንን ኣሜሪካን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ጣሊባን ምስ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ክዛተ እንተኾይኑ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣፍጋኒሰታን ተኣሲሮም ዘለዉ 5000 ኣባላት ጣሊባን ክፍትሑ ዝብል ኣካል እቲ ስምምዕ ምኳኑ እዩ ዝፍለጥ።
መንግሰቲ ኣፍጋኒስታን ካብ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ እሱራት ክፈትሕ ከምዝጀመረን ኣብቲ ወርሒ 400 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝነብሩ ኣባላት ጣሊባን ከምዝፈተሐ ዝዝክር እዩ።
እቲ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ዝወስዶ ዘሎ ምፍታሕ እዞም እሱራት፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና መጥቃዕቲ ፈጺሞም እዮም ብምባል መንግስቲ ኣውስትራልያን ፈረንሳን ተቃዊመንኦ ኣለዋ።
ዋሽንግተን ፖስት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ካብዞም ዝተፈትሑ እቶም ሰለስተ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ኣካዶም ሞት ዘስዓቡ ከምዝርከብዎም ገሊጻ ነይራ።
ሰራዊት ጣሊባን፡ ኣብ 2001 በቲ ብኣሜሪካ ዝምራሕ ልፍንታዊ ሓይሊ ካብ ስልጣን እኳ እንተተኣለዩ ኣብዚ ሕጂ ኣዋን ዝዓበየ ስፍሓት መሬት ኣፍጋኒስታን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ።