ሰራሕተኛታት ቤተመንግስቲ ኣፍጋኒስታን ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም

ኣብ ቤተመንግስቲ ፕረዚደንት ኣፍጋኒስታን ዝሰርሑ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም ተባሂሉ።

ፈለማ 20 ሰራሕተኛታት ናይቲ ቤተመንግስቲ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ እኳ እንተተገለጸ፤ ብሰንበት ኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ግን በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ኣስታት 40 እዮም ኢሉ።

መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ብዛዕባ'ዚ ዝኾነ መግለጽን ርእይቶን ኣይሃበን።

ፕረዚደንት ኣሽራፍ ጋሃኒ፡ ዛጊድ በቲ ሕማም ተታሒዙ ድዩ ኣይተትሓዘን ኣይተፈልጠን።

እቲ ወዲ 70 ዓመት ፕረዚደንት እታ ሃገር፡ ኣብ 1990ታት ብምኽንያት ካንሰር ኣብ ከብዱ መጥባሕቲ ከምዝገበረ ዝፍለጥ እዩ።

ብቀዳም ሓደ በዓል መዚ መንግስቲ ንወኪል ዜና ፈረንሳይ "ኣብ ቤተመንግስቲ ናይቲ ፕረዚደንት ዝሰርሑ ኣስታት 20 ሰባት በቲ ቫይረስ ተታሒዞም እዮም። እንተኾነ፡ ስንባደ ከይፈጥር ብዝብል ተሸፋፊኑ ተሪፉ እዩ" ኢሉ።

ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ትዊተር ዝተዘርገሐ ምስሊ፡ ፕረዚደንት ኣሽራፍ ጋሃኒ ንኣኼባ ካቢነ ሚኒስትራቱ ብቪድዮ ክመርሖ ይርአይ።

ኣብቲ ዕለት ንሱ ንሰብመዚ ኢራን ብኣካል ከዘራርብ'ውን ተራእዩ እዩ።

ኣብታ ሃገር፡ ዛጊት 933 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ክኸውን ከሎ፡ 33 ድማ ምሟቶም ይግለጽ።

ስርዓት ጥዕና ኣፍጋኒስታን፡ ብሰንኪ ንዓመታት ዝቐጸለ ጎንጽን ኩናትን ዝተሃሰየ ኮይኑ፡ እታ ሃገር ምስቲ ዘለዋ ውሱን ዓቕሚ ምርመራ ብምትእስሳር እዚ ቁጽሪ ውሑድ እዩ ይብሃል።

ካብዚ ብተወሳኺ ድማ፡ ኣስታት 150,000 ኣፍጋናውያን በቲ ቫይረስ ኣዝያ ተሃስያ ካብ ዘላ ኢራን ናብ ሃገሮም ብምምላሶም፡ ካልኦት ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ድማ ካብ ፓኪስታን ስለዝተመለሱ፡ ለበዳ ናይቲ ቫይረስ ከይጋደድ ስግኣት ኣሎ።