ኣፍጋኒስታን፡ 175 ኣባላት ጣሊባን ክፍትሑ ምዃኖም ፕረዚደንት ጋኒ ኣፍሊጡ

መንግስቲ ኣፍጋኒስታን፡ ንሰላም ዘለዎ ጽቡቕ ድሌት ንምርኣይ፡ 175 ኣባላት ጉጅለ ጣሊባን ካብ ማእሰርቲ ክፈትሕ ምዃኑ ፕረዚደንት ኣሽራፍ ጋኒ ኣፍሊጡ።

ንሱ፡ ነቲ ብልምዳዊ ቤት ምኽሪ እታ ሃገር (ሎያ ጂርጋ) ዝቐረበሉ ጠለብ ንምምላስ'ዩ እቲ ስጉምቲ ዝወስድ ዘሎ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኩሉ ኣብ መንጎ መንግስትን ዕጡቓት ጣሊባንን ክካየድ ዝጸንሐ ተጻብኦታት ደው ክብል'ውን ጸዊዑ።

ይኹን 'ምበር፡ ክሳብ ሕጂ፡ ጉጅለ ጣሊባን ምስ መንግስቲ ቀጥታዊ ናይ ሰላም ዘተ ክገብር ፍቓደኛ ኣይኮነን።

እቲ ኣብ ቐጠር ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ሰላም ኣብ መንጎ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣባላት ናይቲ ዕጡቕ ጉጅለን'ዩ ዝካየድ ዘሎ።

እቲ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ እቲ ዝነውሐ ምዃኑ ዝንገረሉ ኲናት ኣፍጋኒስታን፡ ኣብ 2001፡ ድሕሪቲ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ብኣልቃዒዳ ዝተኻደ መጥቃዕቲ 9/11 ተጀሚሩ። ገና ድማ መዕረፊ ተሳኢንዎ፡ ፈኸም ይብል ኣሎ።

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ቀጥታዊ ዝርርብ ክካየድ ጸኒሑ ኣሎ። ሓደ ካብቲ ስምምዕ ክብጻሓሉ'ዩ ተባሂሉ ዝመነሉ ጉዳይ፡ ምውጻእ ናይ ኩሎም ናይ ወጻኢ ሓይልታትን፡ እንኮላይ ናይ ደገ ዕጡጣትን፡ ምዃኑ ይንገር።

እንተኾነ ግን፡ ዝኾነ ስምምዕ ንጣሊባን ናብ ስልጣን መጺኦም ነቲ ኣብ 2001 ካብ ስልጣኖም ካብ ዝዕለዉ ጀሚረን ደቂ ኣንስትዮ ዝተጓናጸፈኦ መሰላትን ናጽነታትን ንድሕሪት ከይመልስዎ ስክፍታ ፈጢሩ'ሎ።

ጣሊባን፡ ምስቲ "ናይ ኣመሪካ መጋበርያ" ኢሎም ዝጽውዕዎ መንግስቲ እታ ሃገር ክዘራረቦ ከም ዘይክእሉ ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።

ዛጊት፡ ብዛዕባ'ቲ ፕረዚደንት ጋኒ ዝገለጾ ምፍታሕ ኣባላት ናይቲ ጉጅለ'ውን ዝሃብዎ ግብረ መልሲ የለን።