እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣፍጋኒስታን፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ፖሊስ ካንዳሃር ብሓላዊኡ ተቐቲሉ
ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ጸጥታ ኣፍጋኒስታንን ሓላፊ ፖሊስ ካንዳሃርን ዝኾነ ጀነራል ኣብዱል ራዚቕ ብሓላዊኡ ተቐቲሉ።
ዕጡቓት ጣሊባን ነቲ ኣዛዚ ፖሊስን ንኣሜሪካዊ ኣዛዚ ጀነራል ስኮት ሚለርን ዕላማ ጌሮም ምንባሮም ብምግላጽ፡ ሓላፍነት እቲ መጥቃዕቲ ወሲዶም ኣለዉ። እቲ ኣሜሪካዊ ኣዛዚ ግና ካብቲ መጥቃዕቲ ኣምሊጡ ኣሎ።
በቲ መጥቃዕቲ ኣዛዚ ጸጥታ እቲ ዞባ ክቕተል ከሎ እቲ ከንቲባ'ውን ብጽኑዕ ቆሲሉ ኣሎ። ሰለስተ ኣሜሪካውያን'ውን ቆሲሎም ኣለዉ።
እዚ ኣብ ከተማ ካንዳሃር ዝተገብረ መጥቃዕቲ ቅድሚ እቲ ንሰንበት ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ሓፈሻዊ መረጻ እዩ ተኻይዱ።
ጣሊባን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንጀነራል ራዚቕ "ኣረሜናዊ ኣዛዚ ፖሊስ" እናበለ እዩ ዝጠቕሶ። እቲ መግለጺ ወሲኹ ንኣሜሪካዊ ጀነራል ሚለር'ውን ዕላማ ከም ዝገበረ ክገልጽ ከሎ፤ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣሜሪካ፡ ፔንታጎን ግና ክሒዱ።
እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሓላዊ ሽዑ ንሽዑ ተቐቲሉ።
እቲ ፍጻመ ንጣሊባን ከም ዓቢይ ዓወት ክርአ ከሎ፡ ንኣፍጋኒስታንን ኣሜሪካን ግና ከም ዓቢይ ጽፍዒት ኢዩ።
ኣብቲ መጥቃዕቲ ኣዛዚ ሰራዊት እቲ ዞባ'ውን ከም ዝተቐትለ ገለ ጸብጻባት ክሕብሩ ከለዉ፤ ኣሜሪካዊ ጀነራል ሚለር በቲ ለቢስዎ ዝነበረ መከላኸሊ ድሒኑ ክኸዉን ከም ዝኽእል ይግለጽ። ሰራዊት ኣሜሪካ ምቑሳሉ ጥራይ ኢዩ ገሊጹ ዘሎ።
ብኣሜሪካ ዝምራሕ ወትሃደራዊ ምትእትታዉ ኣብ ኣፍጋኒስታን ካብ ዝተገብረሉ ካብ 2001 ንደሓር፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ኣሜሪካ ወይ'ውን ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ ክርከብ እዚ ናይ ፈለማ እዩ።
ኣዛዚ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣሜሪካ ጂም ማቲስ፡ እቲ መጥቃዕቲ ንምንቅስቓስ ሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ከም ዘይጸሉ ገሊጹ።