እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ወታሃደራዊት ነፋሪት ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ተሓምሺሻ
እታ ብሰኑይ ኣብ ኣፍኒስታን ወዲቓ ዝተሓምሸሸት ናቱ ምዃና ሰራዊት ኣመሪካ ተኣሚኑ።
ብናይ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ወዲቓ ኣንተኾይና ዝሃብዎ ገና ከም ዘይተነጸረ ሰብመዚ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ፡ ፔንታጎን ተዛሪቦም።
ኣቐድም ኣቢሉ፡ ሰብመዚ'ቲ ዝወደቐትሉ ከባቢ፡ እታ ነፋሪት ናይቲ ብመንግስቲ ዝውነን መንገዲ ኣየር ኣርያና ምዃና'ኳ እንተ ተዛረቡ፡ እቲ መንገዲ ኣየር ግን፡ ዝወደቐት ነፋሪት ከም ዘይብሉ ብምግላጽ ነቲ ጸብጻብ ነጺግዎ'ዩ።
ጉጅለ ጣሊባን፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታቶም ኣብ ዝለጠፍዎ ስእላዊ ሓበሬታ፡ እታ ወዲቓ ዝባህለት ነፋሪት፡ ቦምባርዴር E-11A ዝዓነታ ናይ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ምልክት ዘርኢ'ዩ።
ከምዚአን ዓይነት ነፈርቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ሰራዊት ኣመሪካ ንኤለክትሮኒካዊ ስለያ ከም ዝጥቀመለን ይግለጽ።
እታ ነፋሪት፡ ኣብ ደቡባዊ-ምዕራብ ርእሰከተማ ካቡል ኣብ ዝርከብ ኣውራጃ ጋዝኒ፡ ድህ ያክ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ'ያ ወዲቓ ክብል ኣፈኛ ዞባዊ ምምሕዳር ንማዕከናት ዜና'ታ ሃገር ሓቢሩ።
ኣፈኛ ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሴትድ ፕረስ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኩነታትን ዋንነትን እታ ነፋሪት ንጹር ከም ዘይኮነ ተዛሪባ።
እታ ነፋሪት፡ ናይ ኣርያና ዝተባህለ መንገዲ ኣየር ከም ዝኾነት ተገሊጹ'ዃ እንተነበረ፡ እቲ ኩባንያ ግን ሓቂ ኣይኮነን ክብል ገሊጹ'ሎ።
"ኩለን ኣብ በረራ ዝነበራ ነፈርቲ መንገዲ ኣየር ኣርያና፡ ኣብ ማዕልቦአን በጺሕን'የን፡ ዝወደቐት የብልናን" ክብል ወኪል ናይቲ መንገዲ ኣየር ተዛሪቡ።
"ስለዚ፡ እታ ዝወደቐት ነፋሪት ናይ መንገዲ ኣየር ኣርያና ኣይኮነትን"
ኣፈኛ ጉጅለ ጣሊባን፡ ዛቢሁላህ ሙጃሂድ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እታ ነፋሪት ኣበይ ከም ዝወደቐት ከረጋግጹ ከም ዘይከኣሉ ተዛሪቡ።
ዛጊት፡ ብዛዕባ ጠንቂ ናይቲ ሓደጋን ዝወረደ ጉድኣትን ዝተዋህበ ንጹር ሓበሬታ የለን።