ሎሚ ንሰላም ኣፍጋኒስታን ዝላዘቡ ሓሙሽተ እሱራት ጓንታናሞ ነበር

ድሕሪ ናይ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ማእሰርቲ፡ ነቲ ፕረዚደንት ትራምፕ 'ፍጹም መወዳእታ ዘይበሉ ኲናት' ዝበሎ ኲናት ንምውዳእ፡ ብዛዕባ መስርሕ ሰላም ንምዝታይ ምስቶም ኣብ ዓውደ ኩናት ማሪኾሙዎም ዝነበሩ ኣብ ሓደ ጣውላ ተቐሚጦም ኣለዉ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ቀጠር ደውሓ፡ ሓሙሻይ ዙርያ ዘተ ሰላም ኣሜሪካን ጣሊባንን ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ግዜ፡ እቶም ብ ''ሓሙሽተ ጓንታናሞ'' ዝፍለጡ ልኡኻት ጣሊባን ፍሉይ ኣቓልቦ ፈጢሮም ኣሎዉ።

እዚኣቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ጣሊባን ኮይኖም፡ ድሕሪ ምውዳቕ'ቲ ስርዓት ኣብ 2001 ዝተማረኹ ኮይኖም፡ ኣብቲ ሕማቕ ዝውረየሉ ቤት ማእሰርቲ ጓንታናሞ ኣብ ኲባ ን 13 ዓመት ዝተኣስሩ ኢዮም።

ንሳቶም ኣብቲ ኣካታዒ ዝነበረ ምልውዋጥ እሱራት፡ ብ2014 ኢዮም ንቐጠር ተላኢኾም። ኣብዚ ምልውዋጥ፡ በቶም ዕጡቃት ተማሪኹ ዝነበረ ኣሜሪካዊ ሰርጌንት ቦው በርዳል ዘካተተ'ዩ ነይሩ።

ከም ኣካል ስምምዕ ናይቲ ምልውዋጥ፡ እዚኣቶም ካብ ሽዑ ጀሚሮም ካብ ዓይኒ ህዝቢ ተኸዊሎም፡ ምንቅስቃሶም ብቐጠራውያን ምክትታል እናተገብረሉ፡ ኣብ ቐጠር ኢዮም ዘለዉ።

ዋላ እኳ ስድራቤቶም ኣብ ደውሓ እንተ ተጸንበርዎም፡ ንወጻኢ ሃገራት ክገሹ ግን ኣይፍቀደሎምን ኢዩ።

እዞም ኣብቲ ተዋጋኢ ጉጅለ ጣሊባን ተረታዊ ጽፍሒ ዘለዎም ሓሙሽተ ሰባት፡ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ምስ ግብረ-ሽበራ ዝተኣሳሰር ክሲ ኢዮም ካብ ጓንታናሞ ተለቒቖም።

ንምዃኑ እዞም ''ሓሙሽተ ናይ ጓንታናሞ'' መን'ዮም ?

እዚኣቶም ኣብ ግዜ ወራር ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኣፍጋኒስታን ኣብ 2001፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ወይ ላዕለዎት ወተሃደራውያን መኮንናት ጣሊባን ዝነበሩ ኢዮም።

  • ሓመድ ፋዝል፡ ኣብ 2001 ኣብ ወራር ኣሜሪካ፡ ምክትል ሚኒስተር ምክልኻል ኮይኑ ዘገልገለን ቅትለት ሲቪል ብዘጠቓለለ ዝተፈላለየ ገበናት ውግእ ዝኽሰስ'ዩ።
  • መሓመድ ናቢ ዖማሪ፡ ምስ መርበብ ሓቓኒ ጥቡቕ ርክብ ከም ዘለዎን፡ ኣብ መጥቃዕቲ ኣንጻንር ኣሜሪካን ሓይልታት ልፍንትን ከም ዝተሳተፈን ይውንጀል።
  • ሙላ ኑሩላ ኖሪ፡ ላዕለዋይ ወታደራዊ መኮንን ጣሊባን ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣመሓዳሪ ክፍለ ሃገር'ውን ነይሩ። ኣብ ጃምላዊ ቅትለት እስላም ሸዓን ካልኦትን ኢድ ነይሩዎ ተባሂሉ ድማ ይኽሰስ።
  • ዓብዱል ሓቕ ዋሲቕ፡ ናይ ጣላቢን ምክትል ሓላፊ ስለያ ዝነበረ'ዩ። ምስ ካልኦት እስላማውያን ጉጅለታት ኪዳን ኣብ ምፍጣር፡ ዋና ተዋሳኢ ምንባሩ ይዝረበሉ።
  • ካይሩላህ ካይርክዋ፡ ሚኒሰተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኮይኑ ዘገልገለ'ዩ፡ ክንቲባ ናይታ ሳልሰይቲ ዝዓበየት ከተማ ኣፍጋኒስታን ዝነበረ ውን'ዩ።

ዋላ እኳ ንኣሜሪካን ረብሓታታን ስግኣት ኢዮም እንተ ተባህሉ፡ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ባራክ ኦባማ ግና ኣብቲ ቀጠር ዝሸምገለቶ ስምምዕ ኣብ 2014 ነዞም ሓሙሽተ ክፈትሖም ተሰማሚዑ።

መንግሰቲ ቀጠር ብቐረባ ክከታተሎም ብዝኣተዎ መብጽዓ መሰረት ድማ ናብ ደውሓ ተወሲዶም።

ምስኦም ቅርበት ዘለዎም ወገናት፡ ድሕሪ ናይ ዓሰርተ ክልተ ዓመት ማእሰርቲ፡ እሞ ድማ ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ሸላ ዝተኣስሩ ሰባት፡ ምስ ዓለም ንምዝራብ ብቅዓት ከምዘይብሎም ኢዮም ዝገልጹ።

መሪሕነት ጣሊባን፡ ኣብ ጥቅምቲ 2018 ኣባላት ናይቲ ኣብ ደውሓ ዝመደበሩ ፖለቲካዊ ኮምሽን ገይሩ መሪጽዎም።

'ስልጣን'

ሕጂ ድማ ኣብ ዘተ ስላም፡ ምስ ኣሜሪካ ንጣሊባን ወኪሎም ኣለው። እዞም ኣብዚ ዘተ ዝሳተፉ ዘለው 'ሓሙሽተ እሱራት ጓንታናሞ እቶም ዝልዓሉ ስብ መዚ ኣይኮኑነ።

እቲ ንፖለቲካዊ ኮምሽን ዝመርሕ ዘሎ ሰብ ውን፡ ምሩኽ ዝነበረ ኢዩ።

ሙላ ዓብዱል ጋኒ ባራዳር፡ ኣብ ቤት ማእሰርትታት ፓኪስታን ንልዕሊ ሸሞንት ዓመታት ዝተኣስረ ኮይኑ፡ ኣብዚ ናይ ሰላም ዘተ ንክሕግዝ እዩ ኣብ ጥቅምቲ 2018 ተፈቲሑ።

ንሱ ሓደ ካብ መስረቲ እዚ ጉጅለ ኮይኑ፡ ሕጂ ድማ ምክትል ሓለቓ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኣሎ።

ሙላ ባራዳር ስልጣን ኣለዎ። ሓሰን ሓቅያር ክም ዝገለጾ፡ ኣብዚ ሐጂ እዋን ተዛተይቲ ጣሊባን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ'ቲ ዘተ ካብ ላዕሊ መምርሒ የድልየና ኢዩ ብማለት ዘተ ኣየቋርጹን ዘለው።

ዝነወሐ ኲናት

ጉጅለ ተዛተይቲ ኣሜሪካ፡ ብፍሉይ ልኡኽ ዕርቂ ኣፍጋኒስታን፡ ብዛላመይ ካሊልዛድ ዝምራሕ ኮይኑ፡ ተልእኹኡ ድማ፡ ንቲ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ዝነውሐ ከም ዝኾነ ዝንገረሉ ኲናት መኸተምታ ንምግባኣር ኢዩ።

ኣሜሪካ፡ ድሕሪ መጥቃዕቲ 11 መስከረም 2001 ንጣሊባን ንምጽራግ ንኣፍጋኒስታን ወሪራታ። እንተኾነ እቲ ብዙሓት ሃገራት ዝደገፈኦን ዝተሳተፈኦን ኩናት 17 ዓመታት ገይሩ ክነሱ ክሳብ ሕጂ ኣይተወደአን።

ጣሊባን እውን ፈጺሙ ኣይተሳዕረን። ብፍላይ ካብ 2014 ንደሓር ሓያሎ ናይ ግዳም ሓይልታት ካብታ ሃገር ስለዝወጽኡ ጣሊባን እናሓየለ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ።

እዚ ጉጅለ ኣብ 2001 ካብ ስልጣን ካብ ዝእለ ንደሓር ኣብዚ እዋን እዚ ዝሰፍሐ መሬት ተቖጻጺሩ ከምዘሎ ይንገር።

ዋና ጠለባት

ኣብዚ ዘተ ክልተ ዋና ጠለባት ኢየን ቀሪበን ዘለዋ።

ጣሊባን፡ ኩሎም ወተደራት ወጻኢ ካብ ኣፍጋኒስታን ክወጽኡ ከም ቅድመ ኩነት እዚ ዘተ ከቀምጦ እንከሎ፡ ኣሜሪካ ድማ ብወገና፡ ጣሊባን ንኣሜሪካን መሻርኽታን ስግኣት ንዝኾኑ እስላማውያን ዑጡቓት ኣብታ ሃገር ከም ዘይንቀሳቀሱ ብምግባር ውሕስነት ክህባ ትሓትት።

ጣሊባን፡ ካብ ነዊሕ እዋን ኣተሒዙ፡ ምስ ኣሜሪካ ጥራይ ዘተ ሰላም ከካይድ ከምዝደሊ ክገልጽ ጸኒሑ ኢዩ።

ኣመሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሓምለ፡ ምስ ጣሊባን፡ ሰበ ስልጣን ኣፍጋኒስታን ዘይብሉ ቀጥታዊ ዘተ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ እቲ "ንጣሊባን ምስዓር" ዝበል ዝነበረ ናይ ወጻኢ ፖሊሲኣ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ቀይርዎ ኢዩ።

ፐርሲደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቲ ንኣሜሪካ፡ ዓመታዊ 50 ቢልዮን ዶላር ክሓታ ዝጸንሐ 14000 ሰራዊታ ዘዋፈረትሌ ኲናት ንምውዳእ ህንጡይነት ኣርእዩ ኢዩ።

ስለዝኾነ ከኣ እዩ ምስ ጣሊባን ቀጥታዊ ዘተ ዘካይድ ዘሎ። እዚ ኣብ ዝሐለፈ ኣርባዕታ ዙር ዘተ ዝተራእየ ምዕባለን እዚ ሕጂ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ጣሊባን ዝሳተፉዎ ዘለው ዘተን ዓቢ ተስፋ አሕዲሩ ምህላዉ ከኣ ይዝረብ ኣሎ።