እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣፍጋኒስታን፡ ክልተ ወታሃደራውያን ሄሊኮፕተራት ኣብ ሰማይ ተጋጭየን
ኣብ ኣፍጋኒስታን ክልተ ውጉኣት ኲናት ዘግዕዛ ዝነበራ ክልተ ወታሃደራውያን ሄሊኮፕተራት ንሓድሕደን ተጋጭየን ከም ዝወደቓ ሰበስልጣን ሓቢሮም።
ኣብቲ ሓደጋ ብውሕዱ 9 ኣብተን ሄሊኮፕተራት ዝነበሩ ወታሃደራት ከምዝሞቱ ተፈሊጡ'ሎ።
ጠንቂ ናይቲ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ናዋ ዝተባህለ ቦታ ዘጋጠመ ግጭት ቴክኒካዊ ምዃኑ ተገሊጹ።
ዕጡቓት ጣሊባንን ብነፈርቲ ወግእ ኣመሪካ ዝድገፉ ሓይልታት መንግስትን ካብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ጀሚሮም ኣብ ከባቢ ርእሰከተማ ዞባ ሄልማንድ ከቢድ ውግእ የካይዱ ኣለዉ።
መጥቃዕቲ ሓይልታት ጣሊባን ንርእሰከተማ ናይቲ ዞባ ዝኾነት ላሽካር-ጋህ ንምቁጽጻር ዝዓለመ'ዩ።
ልዕሊ 35,000 ሰባት ካብቲ ከባቢ ተፈናቒሎም ከምዝወጹ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ሃገር ሓቢሩ'ሎ።
ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ቐጠር ድሕሪ ዝገበርዎ ዝርርብ ሰላም ካብ ዝተገብረ ውግእ እዚ እቲ ዚሓየለ ምዃኑ ይጥቀስ።
ብዛዕባ ኣገባብ ምቁራጽ ተጻብኦታት ይኹን፡ ተኽእሎ ምምስራት ናይ ሓባር መንግስቲ ክሰማምዑ ኣይካኣሉን።
ኣዛዚ ሰራዊት ወታሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ፡ ኔቶ፡ ኣመሪካዊ ጀነራል ስኮት ሚለር፡ ጉጅለ ጣሊባን ንመስርሕ ዝርርብ ሰላም ንምኹላፍ መጥቃዕቲ ምጅማሩ ኮኒኑ ነይሩ።
ኣብ ጥቓ ሄልማንድ ኣብ እትርከብ ዞባ ካንዳሃር ብዝተኻየደ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ'ውን መስመራት ቴለፎንን ኤለክትሪክን ካብ ስራሕ ወጻኢ ምዃኖም ጸብጻባት ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።