ኲናት ኣፍጋኒስታን፡ ምስ ጣሊባን 'ታሪኻዊ' ዘተ ይካየድ ኣሎ

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኣፍጋኒስታንን ጉጅለ ጣሊባንን ክካየድ'ዩ ዝተባህለ ዘተ ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ምድንጓይ ኣብ ቀጠር ጀሚሩ።

ኣብ ጽምብል መኽፈቲ እቲ ዘተ ንምስታፍ ናብ ዶሓ ዘምርሐ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐዮ ነቲ ዘተ "ታሪኻዊ" ክብል ገሊጽዎ።

እቲ ዝርርብ ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ጣሊባንን ዝተበጽሐ ናይ ጸጥታ ስምምዕ እዩ ክጅምር ነይርዎ።

ኣብ ጉዳይ ምልውዋጥ እሱራት ዝጸንሐ ዘይምርድዳእ፡ ምስቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይምርግጋእ ተወሲኽዎ ነቲ መስርሕ ከጓትቶ ጸኒሑ።

ወኪል መንግስቲ ኣፍጋኒስታን፡ ብዓርቢ 11 መስከረም ናብ ዶሓ ኣምሪሑ።

ኣብታ ዕለት ቅድሚ 19 ዓመት፡ ጣሊባን ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ ሓያል መጥቃዕቲ ምፍጻሙ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ፍጻመ ንምብቃዕ መሪሕነት ጣሊባን ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣስዒቡ እዩ።

መራሒ እቲ ጉጅለ፡ ኣብዱላ ኣብዱላ፡ "ንፍትሓውን ግሩም ሰላም" ከም ዘንቀዱ ተዛሪቡ።

ጣሊባን፡ ብሓሙስ ናይ መወዳእታ ሽዱሽተ እሱራቱ ምስ ተፈትሑ፡ ኣብቲ ኣኼባ ከም ዝሳተፍ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ካብቲ ርክብ እንታይ ክንጽበይ ንኽእል?

እዚ ፈላሚ ኣብ መንጎ ጣሊባንን ወከልቲ መንግስቲ ኣፍጋኒስታንን ዝግበር ርክብ እዩ። እቶም ዕጡቓት፡ እቲ መንግስቲ ዓቕሚ ዘይብሉን ናይ ኣሜሪካ መሳርሕን እዩ ብምባል ምስቲ መንግስቲ ምርኻብ ክነጽጉ እዮም ጸኒሖም።

ክልቲኦም ወገናት፡ ንፖለቲካዊ ዕርቅን ነቲ ኣብ 1979 ብወራር ሶቭየት ሕብረት ዝጀመረ ንዓመታት ዝዘለቐ ጎንጺ መዕለቢ ክገብሩሉ ይደልዩ።

እቲ ርክብ ኣብ መጋቢት ክካየድ እኳ እንተነበሮ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ስምምዕ ኣሜሪካን ጣሊባንን ዝተበጽሐ ምልውዋጥ እሱራት ዝተላዕለ ዘይምርድዳእን ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይምርግጋዕን ክሰጋገር ጸኒሑ።

እቲ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ጣሊባንን ዝተበጽሐ ስምምዕ ርእሱ ዝኸኣለ እኳ እንተኾነ ምስዚ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ግና ይግለጽ።

ኣብቲ ስምምዕ ጣሊባን ውሕስነት ጸረ-ግብረሽበራ ክህብ ኣምሳይኡ ድማ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብታ ሃገር ዝስሕቡሉ ሰሌዳ ተቐሚጡ ኣሎ።

እቲ ስምምዕ ናይ መወዳእታ መልክዑ ንኽሕዝ ልዕሊ ዓመት ከም ዝወሰደሉን፡ እዚ ኣብ መንግስትን ጣሊባንን ዝግበር ርክብ ድማ ዝተሓላለኸን ዝያዳ ግዜ ዝወስድን ከም ዝኸውን ይግመት።

ብዙሓት ድማ ኣብቲ መስርሕ እቲ ኣብ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝተረኽበ ተነቃፊ ግስጋሰ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ከም ዝኽእል ይዛረቡ።

እቲ ርክብ ንጣሊባን እውን፡ ነታ ሃገር ዝጭበጥ ፖለቲካዊ ራእይ ሒዙ ክቐርብ ስለዝጠልብ በዳሒ ክኸውን እዩ። ዛጊት "እስላማዊ" ግን ከኣ "ኣሳታፊ" መንግስቲ ከም ዝደልይ ዝገልጽ ጣሊባን ብንጹር መርገጺኡ ኣይፍለጥን።

እቲ ዝርርብ፡ እቲ እስላማዊ ጉጅለ ካብቲ ነተ ሃገር ብጽኑዕ ሕጊ ሸሪዓ ዝመርሓሉ 1990ታት ክሳብ ክንደይ ከም ዝተለወጠ ከርእይ ክኽእል እዩ።