እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ፡ "ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ንዓጸቦ ተቓሊዖም" ውድብ ሕቡራት ሃገራት
ሰብ መዚ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ንዓጸቦ ተቓሊዖም ከምዘለዉ ገሊጾም።
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንኹነታት ትግራይ ኣመልኪቱ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዘካየዶ ፈላማይ ኣኼባ፡ ኣብታ ክልል 33 ሽሕ ዝኾኑ ህጻናት ብጉድለት ምኣዛዊ መግቢ ማሲኖም ከምዘለዉ ገሊጹ።
ብዘይካ እዚ ኣስታት 1.8 ሚልዮን ካብ ህዝቢ እቲ ክልል’ውን ብሰንኪ እቲ ኣብ'ታ ክልል ንሸሞንተ ወርሒ ዝተኻየደን ዝቅጽል ዘሎን ኵናት ሓደጋ ዓጸቦ ኣንጸላልይዎም ከምዘሎ ሰብ መዚ ሕቡራት ሃገራት ኣብሪሆም።
መንግስቲ ፈዴራል ዋላ እኳ ብሰኑይ በይነኣዊ ቶኵሲ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ወሲዱ እንተሃለወ፡ እቲ ኵናት ብሕጂ’ውን ከይቅጽል ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዘለዎ ስክፍታ ገሊጹ ኣሎ።
እንተኾነ ዋላ እኳ እቲ ምልውዋጥ ቶኵሲ ደው ክብል ዓለምለኻዊ ጸቅጥታት እንተሃለወ፡ እቶም ኣብ ትግራይ ኮይኖም ኣንጻር መንግስቲ ዝቃለሱ ዘለዉ ሓይልታት ትግራይ፡ ነቶም ‘ጸላእትና’ ዝብልዎም ካብታ ክልል ክሳብ ዝወጽኡ ቃልሶም ከምዘይቋርጹ ስለዝገለጹ ሓሓሊፉ ምልውዋጥ ቶኵሲ ይካየድ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምርሑ ሓይልታት ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ኣሽሓት ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ሚልዮናት ኸኣ ካብ ቤት ንብረቶም ንክፈናቐሉ ምኽንያት ኮይኑ’ዩ።
ኩሎም እቶም ኣብቲ ኵናት ዝተሳተፉ ሓይልታት ብጃምላዊ ቅትለትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ዝርከብዎም ገበናት ፈጺሞም ተባሂሎም ይኽሰሱ’ዮም።
ብዓርቢ ኣሽሓት ምሩኻት ወተሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ርእሰ ከተማ መቐለ ተሰሪዖም ከምዝሓለፉ ኒው ዮርክ ታይምስ ኣብ ገጻቱ ኣስፊሩ።
ምክትል ላዕለዋይ ሓላፊ ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት ራመሽ ራጃሲንግሃም፡ ኣብቲ ብዓርቢ ዝተኻየደ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ቀሪቡ፡ ናይ ትግራይ ኩነታት ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሳምንታት ብሃንደብት ናብ ኣዝዩ ዝኸፈአ ደረጃ ምንቁልቋሉ ንተጋባእቲ ገሊጹ።
ራመሽ ራጃሲንግሃም “እቲ ዞባ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርታተት ዓመታት ኣጋጢምዎ ዘይፈልጥ ዓጸቦ’ዩ ኣጓኒፍዎ ዘሎ” ኢሉ።
ንሱ ብምስዓብ “መብዛሕትኦም ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝኾኑ ኣስታት 5.2 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ የድልዮም ኣሎ” ኢሉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዛት ከይሓልፍ ይኽልክል ኣሎ ንዝብል ክሲ ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ምንጻጉ ይዝከር።
ትግራይ፡ መሰረታዊ ነገራት
- ኢትዮጵያ ኣብ ዓሰርተ ክልላት ዝተኸፋፈለት ኮይና፡ እተን ክልላት ብማእከላይ መንግስቲ እናተማእከላ ሓውሲ ርእሰ ምምሕዳር እየን ዝኽተላ።
- ኣንጻር እቲ ብኢህወደግ ዝምራሕ መንግስቲ ተቓውሞታት ምስ ነሃረ፡ ኣብ 2018 ኣብይ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ተኪኡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ተመሪጹ፡ ብዙሕ ለውጥታት ኸኣ ኣታኣታትዩ።
- ኣብታ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ እትርከብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ጸለውቲ ፖሎቲከኛታትን መራሕቲ እቲ ክልልን ግን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ንክልላት ናጽነተን ኣንፊጉ፡ ንሓይሊ ፌዴራላዊ መንግስቲ ይድርዕ ኣሎ ብምባል ዘለዎም ተቓውሞ ኣስሚዖም።
- ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር 2020፡ መንግስቲ ኢትዮጰያ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ መዓስከራት ሰሜን እዚ ናይ ፈዴራል ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ዝበሎም ሓይልታት ትግራይ ኵናት ኣዊጁ።
- ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ፌዴራል ብ28 ሕዳር 2020 ንመቐለ ምስ ተቖጻጸርዋ እቲ ወተሃደራዊ ስርሒት ከምዝተዛዘመ ብወግዒ ሓቢሩ፡ እንተኾነ እቲ ኵናት ኣይተዛዘመን፡ ኢትትዮጵያ 21 ሰነ ምርጫ ኣብ ተካይደሉ ዝነበረት እዋን ኣብ ክልል ትግራይ ዲቕ ዝበለ ኵናት’ዩ ዝካየድ ነይሩ።
- እቶም ብህወሓት ዝምርሑ ተቃወምቲ ሓይልታት ትግራይ 28 ሰነ ንርእሰ ኸተማ እቲ ክልል ዝኾነት ከተማ መቐለ ተቆጻጺሮማ።
- መንግስቲ ኢትዮጵያ በይንኣዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ከምዝወሰደ ገሊጹ።
ላዕለወይቲ ሓላፊት ፖሎቲካዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ሮዝሜሪ ዲካርሎ ንተጋባእቲ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ትግራይን ኣብ ሞንጎ እቲ ብሰራዊት ኤርትራን ሰራዊት ክልል ኣምሓራን ዝድገፍ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሕጂ’ውን ኵናት ክህሉ ከምዝኽእል ዘለዋ ስክፍታ ገሊጻ።
ንሳ ብምስዓብ “ብሕጂ’ውን ዝያዳ ምትፍናን ክህሉ ከምዝኽእል ኣንፈታት ኣሎ” ድሕሪ ምባል “ሓይልታት ትግራይ ብቕልጡፍ ጠቕሊሎም ተኹሲ ደው ከብሉ ንጽውዕ” ኢላ።