መንግስቲ ፌደራል ቅልውላው ትግራይ ብዘተ ንምፍታሕ መደብ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ

መንግስቲ ፌደራል ቅልውላው ትግራይ ብዘተ ንምፍታሕ መደብ ከም ዘለዎ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻእን ኣቶ ደመቀ መኮንን ተዛሪቡ።

እቲ ሚኒስተር ሎሚ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ዲፕሎማት መብርሂ ዝሃበ ኮይኑ ኣብዚ ሰዓት ድማ ዕጽው ኣኼባ የካይዱ ኣለው።

ማሕበረሰብ ዓለም፡ መንግስቲ ፌደራል ተጻብኦታት ጠጠው ብምባል ሃገራዊ መድረኻት ዘተ ከካይድን ኣብቲ ክልል ዘጋጥም ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ክገትእን ተደጋጋሚ ጻውዒት ከቕርብ ጸኒሑ'ዩ።

ብምኽንያት እቲ ኲናት ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ተጸባዪ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ክኸውን እንከሎ፡ ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ'ውን ኣብ ሱዳን ዕቑባ ሓቲቶም ይርከቡ።

ካብዚ ሓሊፉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብቲ ኲናት ሞይቶም ከም ዝኾኑን ንሓደጋ ዓጸቦ ዝተቓልዑ ኣሽሓት ሰባት ከም ዘለውን ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ይገልጻ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት እናኣንቆልቆለ ይኸይድ ምህላዉ፡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ።

"ናብቲ ክልል ዝበጽሕ ዘሎ ህጹጽ ረዲኤት ንምዕባይ፡ ኣብ መቐለን ሽረን ዘለዉ መዓርፎ ነፈርቲ ክኽፈቱ ኣለዎም" ክብል ሓላፊ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር፡ ፊሊፖ ግራንዲ ጸዊዑ'ሎ።

ንሱ፡ እቲ ክሳብ ሕጂ ተዓጽዩ ዘሎ ኣገልግሎታት መራኸቢታትን ሓይሊ ኤለክትሪክን ናብ ንቡር ክምለስ ከምዘለዎ'ውን ኣብቲ ብትዊተር ዘውጽኦ መግለጺ ተማሕጺኑ።

ኣቶ ደመቀ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጥረ ቅልውላው ንምፍታሕን ዘላቒ ሰላም ንምምጻእን ብሕጋዊ መገዲ ምስ ዝተመዝገቡ ፖለቲካዊ ውድባት፣ እቲ ጸገም ንምፍታሕ ፍቓደኛታት ምስ ዝኾኑ ሰብ መዚ ህወሓት፣ ሲቪክ ማሕበራትን ዓበይቲ ዓድን ንምዝርራብ መደብ ከም ዘለዎ ተዛሪቡ።

"ሓገዝኩም ንደሊ ኢና፤ ክትሕግዙናን ምሕዝነትኩም ክትልግሱልናን ንደሊ" ክብል ንማሕበረሰብ ዲፕሎማት ጸዊዑ።

ብተወሳኺ ህወሓት ምስ መንግስቲ ፌደራል ዘለዎ ኣፈላላይ ብሰላም ንምፍታሕ ፍቓደኛ ዘይምዃኑ ምኽንያት እቲ ኲናት እዩ ኢሉ።

ካብዚ ሓሊፉ እቲ ውድብ ብሄር መሰረት ዝገበረ ጻውዒት ብምቕራብ መናእሰይ ኣብቲ ኲናት ክሳተፉ ከም ዝገበረን ብዙሓት ካብ ቤት ንብረቶም ክዘናበሉን ገይሩ'ዩ ብምባል ክኸስስ እንከሎ፡ ከም መስመር ተሌፎን፣ ኤሌክትሪክ፣ ባንክን ካልኦት ትካላት ልምዓትን ብሓይልታት ህወሓት ዓንዮም'ዮም ክብል'ውን ከሲሱ።

ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ኩሎም ወገናት ከበድቲ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ጃምላዊ ቅትለትን ከም ዝፈጸሙ ክኽሰሱ እንከለው፡ ብኣሽሓት ዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮ'ውን ጾታዊ ዓመጽ በጺሑወን'ዩ።

ኣብ ትግራይ ተፈጺሞም ዝበሃሉ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዘጻሪ ጉጅለ መርመራ የካይድ ምህላው ዘልዓለ ኣቶ ደመቀ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ውጽኢት እቲ መርመራ ከይተፈለጠ ናብ ሓደ ወገን ዘዘንበለ ኣረኣእያ ካብ ምሓዝ ክቑጠብ ሓቲቱ።

ብኻልእ ወገን ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ንክበጽሓሎም መንግስቲ ፌደራል ድልውነት ከም ዘለዎ ክገልጽ እንከሎ መንግስቲ "ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ተጠቒሙ" ዝብል ክሲ ሓሶት ከም ዝኾነን ከምዚ ዓይነት ተግባራት ንክፍጽም ድልየት ከም ዘይብሉን ተዛሪቡ።

ብሰኑይ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ንከተማ መቐለ ከም ዝተቖጻጸሩዋ ዝገልጹ ጸብጻባት ክወጽኡ እንከለው፡ ኣባላት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ሰራዊት ምክልኻልን ካብታ ከተማ ምውጽኦም ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ መንግስቲ ፌደራል ኣብቲ ክልል 'ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት' ከም ዝኣወጀ ብምግላጽ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ዘይተገደበ ኩነታት ንክፍጠርን ሕርሻዊ ማእቶት ዝሳለጠሉ እፎይታ ንምሃብን ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብቲ ኲናት ንሰራዊት ኢትዮጵያ ደጊፎም ዝተሳተፉ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከም ዝርከቡ ግን ዝፍለጥ ነገር የለን።

ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ንብዙሓት ከባቢታት እቲ ክልል ይቆጻጸሩን ናብ ከባቢ ምዕራብ ትግራይ ይደፍኡ ምህላዎምን'ኳ እንተተገለጸ፡ ትማሊ ንከተማ ሽረ ምስ ጎንደር ዘራኽባ ድልድል ሩባ ተከዘ ከም ዝፈረሰ ተገሊጹ።

ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ እዚ ድልድል ብፍሉይ ሓይልታት ኣምሓራ ከም ዝፈረሰ ክገልጻ እንከለዋ፡ መንግስቲ ግን 'ህወሓት ኮነ ኢሉ ኣፍሪሱዎ' ብምባል ንህወሓት ይኸስስ።

ንከተማ መቐለ ተቖጻጺሮም ናብ መንግስትነቶም ከም ዝተመልሱ ዝገልጹ ኣመራርሓ ህወሓትን ትግራይን ግን ኣብዚ ጉዳይ ዝሃቡዎ ርኢይቶ የለን።