እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ግብረ መልሲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ጉዳይ ሃጫሉ ሁንዴሳ
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣማሲኡ ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥደን ቀሪቡ ብቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተሰመዖ ሓዘን ብምግላጽ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
እቲ ናይ ኣርቲስት ሃጫሉ ቅትለት፡ ምስ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓምታት ኣብ ተመሳሳሊ ወርሓት ዝተፈጸሙ ዛጊድ ዕልባት ዘይረኸቡ ክስተታት ኣተኣሳሲርዎ።
ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብቲ ናይ ሎሚ መልእኽቱ፡ "ኣብ ሰለስቲኣን ኣዋርሕ ሰነ፡ ጉዕዝና ናይ ምዕንቃፍን ደም ናይ ምፍሳስን ፈተነታት ተገይሮም" ኢሉ።
ኣብ 15 ሰነ 2011 ዓ/ም ኣብ ናይ ድጋፍ ሰልፊ ኣደባባይ ፈተነ ቅትለት ከምዝተገበረሉ ዝተገለጸ ክስተትን፡ ኣብ 16 ሰነ 2010 ዓ/ም ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ክልተ ጀነራላት እታ ሃገርን ኣመራርሓ መንግስቲ ክልል ኣምሓራን ዝተፈጸመ ቅትለትን ዘዘኻኽር እዩ።
ስድራ እቶም ግዳያት፡ በቲ ከይዲ ፍርዲ ዕጉባት ከምዘይኮኑ እዮም ዝገልጹ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ እቲ ናይ ትማሊ ክስተት፡ ጉዳዩ ብቐጥታ ዘይምልከቶ ሰብ ብምቕታል፣ ፍርሕን ራዕድን፤ ሕድሕዳዊ ጎንጺን ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ ኢሉ።
ነቲ 'ናይ ጸላእትና' ዝበሎ እኲይ ተግባር ከይዕወት፡ ህዝቢ ምስ መንግስቲ ሓቢሩ ክሰርሕ'ውን ጸዊዑ።
እቶም ጸላእትና ዝበሎም፡ ንመን ከምዝኾነ ኣይረቑሕን። እንተኾነ፡ ኣብታ ሃገር ምስ ምንዋሕ መበል 6ይ መረጻ ተኣሳሲሩ ወጥሪ ሰፊኑ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ነቶም 'ጸላእትና' ዝብሎም፡ "እቲ ኲናት ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጀሚርና ኣብኡ ክንውደኦ ኢና" ብምባል ቀተልትቲ ጉጅለታት ኣዋፊሮም፡ መንግስቲ እናፍሸለ ከምዝመጽአ ይኸስስ።
ብዛዕባ ገበነኛታት ቅትለት ሃጫሉ ፖሊስ ኣብ ምጽራይ ከምዝርከብ እንትገልጽ፡ ኣብዪ ኣሕመድን ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ኣይተ ሺመልስ ግን "ጸላእትና" ዝብልዎም፡ ህዝቢ ኦሮሞ ምስ ካልእ ህዝቢ ንምብላዕ ዓሊሞም ዝፈጸምዎ ተግባር ክብል ይኸሱ ኣለዉ።
ካልኦትከ እንታይ ኢሎም?
ብተመሳሳሊ፡ ላዕለወይቲ ዓቃቢት ሕጊ ኢትዮጵያ ኣዳነች ኣቤቤ "ንሃጫሉ ዝቐተለ መን ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ካብ ሕጊ ከምልጥ ኣይክእልን" ኢላ።
ወሲኻ ድማ "ኣብዚ ክፉእ ተግባር ዝተሳተፉ ብሕጊ ናይ ኢዶም ክረኽቡ እዮም" ኢላ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዝነበረ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብወገኑ" ብቕትለት ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተሰማዓኒ መሪር ሓዝን እናገለጽኩ፡ ንቤተሰቡ፡ ወለዱ፡ ዘመዱን፡ ንምሉኡ ሃገርናን ምጽንናዕ እምነ" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
ኢትዮጵያዊ ስነጥበባዊ ቴዲ ኣፍሮ'ውን "ብዘስካሕኽሕ ቅትለት መንእሰይ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ" ዝተሰመዖ ሓዘን ብምግላጽ፡ ንቤተሰቡን ደገፍቱን ምጽንናዕ ተመንዩ።
ኣባል ኣመራርሓ ውድብ ኦፌኮ ነጣፊ ማሕበራዊ ሚድያን፡ "ንሃጫሉ ቀቲሎምዎ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ኣብ ሕምብርቲ ኦሮምያ እያ ቀቲሎምዎ። ንኮላትና ክትቀትሉና ትኽእሉ ትኾኑ፤ እንተኾነ ደው ኣይተብሉናን" ክብል ቁጥዕኡ ገሊጹ። ጀዋር መሓመድ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ። ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ብወገኖም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓዘኖም፣ ሻቕለቶምን ቑጠዐኦምን ይገልጹ ኣለዉ።