እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብዪ ኣሕመድ፡ ገንዘብ ንምእካብ ሓሙሽተ ሚልዮን ብር ዝኽፈሎ ድራር ክእንግድ እዩ
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ነቲ ንኣዲስ ኣበባ ንምምሕያሽ ዝተበገሰ ናይ 29 ቢልዮን ብር ፕሮጀክት ገንዘብ ንምእካብ ሓሙሽተ ሚልዮን ብር ዝኽፈሎ ድራር ክእንግድ እዩ።
ዋጋ ናይቲ ድራር ድማ፡ ንሓደ ሰብ 5 ሚልዮን ብር ከም ዝኾነ ሰብ መዚ ሓቢሮም።
ኣብዪ ኣሕመድ ኣብዚ ድራር ክርከቡሉ፡ ንዲፕሎማሰኛታት፣ ኣካየድቲ ስራሕ ዓበይቲ ኩባንያታትን መራሕቲ ዓለምለኻዊ ትካላትን ዓዲሙ'ሎ።
እዚ ናይ ድራር ዕድመ ነታ ኣብ ኣፍሪቃ ቅልጡፍ ዕብየት ተርኢ ዘላ ሃገር፡ ዓቢ ናይ ወጻኢ ወፍሪ ዕድላት ክፈጥርላ ትጽቢት ይግበር።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ስልጣን ዝምጽአ ኣብይ ኣሕመድ፡ ቁጠባዊ ለውትታት ክህሉ ይደፍእ ከም ዘሎ እዩ ዝእመን።
ኣብቲ ብቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተፈነወ ቪድዮ፡ እቲ ውጥን ምምዕባል ኣዲስ ኣበባ፤ ምስፍሕፋሕ ሓምላይ ቦታታት እውን ዝሓወሰ ምዃኑ እዩ ዘርኢ።
ቅድም ክብል እውን፡ ኣብታ ሃገር ንቁጠባዊ ወፍርን ሰብኣዊ ሓገዝን ዝውዕል ገንዘብ ንምእካብ ተመሳሰልቲ ምድላዋት ይካየዱ እዮም።
ኣብ ቀረባ እዋን፤ ንምምዕባል መሰረተ ልምዓት ከተማ ኣምቦ ኣብ ዝተገበረ ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናይ ኢድ ሰዓቱ ብ 175,000 ዶላር ከም ዝሸጣን፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ 14 ሚልዮን ዶላር ከም ዝተዋጸአን ይዝከር።