ኣብይ ኣሕመድ፡ ሃገር ንምድሓን ዝኣተዎ ቃልን ስግኣታትን

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ "ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ጭቆና ሓንሳብን ንሓዋሩን ንኸብቅዕ ንዘተኣታተዎ ለውጢ ብኹሉ ተናኢዱ" ክብል ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣፍሪቃ ፡ ፌርጋል ኬን፡ ንኢትዮጵያ ድሕሪ ምብጽሑ ጽሒፉ። እነሆ ተርጒምና ኣቕሪብናልኩም።

እቲ ንቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ክቕበል ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ጂማ ዝተኣከበ ህዝቢ ኣብ ገፁ ሓጎስ ይንበቦ ነይሩ።

ሓደ ካብቶም ንኣብይ ክቕበሉ ዝተኣከቡ ብዕድመ ዝደፍኣኡ ሰብኣይ ``ኣዚና ተሓጒስና ኢና። እዚ ዳግማይ ምውላድ እዩ፡ ንነዊሕ እዋን ክንጽበዮ ዝጸናሕና ፍጻመ እዩ`` ኢሎምኒ።

ለውጢ ካብ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት

ኣብ መወዳእታ ኣብይ ካብታ ነፋሪት ኣብዝወረድናሉ ዝነበረ ህሞት፡ እቲ ክቕበሎ ዝተኣከበ ህዝቢ ስጋብ እቶም ሓለውቱ ነቲ ህዝቢ ንምቁጽጻር ዘሸግሮም ብዓውታን ብዕልልታን ተቐቢሎሞ።

ድሕሪኡ ናብቲ ህዝቢ ምኻድ ንሓደ ህጻን ድሕሪ ምስዓም ንሓደ ሽማግለ ሰብኣይ ድማ ብምሕቋፍ ሰላም ተባሃሂሎም።

ነቲ ፍሉይ ኩነታትን ናይ ሓደ ውልቀሰብ ጽንዓትን ናይቲ ህዝቢ ተስፋን ብንቕሓት እየ ዝከታተሎ ነይረ።

ኣፍሪቃ ከም ኣህጉር ከምኡ ዓይነት ሰብ ዳርጋ ሪኣ ኣይትፈልጥን እያ።

እቲ ወዲ 42 ዓመት ኣቢይ፡ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ብዕድመ ዝነኣሰ መራሒ ኢዩ። እቲ ኣምጺእዎ ዘሎ ለውጢ ግና ካብ ዕድሚኡ ይዓቢ። ቅድሚ ትሽዓተ ኣዋርሕ ገዛኢ ሰልፊ- ኢትዮጵያ ህዝባዊ ወያናይ ዴሞክራስያዊ ግንባር፡ ኢህወደግ - ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ናይታ ኣብ ኣፍሪቃ ብበዝሒ ህዝቢ ካልአይቲ ዝኾነት ሃገር ምስ መረጾ፡ ብቕጽበት ካብቲ ንዓመታት ዝጸንሐ ናይ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ለውጢ ኣተኣታትዩ።

እቲ ምስ ጎረቤት ሃገር ኤርትራ ዝነበረ ናይ 20 ዓምታት ምስሕሓብ ደው ኣቢሉ፡ ኣሽሓት ናይ ፖለቲካ እሱራት ፈቲሑ፡ ልዕሊ ፍርቂ ምኒስተራቱ ድማ ደቂንስትዮ ክኾና ሽይሙ።

ባይቶ፡ ፕረዚደንት ሃገርን ላዕለዋይ ቤት ፍርድን ክኾና ዘቕረበን ደቀንስትዮ ኣጽዲቑሉ።

ብጀካ`ዚ ነታ ንልዕሊ 14 ዓመታት ኣብ ስደት - ኣሜሪካ - ዝነበረት መራሕቲ ተቓዋሚ ሰልፊ - ብርቱካን ሚዴቅሳ- ናብ ሃገራ ክትምለስ ድሕሪ ምሕታት ሓላፊት ኮምሽን መረጻ ክትከውን መዚዝዋ። እዚ ንብዙሓት ደገፍቲ ዴሞክራሲ ኣሐጒስዎም።

``ከምዚ ዓይነት ለውጢ ኣብዛ ሃገር ንምምጻእ ኣሽሓት ሂወቶም ከፊሎምሉ ኢዮም`` ኢላትኒ ብርቱካን።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ነቲ ዝጀመሮ ለውጢ ናብ መፈጸምትኡ ንምብጻሕ ገና ብድሆታት ኣብ ቅድሚኡ ከምዘሎ ይርአ።

ኣብቲ ኣብ ጂማ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሕክምና ተምሃሮ ናይ ምምራቕ ስነ-ስርዓት ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ `` ኣብ ክንዲ ኣጽዋር ውግእ ሓሳብት ተጠቐሙ`` ` ክብል ተማሕጺንዎም። ኣብነት ናይታ ካብ ናይ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኩነታት ወጺኣ ዝተራቐቐ ቁጠባ ዝሃነጸት ጃፓን ክኽተሉ ድማ ተወኪሱዎም።

ብምቕጻል ድማ ነቶም ናይ ጂማ ተማሃሮ ብዛዕባ እቲ ኣብታ ሃገር ንልዕሊ 1.4 ሚልዮን ህዝቢ ዘመዛበለ ዓሌታዊ ጎንፅታት`ውን ሰፊሕ መብርሂ ሂብዎም።

` ጽንዓት ኣብ ናይ ኣቢይ ድምጺ`

ኣቢይ እቲ ናይ መጀመርታ መራሒ ካብ ቀቢላ ኦሮሞ ኢዩ። ንሱ ግና ናይ ምሉእ ኢትዮጵያ መራሒ ኢየ ዝብል።

ኣብ ጂማ ዩኒቨርስቲ ምስረኸብኩዎ፡ ንስኻ ጥራይ ዲኻ ነዛ ዝተበታተነት ሃገር ተሕብራ ኢለ ምስ ሓተትኩዎ፡ ቅሩብ ሰገጥ ድሕሪ ምባል ''ብርግጽ ኣነ ኢየ፡ ኣይትጠራጠር'' ድማ ኢሉኒ ጽንዓት ብዝመልኦ ድምጺ፡ ብድሕሪኡ ፍሽኽ ኢሉኒ።

ዝሓለፈ ወርሒ፡ ናይ ዕርቅ-ሰላም ኮሚሽን መስሪቱ። እቲ ነታ ሃገር ብዓሌት ዝፈላለየ ፌደራላዊ ሕገመንግስቲ (ቅዋም) ኢዩ እቲ ዝዓበየ ብድሆ`ታ ሃገር።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሓት፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዘስግእ ኩነታት ተኸሲቱ።

ዋል`ኳ ተጋሩ ብቑጽሪ ውሑዳት እንተኾኑ ኣብቲ ዝሓለፈ መንግስቲ ገበርትን ሓደግትን ኢዮም ነይሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሓት፡ ብዙሓት ኣብ ሰራዊት፡ ጸጥታን ከምኡ`ውን ኣብ ንግዲ ዝነበሩ ፍሉጣት ተጋሩ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ብልሽውናን ተኸሲሶም።

ናብ ትግራይ ኣብ እትገሸሉ፡ እቲ ብቐጻሊ ሻቕሎት ናይ ምግላል ናይቲ ኣብ ሓደ እዋን ሓያል ዝነበረ ህዝቢ ትዕዘብ።

ቅድም ክብል ሚኒስተር ኮምኒኬሽን ዝነበረ፡ ጌታቸው ረዳ፡ ካልኦት ብዝፈጸምዎ ተጋሩ ይውንጀሉ ኣለው ኢሉኒ። ተጋሩ ጥራይ ዲዮም ተሓተቲ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ስርዓት ዝተፈጸመ ግህሰታት ድማ ኢሉ።

ዋል`ኳ ዓርኪ ኣቢይ ከም ዝኾነ ይዛረብ፡ እቲ መንእሰይ መራሒ ዝምስርቶ ዘሎ ስርዓት ናብ ውድቀት ዘምርሕ ከም ዝኮነ ኣተንቢሁ።

ብኣንጻሩ፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ምስ ኤርትራ እትነብር መንእሰይ ሓረስታይ፡ ኤልሳ ተስፋይ፡ በቲ ኣቢይ ዘምጽኦ ሰላም` ` `አመስግኖ`` ` ኢላ።

እንተኾነ ግን፡ ኤልሳ እቲ ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ጎንፂ ስግኣት ይፈጥረላ።

እቲ ኩናታት በዚ እንተቐጺሉ፡ ተምሃራይ ኢንጂነሪን ዝኾነ ወዳ ኣብታ ሃገር ብነጻነት ተንቀሳቒሱ ክሰርሕ ከምዝኽል የሰክፋ።

"እቶም ዘተኣታተዎም ምምሕያሻት ጽቡቓት እዮም። ይኹን'ምበር ካብዚ ንላዕሊ ፃዕሪ ዝሓትት ስራሕ ዘሎ ይመስለኒ። እዚ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ጎንጽን ጽልኣትን እንተዝተርፍ ደስ ይብለኒ" ክትብል ሓሳባ ትድምድም።