ዋና ፈጻሚ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም ካብ መዝነቱ ወሪዱ

ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም

ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ፍሉጥ ዝኾነ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዓመታት ብዓወት ዝመርሐ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም ካብ ሓላፍነቱ ለቒቑ፡፡

ኣብ ውሽጢ መንገዲ ኣየር ኢትጵያ ኣብ ልዑል ሓላፍነት ዝሰርሑ ሰባት ንቢቢሲ ከም ዝገለጽዎ፡ ሕቶ ምልቃቕ ስራሕ ኣቶ ተወልደ ተቐባልነት ረኺቡ እዩ፡፡

እቲ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ካብ ሓላፍነቱ ዘልቀቖ ምኽንያት ጥዕናዊ ጸገም ከም ዝኾነ እውን ተገሊጹ ኣሎ፡፡

ኣቶ ተወልደ ንብዙሕ ኣዋርሕ ኣብ ኣመሪካ ሕክምና እናተኸታተለ ስርሑ እናሰረሐ ከም ዝጸንሐ እውን ተገሊጹ፡፡

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣቶ ተወልደ ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ኣመሪካ ሕክምናዊ ክትትል ክገብር ከም ዝጸንሐ ብምግላጽ ኣብ ጥዕንኡ ትኹረት ንምግባር ኣቐዲሙ ጥሮታ ንክወጽእ ከም ዝሓተተ ኣረጋጊጹ።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ እቲ መገዲ ኣየር ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ሕቶ እቲ ፈጻሚ ስራሕ ከም ዝተቐበለ ሓቢሩ።

ኣቶ ተወልደ፡ ንልዕሊ 35 ዓመታት ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝሰርሐ ኮይኑ፡ ንልዕሊ 10 ዓመት ድማ ብዋና ፈጻምነትን ብልዑል ዓወትን መሪሑዎ እዩ፡፡

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዘለው ተነሓናሕቱ ብዝተፈለየ ዓመታዊ ዕውትን ኣትራፍን ኮይኑ ብተኸታታሊ ናይ ቐዳምነት ቦታ ሒዙ ክመጽእ ክኢሉ እዩ።

ብርክት ዝበሉ መገዲታት ኣየር ኣፍሪቃ ከቢድ ክሳራ ክገጥሞምን መንግስታት ካብ ካልኦት መገዲታት ኣየር ሓገዝ ክሓቱን ዝጸንሑ ኮይኖም፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ግን ኣብ ኣፍሪቃ ልዑል ከስቢ ካብ ምርካብ ሓሊፉ ኣብ ካልኦት ኣህጉራት'ውን ዕውት ክኸውን ክኢሉ'ዩ።

ኣቶ ተወልደ ነቲ መገዲ ኣየር ኣብ ዝመርሓሎም ዓመታት፡ ዓመታዊ ኣታዊ እቲ መገዲ ኣየር ካብ ሓደ ቢሊየን ዶላር ናብ 4.5 ቢሊዮን ዶላር፣ ካብ 33 ነፈርቲ ናብ 130፣ ቑጽሪ ተጉዓዝቲ ካብ 3 ሚሊዮን ናብ 12 ሚሊዮን ከም ዘዕበዮ መግለጺ እቲ መገዲ ኣየር የመልክት።

ብተወሳኺ፡ ኣብ እዋን መሪሕነት ኣቶ ተወልደ እቲ መገዲ ኣየር ገዚፍ ሆቴል፣ ናይ ዕጽነት [ካርጎ] ቦታ፣ ማእከላት ጽገና ነፈርቲ፣ ማእከል ስልጠና፣ ዓዘፍቲ ትሕተ ቕርጺ መጓዓዝያ ኣየርን ካልኦትን ከም ዝሃነጸን ከም ዘመሓየሸን ሓቢሩ።

ቁሩብ ብዛዕባ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም

ኣቶ ተወልደ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ኣብ ጥሪ 2011 ዋና ፈጻሚ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኮይኑ ተመዚዙ፡፡

ኣብ 1985 ወኪል ትራንስፖርት ብምዃን ኣብቲ መንገዲ ኣየር ምስራሕ ጀሚሩ፡፡ ድሕሪኡ ኣብ ዝተፈላለየ ብርኪ ሓላፍነታት ኣብቲ መንገዲ ኣየር ኣገልጊሉ፡፡

ኣቶ ተወልደ ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ካርጎ፣ ኤርያ ኦፊስ ከምኡ እውን መሸጣን ምፍላጥን ብሓላፍነት ሰሪሑ እዩ፡፡

ንሱ፡ ኣብ ውሽጢ ሕቡራት ሃገራት ኣባል ላዕለዎት ኣማኸርቲ ዘላቕነት ዘለዎ ዓውዲ መጓዓዝያ ኮይኑ ሰሪሑ፤ዩ።

ብተወሳኺ ኣባል ቦርድ ስታር ኣሊያንስ፣ ኣባል ቦርድ ዓለምለኸ ማሕበር መጓዓዝያ [ኣይኤቲኤ] ከምኡ'ውን ኣባል ማሕበር መገዲታት ኣየር ኣፍሪቃ ኮይኑ ኣገልጊሉ'ዩ።

ፈጻሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኮይኑ ኣብ ዘገልገለሎም ዓመታት'ውን ብሉጽ ፈጻሚ ስራሕ ኣፍሪቃ፣ ብሉጽ መራሒ ቢዝነስ ኣፍሪቃ፣ ሽልማት ዞባዊ ኣመራርሓ መገዲ ኣየር ከምኡ'ውን ብሉጽ ጾታ ማእከል ዝገበረ ፈጻሚ ስራሕ ዝብሉ ሽልማታት ተበርኪቱሉ'ዩ።

ኣቶ ተወልደ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብስነ ቁጠባ ቀዳማይ ዲግሪ ክምረቕ እንከሎ ካልኣይ ዲግሪ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዩኒቨርሲቲ ኦፕን ቢዝነስ ኣድሚኒስትሬሽን ኣጽኒዑ።

ብ2019 ድማ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ናይ ክብሪ ዶክትሬት ሂቡዎ።