ኡሙጋንዳ፡ ምስጢር ጽሬት መላእ ሩዋንዳ

ኣብ ከባቢ ኪጋሊ ሀይት [ራዲሰን ብሉ ሆቴል] ዝርከብ ኣዝዩ ጽሩይን ውቁብን ቦታ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ከባቢ ኪጋሊ ሀይት [ራዲሰን ብሉ ሆቴል] ዝርከብ ኣዝዩ ጽሩይን ውቁብን ቦታ

ስም ሃገረ ሩዋንዳ እንክልዓል ምናልባት ኣብ ኣእምሮ እቶም ቁሩብ ዕብይ ዝበሉ ሰባት ቀልጢፉ ዝቕጀሎም ነገር እቲ ኣብ 1994 ዘጋጠመ ዓሌታዊ ህልቂት እዩ ዝኸውን። ሎሚ ግን ስም እታ ሃገር ብኻልእ እወንታዊ ነገር ክደጋገም ይስማዕ ኣሎ።

እቲ ቀንዲ ጽሬት ከተማታታ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ኣብታ ሃገር ዓመታዊ ዝካየድ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ሩዋንዳ እውን ካልእ መስመያኣ እዩ።

ምስጢር ጽሬት እታ ሃገር ግን እንታይ'ዩ?

ኣብታ ሃገር ኣብ መወዳእታ ቀዳም ናይ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ዝካየድ ወፈራ ጽሬት ኣሎ። እዚ ብኣጸዋውዓ እታ ሃገር ኡሙጋንዳ ተባሂሉ'ዩ ዝጽዋዕ።

ኣብታ ዕለት ካብ ንግሆ ሰዓት 8፡00 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ጀሚሩ ኩሉ ካብ 18 ክሳብ 65 ዝዕድሚኡ ሩዋንዳዊ ከካብ ቤቱን ብወደብቲ እቲ ጽሬትን ብዝቕረብ መኾስተር ከባቢኡ የጽሪ።

ኣብቲ ክሳብ ሰዓት 11 ዝካየድ ወፈራ ጽሬት፡ ኣብ ጽርግያታት ከተማ ሩዋንዳ፤ ተወዝ ኢላ ትንቀሳቐስ መኪናን ሞተር ብሽክለታን የለዋን።

ጋዜጠኛ መደበር ቴሌቪዥንን ራድዮን ቢቲኤን ሲልቨስተር ዊዘማና ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ሩዋንዳ ኣፍደገ ወደብ ዘይብላ ሃገር ስለዝኾነት ካብ ካልኦት ከምኣ ዝኣመሰላ ሃገራት እንታይ ፍልይ ከብላ ዝኽእል ነገር ክግበር ይከኣል ተባሂሉ ተሓሲቡ ብ"ጽሬትን ንጽህናን" ከምእትልለ ዝተገብረ ምዃኑ ይጠቅስ።

ኡሙጋንዳ ካብ ቀደም ኣትሒዙ ሰረት ዘለዎ ህዝባዊ ወፈራ'ኳ እንተኾነ፡ መንግስቲ፡ ኣብ 2007 ብወግዒ ብኣዋጅ ብምጽዳቕ፡ መዓልቲ ፈልዩ ኣብ ክሊ ዕድመ 18 ክሳብ 65 ዝርከብ ኩሉ ሩዋንዳዊ ካብ ሰዓት 8 ክሳብ 11 ናይ ንግሆ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ዘላ ናይ መወዳእታ ቀዳም ክሳተፎ ከም ዘለዎ ገይሩ ኣጽዲቑዎ።

ካብታ ዕለት ኣትሒዙ ኸኣ ክሳብ ብምኽንያት ስግኣት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ደው ዝብል ብዘይምቁራጽ ተኻይዱ።

ኡሙጋንዳ ብቋንቋ ኪንያርዋንዳ ኮይኑ፡ "ሓባራዊ ዕዮ ንሓባራዊ ጥቕሚ" ዝብል ትርጉም ይወሃቦ።

ጋዜጤኛ ሲልቨስተር ዊዘማና ግን ትርጉም ኡሙጋንዳ ኪኖ'ዚ ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ።

"ብሓቂ ነታ ቃል ብእንግሊዝ ቀጥታዊ ትርጉም ዝህብ ቃል የለን። ንዓይ ካብ ክትትርጎም ዋላ ብእንግሊዝ'ውን ኡሙጋንዳ ተባሂላ ክትጽዋዕ'የ ዝመርጽ። ንምዝርዛሩ ግን ሕብረተሰባት ንሓባራዊ ጥቕሚ ብዘይ ዝኾነ ክፍሊትን ድፍኢትን ብሓባር ኮፍ ኢሎም ናይ ሓባር ሕልሞም ዝውጥንሉን ዘተግብርሉን'ዩ" ይብል።

ኣብ ኪጋሊ ኣብ ዝርከብ ቤተ መዘክር ዝርዝር ኣስናት ኣብቲ ቤተ መዘክር ካብ ዝተቐበሩ ግዳያት ዓሌታዊ ህልቂት 1994
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኪጋሊ ኣብ ዝርከብ ቤተ መዘክር ዝርዝር ኣስናት ኣብቲ ቤተ መዘክር ካብ ዝተቐበሩ ግዳያት ዓሌታዊ ህልቂት 1994

ብተወሳኺ ሲልቨስተር "ኣብ 1994 ኣብ ልዕሊ ቱትሲ ዝተፈጸመ ዓሌታዊ ጃምላዊ ጨፍጫፍ ኣብ ነብሲ ወከፍ ሰብ ዝገደፎ በሰላ ንኽእለን፡ ዓለም ብዛዕባ ሩዋንዳ ዘለዋ ስእሊ ንኽቕየር ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ገለ ነገር ክግበር ነይርዎ፤ ኡሙጋንዳ ኸኣ መድሕን እዚ ሓሳብ ኮይኑ" ይብል።

ብስራሕ ታክሲ ሓዳሩ ዝኣሊ ረሚ ጀይን ፊደል ብወገኑ "ኣነ ኣፍደገይ እንተጽርየ፡ ንስኻ ኣፍደጌኻ እንተጽሪኻ፡ እታ ሓፍትና ኣፍደጊአ እንተጽርያ ድምር ናይዚ ኹሉ እያ ሩዋንዳ ትጸሪ፡ እዚ ስለ ዝተገበረ ኸኣ ሩዋንዳ ትልለየሉ ጽሬት ክኸውን ክኢሉ ኣሎ" ይብል።

ኣብ ከተማ ኪጋሊ ዘወር ኣብ እትብለሉ፡ ሳዕሪ ዝዓጽዱ ኣግራብ ዝቅምቕሙ ከምኡ'ውን ሓሓሊፎም ካብ ኣግራብ ዝወደቐ ኣቁጽልቲ ዝኣርዩ እንተዘይኮይኖም ምስ ጽሬታ ዝወዳደር ብዝሒ ናይ ጽሬት ሰራሕተኛታት ኣይርኣዩን'ዮም።

ጋዜጠኛ ሲልቨስተር ዊዘማና

ምንጪ ስእሊ, Sylvetre

ረሚ ጀይን ፊደል ብምስዓብ "ዝሓለፈ እዋናት ብምኽንያት ስግኣት ኮሮናቫይረስ ኡሙጋንዳ ኣይካየድን'ዩ ነይሩ። እቲ ሰብ ግን ምጽራይ ጥራይ ዘይኮነ ከርስሕ ከም ዘይበሉ'ውን ስለ ዝተመሃረ እዛ ከተማ ከይተኾስተርት'ውን ጽርይቲ እያ። ኣብ መንገዲ ዝጉሕፍ ሰብ ስለዘየለ ርስሓት ኣይርኣይን'ዩ"።

ረሚ ጀይን ፊደል ኣብ 1994 ዓሌታዊ ጨፍጫፍ ምስ ኣጋጠመ ካብ ኪጋሊ ናብ ርዋምጋና ትብሃል ኣብ ምብራቕ ርዋንዳ ትርከብ ከተማ ከም ዝሃደመ ብምግላጽ 3 ኣሕዋቱን ኣቡኡን ኣብ ኪጋሊ ከም ዝተቐተሉ ይገልጽ።

"ሽዑ (1994) ኣብዛ ከተማ ጉሓፍ ይትረፍ ሬሳ ሰብ ብአኽልብቲ ይጉተተን ይብላዕን ነይሩ። ሕጂ ግን ኣይኮነን ንሰማዒ ነቶም ብኣካል ዝነበርናን ቤተሰብና ዝተቐተሉናን'ውን እቲ ቦታ ኣበይ ከም ዝነበረ ክሳብ ዝጠፍኣና እያ እዛ ከተማ ተቐይራ" ይብል።

ኡሙጋንዳ ካብ ናይ ጽሬት ወፈራ ሰጊሩ፡ ንዘኽታማት ምእላይን ገዛ ምህናጽን ንሰብኡተን ዝሞትወን ምሕብሓብን ኣብ ሕርሻ ምሕጋዝን ዝኣመሰለ ስራሓት ዝካየደሉ ህዝባዊ ወፈራ እውን እዩ።

ጎኒ ጎኑ ወፈሪ ኡሙጋንዳ መንግስቲ ርዋንዳ ኣብ 2005 ኣብታ ሃገር ብፕላስቲክ ዝተሰርሐ ሻንጣታት ከይኣቱን ኣብታ ሃገር ከይስራሕን ዝኽልክል ተሪር ሕጊ ኣተኣታትዩ።

ኣብ 2004 ኬንያዊት ተጣባቒት ስነ ኣከባቢ ዶክተር ዋንጋሪ ማታይ ሽልማት ኖቤል ዝዓተረትሉ እዋን ብምንባሩ ኣፍሪቃውያን ከባቢኦም ንምዕቃብ ዝተበራበርሉ እዋን ከምዝነበረ እዩ ዝግለጽ።

ሩዋንዳ ግን ሽዕኡ ጭራ ነብሪ ምስ ሓዘት ክሳብ ሕጂ ኣይፈነወቶን።

ከተማ ኪጋሊ ኣብ እዋን ዕራርቦ

ምንጪ ስእሊ, Yannick Tylle

መግለጺ ስእሊ, ከተማ ኪጋሊ ኣብ እዋን ዕራርቦ

ኣብታ ኡሙጋንዳ ዝካየደላ ቀዳም ኩሉ ሓደ ዓይነት ትግሃት ስለ ዘይህልዎ፡ መንግስቲ ነቶም ኣብቲ ሓባራዊ ወፈራ ዘይሳተፉ ሰባት ብፖሊስ እናሓዘ 5000 ፍራንክ ሩዋንዳ [ኣስታት 5 ዶላር] ይቐጽዖም።

እዚ፡ ነቶም ወርሓዊ ብማእከላይ ገምጋም 150 ዶላር ዝኽፈሉ ሩዋንዳውያን ብዙሕ ምዃኑ'ዮም ዝገልጹ።

መንግስቲ ሩዋንዳ ነቲ ኣብ 2005 ብኣዋጅ ዘጽደቖ ምእጋድ ፌስታል፡ ዝያዳ ተግባራዊ ንምግባሩ፤ ፍርያት ፕላስቲክ ናብ ሃገር ከእቱ ዝተረኸበ ሰብ ንሽዱሽተ ወርሒ ብጽኑዕ ክእሰርን ብቐጻሊ ኣብ ትካላት ንግዲ ተፍትሽ ክካየድን ዝብል ሕጊ'ውን ኣተኣታትዩ እዩ።

ቅድሚ 2006 ኣብታ ከተማ ፈቐድኡ ናይ ጉሓፍ ፕላስቲክ ከም ዝነበነረ ዝገልጽ ጋዜጤኛ ሲልቨስተር ዊዘማና፡ መንግስቲ ተጠቃምነት ፕላስቲክ ዝኽልክል ኣዋጅ ምስ ኣሕለፈ ግን ዕላማ ኡሙጋንዳ ዕዉት ንኽኸውን ቀንዲ ሮቛሒ ምንባሩ ይሕብር።

ንኡሙጋንዳ ዝቃወምዎ ሰባት ግን ኣይስኣኑን'ዮም።

ኡሙጋንዳ ኣብ ዝካየደላ መዓልቲ ኩሉ ኣብያተ ንግዲ ስለ ዝዕጾ ሰብ ዱኳን ካብ ስራሕ በዂሮም ከም ዝውዕሉ ክገልጹ እንከለዉ፡ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኣገዳሲ መገሻ ዘለዎ ሰብ'ውን እንተኾነ ዝኾነ ዓይነት መጓዓዝያ ስለ ዘይርከብ ብዙሕ ከም ዝከላበቱ ይዝረብ።

ረሚ ጀይን ፊደል ከኣ ነዚ ብምምልካት "እወ ኣብታ ቀዳም ካብ ብዙሕ ስራሕ ዝበኩር ሰብ ኣሎ። ብፍላይ ናብዚ ሃገር ዝመጽኡ ገያሾ ኣብ ሓጺር መዓልቲ ናብ ብዙሕ ቦታታት ክብጽሑ ስለዝውጥኑ እታ ኡሙጋንዳ እትካየደላ መዓልቲ ቀጨውጨው ተብሎም'ያ" ይብል

እዚ ጥራይ ግን ኣይኮነን፡ ገለ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እቶም ኣብ ኡሙጋንዳ ዘይሳተፉ ሰባት መንግስቲ ስለ ዝቐጽዖም፡ ኡሙጋንዳ ግዱድ ዕዩ እዩ ክብሉ ከምዝገልጹዎ ይዛረቡ።

ቤተ መዘክር ግዳያት ዓሌታዊ ህልቂት 1994
መግለጺ ስእሊ, ቤተ መዘክር ግዳያት ዓሌታዊ ህልቂት 1994

ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ ኣብ ግሪን ፓርክ ስኵር፡ ንጎደና ኪጋሊ 14 ሒዝካ ንላዕሊ ኣብ ትድይበሉ ንጸጋምካ ኣስክሬናት 250 ሽሕ ግዳያት ጃምላዊ ህልቂት 1994 ዝተቐመጦ ቤት መዘክር ኣሎ።

ኣብቲ ካብ ሚያዝያ ክሳብ 18 ሓምለ 1994 ዝተኻየደ ዓሌታዊ ምጽናት ከኣ ኣብ 100 መዓልታት ልዕሊ 800 ሽሕ ሰባት ከም ዝተቐተሉ ይንገር።

እቲ ቑጽሪ ካብኡ ኣዝዩ ክልዕል ከም ዝኽእል ዝምጉቱ እውን ኣለዉ።

ኣብቲ ቤተ መዝክር፡ ኣብቲ ናይ 1994 ኣሰቃቒ ፍጻሜ ሰባት ዝቕተልሉ ዝነበሩ ከም ብረት፣ ፋስ፣ ጎዞሞ፣ ካራሩ፣ ከቢብ ርእሲ ዘለዎ ኣባትርን ካልእ በላሕቲ ነገራትን ኣብ ውሽጢ ቬትሮ ንምርኢት ተዘርጊሖም ይርከቡ።

ኣብ እዋን ኡሙጋንዳ እረቲ ዝዓበየ ቤተ መዝክር ግዳያት ዓሌታዊ ምጽናት 1994 ከይተፈ'ዩ ክሳብ ሰዓት 2 ድሕሪ ቀትሪ ዝዕጾ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ እዋን ኡሙጋንዳ እቲ ዝዓበየ ቤተ መዝክር ግዳያት ዓሌታዊ ምጽናት 1994 ከይተፈ'ዩ ክሳብ ሰዓት 2 ድሕሪ ቀትሪ ዝዕጾ

ኣብ ውሽጢ ኸኣ ንታሪኽ ሩዋንዳ፡ ንኣበጋግሳ ዓሌታዊ ምጽናትን ኣብ ካልእ ሃገራት ዝተራእየ ተመሳሳሊ ህልቂትን ብስእሊ፡ ብተንቀሳቓሲ ምስልን ጽሑፍን ዝተሰነየ መግለጺታት ኣለዎ።

ኣብቲ ቬትሮታት ዝተረበ ሽክናታት፡ ግዳያት ኣብ እዋን መርዐኦም፡ ሽዑ ዝተቐትሉ ህጻናት ከኣ ኣብ ዕለተ ልደቶም ዝተሳኣልዎ ኣሳእልን ብኸመይ ከምዝተቐተሉ ዝገልጽ መብርሂታት ኣለዎ።

እንተኾነ እዚ ቤተ መዘክር እዚ ኣብ መዓልቲ ኡሙጋንዳ ክሳብ ሰዓት ክልተ ናይ ምሸት ተዓጽዩ እዩ ዝውዕል።