ሩስያ ኣብ ውግእ ዩክረይን ንመጀመርታ ግዘ ሃይፐርሶኒክ ዝተባህለ ኒኩሌር ከምዝተጠቐመት ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰራዊት ሩስያል 'ሃይፐርሶኒክ ባልስቲክ ሚሳይል' ተኵሱ፡ ኣብ ምዕራባዊ ዩክረይን ንዝነበረ ዓቢይ ትሕተ መሬታዊ መኽዘን ኣጽዋር ከም ዘዕነወ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ይገልጽ።እዚ መግለጺ ርጕጽ እንተዀይኑ፡ ሩስያ ንፈለማ ዝተጠቕመትሉ ካብ ነፈርቲ [ብፍላይ ሚግ-31] ዝትኰስ ኪንዛል ወይ ዳገር ባሊስቲክ ሚሳይል ክኸውን እዩ።
ሚሳኤል ሃይፐርሶኒክ እንታይ'ዩ?
ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ሩስያ ኣብቲ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ካብ ፍጥነት ድምጺ ዝውንጨፍ ሚሳይል ሱፐርሶኒክ ንዝገበረቶ ወፍሪ ብተደጋጋሚ ክዛረብ ተሰሚዑ እዩ።
እቲ ስታስቲካዊ ሓበሬታ ድንቂ እዩ፤ ብመሰረት ሓበሬታ ሰበስልጣን ሩስያል ኪንዛል፡ ክሳብ 2000 ኪ.ሜ [1240 ማይልስ] ርሕቀት ብ ልዕሊ 6,000 ኪ.ሜትር ፍጥነት ኣብ ሰዓት ዕላማኡ ክሃርም ዝኽእል ሚሳይል እዩ።
እዚ ግን፡ ካብቶም ካልኦት ሚሳይላትን ከበድቲ ኣጽዋርን ዝያዳ ዕንወት ከውርድ ዘኽእሎ ድዩ?"ኣነ፡ ክሳብ ክንድኡ ኣገዳሲ ገይረ ኣይርእዮን እየ፡" ይብል ጀም ኣክቶን ዝተባህለ ኣብ ትካል ካርኒጊ ንኣህጉራዊ ሰላም ክኢላ ፖሊሲ ኑክሊየር።
"ሩስያ ካብዚ ሚሳይል ሱፐርሶንክ እትኸስቦ ክፈልጥ ኣይክእልን እየ።"
ፕረዚደንት ፑቲን፡ ሩስያ ብሚሳይል ሱፐርሶኒክ ኣብ ዓለም መራሒት ኰይና ከም ዘላ ዝገልጽ ዝሓለፈ ታሕሳስ መናውራ ገይሩ ነይሩ።
እዚ ሚሳይል ኣብ ጕዕዞኡ ኣንፈቱ ክቕይር ስለዝኽእል ከኣ ብቐሊሉ ንኽልለ ኣሸጋሪ እዩ።
ሩስያ፡ ካብ ዶብ ሩማንያ 100 ኪ.ሜ ጥራይ ዝርሕቕ፡ ኣብ ደሊያቲን ዝተባህለት ኣብ ደቡብ ምዕራባዊት ቁሸት ዩክረይን ንዝነበረ መኽዘን ኣጽዋር ብሚሳይል ከም ዘጥቅዐት ዝነግር ቪድዮ ዘርጊሓ'ላ።
"እዚ ሓደ ምልክት ተዋስኦ እዩ። [ሩስያ] ተጠቒማትሉ እንተዀይና'ውን፡ ከም ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ፍሉይ ተረኽቦ ክንወስዶ እዩ ዝግባእ፣ ምኽንያቱ ሩስያ ከምዚኦም ዓይነት ሚሳይላ ብዙሕ የብላን።" ይብል ዶሞኒክ ኩነርቶቫ ካብ ማእከል መጽናዕትታት ጸጥታ ዙሪክ።
ነጥበ መቐይሮ ኣይኰነን
ፕረዚደንት ሩስያ፡ ነዚ ኣካል ናይቲ ዘይተጸዓዲ ኢሉ ዝገልጾ፡ ንሓይሊ ምክልኻል ጸላኢ ክድምስስ ዝኽእል ሚሳይል ኪንዛል ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣቢሉ እዩ ጋህዲ ገይርዎ።
ካልኦት ሚሳይላት ሃይፐርሶኒክ፡ ዚርኮን ን ኣቫንጋርድን ኰይኖም፡ ብፍጥነትንብ ብርሕቀትን ዝበለጹ እዮም።
ኪንዛል፡ ኑክሌር ከወንጭፍ ዝኽእል ሚሳይል እዩ።
እዞም እዋናውያን ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ፡ ሚግ-31 ነፈርቲ ኲናት ናብቲ ንብዙሓት ከተማታት ኤውሮጳ ኣብ ሸፈነኡ ከእቱ ዝኽእል ካሊኒንግራድ ተላኢኸን ነይረን።
እንተዀነ፡ እዚ ኣብዚ መኽዘን ኣጽዋር ተገይሩ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ካበይ ከም ዝተፈነወ ዝዀነ ኣመት ዛጊት የለን።
"እዚ፡ ናብ ምዕራባውያን ዝቐንዐ መልእኽቲ እዩ ዘለዎ። ምኽንያቱ ፑቲን፡ ብሰንክ'ቲ ምዕራባውያን ንዅሉ ኣጽዋራት ናብ ዩክረይን ከግዕዝዎ ዝሕልንዎ ዘለው ተቘጢዑ እዩ፡" ክብል ኪነርቶቫ ንቢቢሲ ይገልጽ።
"እዚ ብርግጽ ዝተፈጸመ ብዛዕባ ምዃኑ ዘጥራጥር እዩ፣ ስለዚ ከም ሓደ ነጥበ መቐይሩ ክውሰድ ኣይከኣልን።
"ጀምስ ኣክቶን ብወገኑ ከም ዝበሎ፡ ኪንዛል፡ እቲ ንነፈርቲ ውግእ ክጥዕም ተባሂሉ ዝተመሓየሸ ሚሳይል ኢስካንደር ክኸውን እዩ ዝሕሰብ ነይሩ።
ኢስካንደር-ኤም፡ ኲናት ዩክረይን ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ብኣጋር ከቢድ ብረት ሩስያ ክትኰስ ጸኒሑ እዩ።
ሽሕ'ኳ ኢስካንደር-ኤም ካብቲ ብነፈርቲ ዝትኰስ ዝሓጸረ ርሕቀት ዝሽፍን እንተዀነ፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ዩክረይን፡ ሩስያ ዳርጋ ዅሉ ዝነብራ ሚሳይል ኢስካንደር ኣብ ቀዳሞት ዕስራ መዓልታት ናይቲ ኲናት ከም ዝወድኣቶ ይገልጽ።
ሓደ በዓል መዚ ምክልኻል ኣሜሪካ ብዓርቢ ከም ዝበሎ፡ ሩስያ ካብ 24 ለካቲት ኣትሒዛ 1080 ሚሳይላት ከም ተኵሳ'ላ።
"ዝገርም ኣሃዝ እዩ፣ ካብቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበራ ትሕዝቶ ድማ ዓቢይ ስልዒት እዩ፡" ኣክቶን፡ ነቶም ኣየራዊ መጥቃዕቲታት ዘይተመራሕቲ ቦምባታት ሩስያ ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ይገልጽ። "እቶም ብልክዕ ዕላማኦም ዝሃርሙ ኣጽዋራት እናተወድኡ ይኸዱ ክህልዉ ይኽእሉ እዮም።"





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







