‘ኣብዚ ካብ ምንባር ኣብ ዩክረይን ምውጋእ ይሓይሽ’- ናይጀርያዊ ወለንተኛ

ዩክረይን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ከምዝጀመረት ዝገልጽ ዜና ምስ ሰምዐ፡ ወዲ 27 ዓመት ናይጄርያዊ ኦታህ ኣብርሃም ኣዝዩ ሰንቢዱን ሓሪቑን ነይሩ፡፡

ሽዑ ንሽዑ ድማ ቴሌፎኑ ኣልዒሉ ‘‘ናብኣቶም (ዩክሬናውያን) ክጽምበር እየ’’ ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ፡፡

ንሱ፡ ካብቲ ኲናት ዝካየደሉ ግንባር 8700 ኪሜ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ዋና ከተማ ናይጄርያ ሌጎስ፡ ኣብ ሓንቲ ንኡሽተይ ገዛ እዩ ነይሩ፡፡

እዚ ምሩቕ ትምህርቲ ፍልስፍና መንእሰይ፡ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ኣንጻር ወራር ሩስያ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ክሳተፉ ከምዝደልዩ ዝገለጹ ናይጄርያውያን፣ ኬንያውያን፣ ሰኔጋላውያን፣ ደቡብ ኣፍሪቃውያንን ኣልጄርያውያንን ሓደ እዩ፡፡

ሓደ ምኽንያት እዞም መናእሰይ እቲ ጽንኩርን ተስፋ ዘይብሉን መነባብሮ ኣፍሪቃ እዩ፡፡

"ኵናት ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፤ ጸወታ ቆልዑ ኣይኮነን’’ ክብል ንቢቢሲ ዝተዛረበ ኣብርሃም ‘‘ እንተኾነ ኣብ ዩክረይን ወታሃደር ምዃን ኣብዚ ካብ ምንባር ክሓይሽ እዩ፡፡ እቲ ኲናት እንተተወዲኡ እውን ኣብኡ ክጸንሕ ክፈቕዱለይ ይኾኑ እዮም፤ ብተወሳኺ ንፍሉጥ ጸላኢ ብምቅላሰይ ጅግና ክኸውን እየ’’ ይብል።

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ወጻእተኛታት ተዋጋእቲ ኣብ ጎኖም ተሰሊፎም ክዋግኡ ዘቕረቦ ጻውዒት ስዒቡ ካብ መላእ ዓለም ኣስታት 20 ሽሕ ወለንተኛታት ንዕስክርና ከምዝተኸተቡ እዩ ዝግለጽ፡፡

እቲ መንግስቲ ድማ ነቲ ልሙድ ናይ ቪዛ ከይዲ ኣትሪፉ፡ ፓስፖርት ንዘለዎምን ወታሃደራዊ ስልጠና ዝወሰዱን ሰባት፡ መሃያን ኣጽዋርን እናሃበ የሰልፎም ኣሎ፡፡ እንተኾነ እቶም ተዋጋእቲ ድሕሪ እቲ ኲናት ኣብ ዩክረይን ክጸንሑ ክፍቀደሎም ብዛዕባ ምዃኑ ግን ብወግዒ ዝተገለጸ ነገር የለን፡፡

ኬረቲ ኦሰሮ፡ ኣብቲ ኲናት ክሳተፍ ዝደልይ ካልእ ናይጄርያዊ እዩ፡፡ እቲ ኣብ ከተማ ኣቡጃ ዝነብር ወዲ 29 ዓመት መንእሰይ፡ ድልየቱ ገንዘብ ወይ ዜግነት ምስ ምርካብ ዘራኽብ ከምዘይብሉ እዩ ዝገልጽ፡፡

‘‘ኣብ ምቹው ናብራ እየ ዝነብር፡፡ ናብ ኣውሮጳ ክኸይድ እንተደልየ፡ ብኲናት ዘይኮነስ ብትምህርቲ ክኸይድ ይኽእል እየ፡፡እዚ ንዓመጸኛታት ናይ ምስዓር ጉዳይ እዩ፤ ናይ ሓደ ፍትሒ ምጉዳል ናይ ኩሉ ፍትሒ ምጉዳል እዩ’’ ይብል፡፡

ድሕሪ ጻውዒት ዘለንስኪ ብዓሰርተታት ዝቑሩ ናይጄርያውያን ኣብ ኣቡጃ ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ዩክረይን ብምቕናዕ ንዕስክርና ክምልመሉ ሓቲቶም፡፡

'ዕሱባት ኣይንፈቅድን'

ልክዕ ከም ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ መንግስቲ ናይጄርያ እውን ዜጋታቱ ኣብ ኲናት ዩክረይን ክሳተፉ ብዘይምፍቃዱ፡ ኣብ ናይጄርያ ዝርከብ ኤምባሲ ዩክረይን እውን ነቲ ዝሓሰቦ ከሳልጥ ኣይከኣለን፡፡

ሚኒስተር ወጻኢ ናይጄርያ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ‘‘ናይጄርያ ኣብ ዝኾነ ዓለም ዕሱባት ምጥቃም ኣይትድግፍን፤ ዕሱባት ምምልማል እውን ኣይትጻወርን’’ ኢሉ፡፡

ኣፍሪቃውያን ንክዋግኡ ከምዘይኸፍሉዎም ዝገልጽ ኣብ ናይጄርያ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ዩክረይን በዓል መዚ ዝኾነ ቦህዳን ሶልቲስ፡ እቶም ፍቓደኛታት ናብ ኣውሮጳ ንምብጻሕ ናይ በረራ ክፍሊቶም ባዕሎም ክሽፍኑ ከምዘለዎም እዩ ዝገልጽ፡፡

‘‘ኣብ መንጎ ወለንተኛ ወጻእን ዕሱባትን ንጹር ዝኾነ ኣፈላላይ ኣሎ’’ ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡

ጸኒሑ ድማ ዝኾነ ወለንተኛ ከይቅበል መምርሒ ከምዝተውሃቦ ተዛሪቡ፡፡

መንግስቲ ሰኔጋል እውን ዜጋታቱ ንዕስክርና ከይምዝገቡ ዝኣዘዘ ኮይኑ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ኤምባሲ ዩክረይን ንዘውጸኦ ናይ ተመዝገቡ መጸዋዕታ እውን ዘይሕጋዊ ብምባል ከውርዶ ገይሩ እዩ፡፡

መንግስቲ ኣልጄርያ እውን ኣብታ ሃገር ንዝርከብ ኤምባሲ ዩክረይን ተመሳሳሊ ትእዛዝ ሂቡ፡፡

‘‘ሃገረይ ክኸይድ ከምዘይተፍቅደለይ ነጊራትኒ፡፡ ናብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ክጽሕፍ ፈቲነ ነይረ፤ ኣይመለሱለይን፤ ግን ደጊመ ክፍትን እየ’’ ክብል ንቢቢሲ ዝተዛረበ ድማ ወዲ 28 ዓመት ኣልጄርያዊ በልሃጅ ሃኒ ኣሚር እዩ፡፡

‘‘ናብ ዩክረይን ክኸይድ ይደሊ እየ፤ ግን ድማ እቲ ኲናት ቀልጢፉ ክውዳእ ተስፋ ይገብር’’ ይብል፡፡

ኣምባሳደር ዩክረይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሞዛምቢክን ቦትስዋናን ሊውቦቭ ኣብራቪቶቫ፡ ኣብቲ ኲናት ክዋግኡን ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክሰርሑን ዝደልዩ ኣማኢት ዜጋታት ደቡባዊ ኣፍሪቃ ከምዘመልከቱን ካብ መንግስታ ምላሽ ትጽበ ከምዘላን ትገልጽ፡፡

ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ዕሱባት ተሪር ሕጊ እዩ ዘለዋ።

ብምኽንያት ክልከላ መንግስታት፡ ኣፍሪቃ ካብቲ ብመንግስቲ ዩክረይን ዝቖመ ዓለም ለኻውያን ወለንተኛታት ዝምስገቡሉ ድህረ ገጽ ተኣልያ ከምዘላ ሰብመዚ ዩክረይን ገሊጾም እዮም፡፡

"ሩስያውያን ኣሕዋትና"

ኣልጄርያ፣ ሰኔጋልን ደቡብ ኣፍሪቃን ካብ መንጎ እተን ኣብቲ ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝኹንን እማመ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድምጸን ዝዓቀባ 54 ሃገራት እየን፡፡ ምስ ሩስያ ክቃራሓና ኣይደለያን፡፡

ሩስያ በቲ ኣብ ከም ሃገራት ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፓብሊክ፣ ሊብያ ፣ ማሊን ሱዳንን እትገብሮ ወታሃደራዊ ሓገዝ ኣቢላ ኣብታ ኣህጉር ዘለዋ ጸቕጢ ኣሐይላ እያ፡፡

ዋላኳ ቢቢሲ እንተዘየረጋገጾ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፓብሊክ ዝርከቡ ወታሃደራት ምስ ‘‘ሩስያውያን ኣሕዋትና’’ ተሰሊፍና ክንዋጋእ ኢና ኢሎም ቃል እንትኣትዉ ዘርእይ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ይዘውር ነይሩ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ሰርገይ ሾይጉ፡ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ጎኒ ሩስያ ተሰሊፎም ክዋግኡ ዝደልዩ ‘‘ልዕሊ 16 ሽሕ ተዋጋእቲ’’ ፍቓደኛታት ከምዘለዉ ተዛሪቡ፡፡ እዚ ንሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ዝሓውስ ምዃኑ ግን ኣየነጸረን፡፡

‘ኣይትኸዱን’ ዝፈጠሮ ቅረታ

ንከም ናይጄርያዊ ደቪድ ኦሳጊ ዝበሉ፡ እቲ ክልከላ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ፡፡

እቲ ወዲ 21 ዓመት መንእሰይ ኣብ ናይ ቀይሕ መስቀል ህይወት ምድሓን ክሰርሕ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣብ ዩክረይን ተዋጋኣይ ኮይኑ ክምልመል ኩሉ ሰነዳት ኣጻፊፉ ይጽበ ነይሩ፡፡

‘‘እቲ ኤምባሲ ንኣፍሪቃውያን ከምዘይወስድ ምስ ሰማዕኩ ቅር ኢሉኒ’’ ይብል፡፡

ልቡ ዘንቀለ እዚ መንእሰይ ግን ካልእ ኣማራጺታት ይደልይ እዩ ዘሎ፡፡

‘‘ኣብቲ ኣብ ናይጄርያ ዝርከብ ኤምባሲ ፖላንድ፡ ቃለ መሕተት ኣለኒ’’ ኢሉ፡፡

ፕሪንስ ንከም ንዱቼ ካብቶም ኣብ ኤምባሲ ዩክረይን ዝነበሩ ናይጄርያውያን ሓደ ኮይኑ፡ ኣብ ሩስያ ዝተቐመጠን ኣብ ወታሃደራዊ ቤት ትምህርቲ ሩስያ ዝተምሃረን እዩ፡

ኣብ ኤምባሲ ኣመሪካ ስለዝተርኣየ ሰላሊ ተባሂሉ ንቑሩብ እዋን ከምዝተኣሰረን ድሕሪኡ ብዩክረይን ኣቢሉ ከምዝሃደመን ይገልጽ፡፡

ንሱ ናብ ዩክረይን ክወፍር ድልየት እኳ እንተሃለዎ፡ መንግስቲ ስለዘየፍቅድ ግን ነቲ ትእዛዝ ከምዝቕበል ተዛሪቡ፡፡